11/08/2024 09:27 AM
ዝኽሪ ዝዓበናሉ ባህልና
Memories of our culture where we grew up
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ዝኽሪ፡ ዝዓበናሉ ባህልና
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን።
ይዝከረኒ! - ኣብ ዓድና ከለኹ ንእሽተይ፡
ቀደም ክጻወት - ምስኩሎም የዕሩኽተይ፡
ሻኲ፡ ተወሰጥ፡ ቃርሳ - ምስ ያህለለይ:
ሸደድ፡ ገበጣ - እንተላይ ሓንዳይ፡
ሕንቂል-ሕንቅሊተይ! - ሰሰናቢተይ፡
እንካ ኣዝግነኒ! - ሻነ ብምንታይ፡
ተባሂሉ ክጽወት - ኣብ ዓደይ፡
ደስ ይብለኒ - ክዝክር ባህለይ።
ኳኽየ-ኳኽ - ዓርከይ ኣበለኻ፡
መን ትባሃል - እንታይከ ደሊኻ፡
ጭርጭር ዓበደ - ክጻወት ምሳኻ፡
ኣኹድር ሕንቆ ክንቃለስ - ኣብቲ ሸኻ፡
ኣስቲ ብሕልኮ - ክሕንኩል እግርኻ፡
ያላኻ ያላኻ - ስግር ማዕዶ ዘለኻ፡
ናብቲ ገደል - ሸለው የብላኻ፡
በል ተናዘዝ - መን ኢኻ መን ኢኻ፡
እንዳበሉ ኣሕዋት - ክጻወቱ ኣብ በረኻ፡
ናይ ንእስነት ጸወታ - ዝምስጥ ልብኻ፡
ዘይርሳዕ'ዩ - ባህሊ ናይ ዓድኻ።
ከበሮ እምብልታ - ምስ ጣቕዒት፡
ክራር ደርፊ - ምስ ሳዕስዒት፡
ሻምብቆ - ንመሰንቆ እንዳሰነየት፡
ናይ ጭራዋጣ ቃና - ጎበዝ ዝመሰጠት፡
ካብ ርሑቕ ክድሀ - ድምጺ ናይ መለኸት፡
ይበል ጓይላ - ጎበዝ ዓዲ ዝማረኸት፡
ኣውሎ ማሰ - ጨፈራ ምስ ዕልልታ፡
መኣዛ ዝመልኦ - ናይ ዓድና ጸወታ፡
ዳስ ተተኺሉ - ሕጸ መርዓ ኾይኑ፡
መርዓውቲ ክመጹ - ካባ ዲኖ ዝተኸድኑ፡
ፋኑስ ጥዋፍ - ኣብቲ ዳስ ተወሊዑ፡
በራሚል ገንእታት - ስዋ ተሰሪዑ፡
ሜስ ብርዚ - እንተኾነ ተጸሚቑ፡
ጎበዝ ከሰልፍ - ድግድጊት ተዓጢቑ፡
መስተ ኽስተ - ብሸሎኻ ብዋንጫ፡
ጮማ ዝሕላ ስጋ - ቀሪቡ ብምርጫ፡
ጸብሒ ብጻሕሊ - ክስራሕ ውዒሉ፡
ዕዱማት ክበልዑ - መኣዲ ዝኣኸሉ፡
እንጀራ ምስ ዝግኒ - ብመሶብ ቀሪቡ፡
ብላዕ ስተ ክባሃል - ጸሓይ ዓሪቡ፡
ኣንስቲ ተኸዲነን ጋቢ ምስ ጥልፊ - ክስዕሳዓ፡
ሰብኡት እጀጠባብ ምስ ሽወሽ ዝገበሩ - ኣብቲ መርዓ፡
መርዑት ዓድና ተሓቢኤን ክስሕቃ - ገጸን ከይተቐልዓ፡
መናእሰይ ይጭፍሩ ይዘሉ - ዋላ ደቀ-ርባዓ፡
ኣብ ህድሞ ዓድና - ኣብ ሕጽኖት መርዑት፡
ኣብ ንእዲ ኣብ መደብ - ኮፍ ኢሎም ቆልዑት፡
ኣደራራስ ክጻወቱ - እንተላይ ዓበይቲ ሰብኡት፡
ኣየወ ክምዕርግ - ባህሊ ናይ ዓድና፡
ላዛ ዋዛ ዝሓዘለ - ዘይብሉ መዘና፡
ምዕቃብ የድሊ - ባህሊ ናይ ሃገርና፡
መታን ክወርሱ - ንኣሽቱ ቆልዑ ደቅና፡
ክመሓላለፍ ካባና - ናብቶም ተካእትና፡
ካብ ቅድም ዝጸነሔ - ናይ ስድራ ቤትና።
ይዝከረኒ ሕዛእቲ ዓዲ -ብጥሪትና ክጥሕሰስ፡
ነዊት ኣርዑት ዕርፊ - ማሕረሻ ምስ ከርፈስ፡
ኣብዑር ጸሚድካ - ግራት ዋላኻ ክሕረስ፡
ስገም ስርናይ መሸላ ጣፍ ዕፉን - ክሕፈስ፡
ዓተር ዓይኒዓተር ሰበረ ብርስን ባልዶንጓ - ከውሕስ፡
ኒሁግ እንጣጢዕ ብልቱግ ዳጉሻ - ዋግኡ ክመልስ፡
በቲ ሓደ ወገን መንእሰይ ይረኤ - ኣብቲ ሩባ ክሕንብስ፡
ገሊኡ ሸዊት ዓተር እንዳበለዔ - ክጻወት ክሕጎስ፡
ገጠራት ሃገርና፡ ክትነብሮ ዘብህግ - መንፈስካ ዘሕድስ።
ይዝከረኒ ኣብ ዓዲ - ጥሪትና ሳዕሪ ከነባልዕ፡
ላም ኣርሒ ምራኽ - ብዕራይ ዝራብዕ፡
ከምኡውን በቕሊ ፈረስ - ኣጣል ኣባጊዕ፡
ኣድጊ ከይተረፈት - ዒሉ ክትብል ፍንጭራዕ፡
ዕየት ብተይ ማሕስእ ደርሁ - ኣብ ደንበ ክስራዕ፡
ኣቦታት ይወፍሩ - ክሓርሱ ክዘርኡ ኩሉሳዕ፡
ኣደታት ክጉልጉላ ክጽህያ - እቲ ዘይብላዕ፡
ጓሶት ክደርፉ - ካብ ስግር ማዕዶ ክስማዕ፡
ጥዑም እዋን ኔሩ - ጨሪሱ ዘይርሳዕ።
ይዝከረኒ - ናብ ቤተክርስትያን ክንከይድ ኣንጊህና፡
ምስ ወለድና - ኣሕዋት ኣሓት ኩላህና ተኣኪብና፡
ቅዱስ ዮውሃንስ - ምስ ብርሃነ መስቀል ከነኽብር፡
መንፈሳዊ ባዓላት ኮይኑ - ብጉቡእ ክንዝክር፡
ገልገለ መስቀል ሒዝና - ክንብል ሆያ! ሆየ!፡
ሓደ ሰብ ከይተረፈ - ዝነኣሰ ዝዓበየ፡
ኣዋልድ ክደርፋ - ከበሮ ሒዘን እንዳዘለላ፡
ዮውሃንሰይ ቅዱሰይ፡ ምሒርዋ ንነብሰይ - እንዳበላ፡
ልደት ጥምቀት ትንሳኤ - ይስዕብ ተኸታቲሉ፡
ከከም ወቕቱ - ብወግዒ ይኽበሩ ይበዓሉ፡
ካህናት መስቀል ሒዞም የሳልሙ - ንኹሉ በብሓደ፡
ድያቆናት ነይሩዎም - ዝገብርዎ ናቶም ግደ፡
ኣበይ ይርከብ እዚ ኽቡር ባህሊ - ናይ ወለድና፡
ይሃስስ ይጠፍእ ኣሎ - መተካእታ ዘይብልና።
ይዝከሩኒ ኣብ ዓድና - ናኣሽቱ የሕዋተይ፡
ከምኡውን እቶም ቆልዑት - ጎረባብተይ፡
ተዋሃሂዶም ክነብሩ - ጠባይ ንጠባይ፡
እምቢ ዘይብሉ - ብጀካ ሕራይ፡
ንዝሸምገሉ ዝብሉ - ኣቦይ! ኣደይ!፡
ንዝዓበዩ ዝብሉ - ኣብሻይ! ኣያይ!፡
ንዝነኣሱ ዝብሉ - ሓወይ! ሓውተይ!፡
ወለዲውን ዝብሉ - ወደይ! ጓለይ!፡
ክብሪ ዘለዎ ባህሊ - ናይ ህዝበይ፡
ተስፋ ኣሎኒ ክምለስ - ናብ ዓደይ፡
ኣብታ ቁሸተይ ከሕልፋ - ዝተረፈት ሂወተይ፡
ምስ ሞትኩ'ውን ክቕበር - እብታ ሓመድ ዓደይ፡
ኣብ ሃገርና ኽትቅበሩ - ትምነዩ ዶ ከምዚ ኸማይ፡
ትምኒትና ኽፍጸም - ንጸሊ ናብቲ ኣምላኽ ሰማይ።
ክብርን ምስጋናን - ንልዑል ኣምላኽና፡
ራህዋን ሰላምን - ንሓላል ህዝብና፡
ዕድመን ጥዕናን - ይውረድ ኣብ ኩላህና፡
ብሓልዮት ንዓቅቦ - ባህሊ ሃገርና።
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን።
ኣንባቢ፡- ዮውሃንስ ጸጋይ።
11 ነሓሰ 2024
See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:ካልኦት ጽሑፋት ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡-
- ትምህርቲ ንህጻን ክሳብ እርጋን። ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ሰላም ኣብ ሂወትና ትንበር! ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ዓመተ ራህዋ ይግበረልና። By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ERITREAN WOMEN IN THE STRUGGLE FOR GENDER EQUALITY AND JUSTICE, By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- WHAT IS OUR NEW YEAR’S RESOLUTION? By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- CHALLENGES IN THE TRANSFER OF POLITICAL LEADERSHIP IN ERITREA By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ENHANCING OUR PARTICIPATION IN OUR ERITREAN PEOPLE’S MOVEMENT
- THE UGLY POLITICS OF POLARIZATION OF ERITREANS IN DIASPORAS
- AN URGENT CALL TO ACTION FROM THE ERITREAN YOUTH LEADING THE WAY
- ABORTING THE POLITICAL ASPIRATION OF THE PFDJ LEADERSHIP
- JOINING THE YOUTH IN SUPPORT OF ‘ENOUGH IS ENOUGH’ MOVEMENT
- THE CHALLENGES OF SUSTAINING THE CONTINUITY OF OUR GENERATIONS
- IN DEFENSE OF THE SURVIVAL OF OUR ERITREAN IDENTITY IN DIASPORAS
- THE PARABLES OF TWO FLYING INSECTS In relation to Eritreans in Diasporas. ምስላ ናይቶም ክልተ በረርቲ ሓሰኻታት፡ ብምዝማድ ኩነታት ኤርትራውያን ዲያስፖራ
- CELEBRATING CHRISTMAS
- A JOURNEY ON A TRAIN OF LIFE FOR PEACE, JUSTICE & HUMAN DIGNITY
- LEARNING TO PERCEIVE THE OBJECTIVE REALITY OF OUR SURROUNDING
- ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር AUDIO
- DOING THE RIGHT THING TO MAKE A DIFFERENCE
- I feel proud whenever I observe that one of us is recognized and honored.
- SUCCESS AGAINST ALL ODDS
- ኤርትራዊ መንነትና ምዕቃብን ምኽባርን ኣብ ስደት
- ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር
- LEARNING TO RESOLVE OUR CONFLICTS THROUGH HUMILITY
- THE LEGACY OF OUR NEW YEAR’S RESOLUTION
- ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከመይ ኣላ?
- THE RISE AND FALL OF SAN GIORGIO SCHOOL
- RESPECTING OUR ERITREAN IDENTITY IN DIASPORAS
- ንሓድሕዳዊ ምክብባር ዝጠቕም ትምህርቲ
- LESSONS TO LEARN TO RESPECT EACH OTHER
- JOINING WOMEN IN THE STRUGGLE FOR THE LIBERATION OF MEN
- ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራ ንኣጠቓቕማ ግዜን
- LEARNING THE VALUE OF MANAGING THE USE OF TIME
- THE CHALLENGE TO BE THE CHANGE TO MAKE THE DESIRED CHANGE
You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:
- 1. Gebremedhin, Tesfa G. and Luther G. Tweeten. Research Methods and Communication in the Social Sciences. Westport, CT: Praeger, 1994.
- 2. Gebremedhin, Tesfa G. Beyond survival: The Economic Challenges of Agriculture and Development In Post-Independence Eritrea. Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 1996.
- 3. D’Souza Gerard and Tesfa Gebremedhin. (eds). Sustainability in Agricultural and Rural Development. Brookfield, Vermont: Ashgate Publishers, 1998.
- 4. Gebremedhin, Tesfa G. And Peter V. Schaeffer. Leadership Challenges for Effective Management. Dublin, Ireland: Blackhall Publishing, 1999.
- 5. Gebremedhin, Tesfa G. Women, Tradition and Development: A Study of Eritrea. Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 2002.
- 6. Gebremedhin, Tesfa G. and Gebre H. Tesfagiorgis (editors). Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future. Trenton, NJ: The Red Sea Press, 2008.
- 7. Kahsai, Mulugeta S., Tesfa G. Gebremedhin and Peter Schaeffer. Amenity and Economy: A Spatial Econometric Analysis of the Northeastern United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 8. Mojica, Maribel, Tesfa G. Gebremedhin and Peter Schaeffer. Entrepreneurship and Economic Development Econometric Analysis of the Appalachian Region. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 9. De Sousa-Brown and Tesfa G. Gebremedhin. Small Business and Rural Economic Growth: A County-Level Analysis of West Virginia. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 10. Hailu, Yohannes G., Tesfa G. Gebremedhin and Cheryl Brown. Economic Development: A Spatial Econometric Analysis of the Northeastern United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 11. Bashir, Saima and Tesfa G. Gebremedhin Entrepreneurship zand Regional Economic Development: A Spatial Econometric Analysis of the Northeast Region of the United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2012.
BOOKS CO-AUTHORED WITH MY GRADUATE STUDENT
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።