Placeholder Picture
Placeholder Picture
Reflections on 35th Eritrea's Independence Day

24/05/2026 00:10 AM

ዮሃና መበል 35 ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ!
Happy 35th Independence Day, Eritrea!
عيد استقلال سعيد لإريتريا، الذكرى الخامسة والثلاثون لاستقلالها

ጻውዒት፡ ንሓቀኛ ክብርን ትርጉም ን30 ዓመታት እተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምምላእ፡- ግዝኣተ ሕጊ፡ ሃገራዊ ዕርቅን ኩለንተናዊ-ዳግመ-ህንጸትን
The True Meaning of Eritrea’s 30-Year Struggle: A Call for Rule of Law, Reconciliation, and Rebuilding National Soft Power
المعنى الحقيقي لنضال إريتريا الممتد لثلاثين عاماً: دعوة لسيادة القانون، والمصالحة، وإعادة بناء القوة الناعمة الوطنية

Memories and Reflections. ዝኽርታትን ገምጋማትን ذكريات وتأملات

Memories and Reflections on the occasion of the 35th Eritrea's Independence Day.

መልእኽቲ ብኣጋጣሚ መበል 35 ዓመተ-ናጽነት ኤርትራ፡ ብስኒትና.ኮም
24 May 2026.


رسالة بمناسبة الذكرى الخامسة والثلاثين لاستقلال إريتريا، من موقع Snitna.com (snitna-2026-05-24)
24 May 2026.


Eritrea 35th Independence Day Message, by snitna.com
24 May 2026.


ዝኽርታትን ገምጋማትን ብኣጋጣሚ መበል 35 ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ።
Memories and Reflections on the occasion of the 35th Eritrea's Independence Day.
ذكريات وتأملات بمناسبة الذكرى الخامسة والثلاثين لاستقلال إريتريا.

ጻውዒት፡ ንሓቀኛ ክብርን ትርጉም ን30 ዓመታት እተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ፡- ግዝኣተ ሕጊ፡ ሃገራዊ ዕርቅን ኩለንተናዊ-ዳግመ-ህንጸትን

ዝኸበርካ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!

ዓመት መጽአ፡ ብ24 ግንቦት፡ ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ንመዓልቲ ናጽነትና ብሓበን፡ ብሓዘንን ብኣስተንትኖን ኢና ንዝክራ። ሎም-ዘበን ንሃገራዊ መዓልቲ ናጽነትና ኣብ ነብዕለሉ ዘሎና እዋን፡ ዞባና፡ መመሊሱ ብዝብእስ ዘይምርግጋእ ይሕመስ ኣሎ። እቲ ብኸቢድ ዋጋ ዝረኸብናዮ ልዑላውነት ኤርትራ ድማ፡ ብሰንኪ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን፡ ስግኣት የንጸላልወና ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ብኩራት ግዝኣተ-ሕጊ ምስ ምልካዊ ምሕደራ ተደሚሩ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘለዎም ድምጺ ብምዕባሱን፡ ንሃገርና ተወሳኺ ሓደጋ ኮይኑ፡ ናብ ቅሉዕነት ኣውሪዱዋ ይርከብ።

ናጽነት ኤርትራ፡ ብግዳማዊያን ሓይልታት ወይ ብፖለቲካዊ ልዝብ ዝተመጠወና ህያብ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ኣብ ታሪኽ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ነዋሕትን ከቢድ መስዋእቲ እተኸፍሎምን ሓርነታዊ ቃልሲ ስለዘካየድና ኢዩ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ተጋደልትን ኣማኢት ኣሽሓት ሰላማዊያን ህዝብናን፡ ህይወቶም በጅዮም ኢዮም። ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ ክትግምቶ ዘጸግም ከቢድ መከራን ስቓይን ኣሕሊፎም። ሙሉእ ሕብረተሰብና ድማ፡ ምእንቲ ናጽነትን ሰብኣዊ ክብርን ብዝነበሮ ባህጊ፡ ተወፍዩ ተቓሊሱ።

ንሕና ኤርትራውያን ንሰላሳ ዓመታት ክንቃለስ ዝተገደድናሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ባንዴራ ንምስቃል ወይ መሬታዊ ልዑላውነት ንምርግጋጽ ጥራይ ኣይነበረን። ቃልስና ብመሰረቱ፡ ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ሰብኣዊ-ክብሪ ንምሕላው፡ ርእሰ-ውሳኔና ንምኽባር፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕጊ ነብስና ብማዕርነት ንከነማሓድርን፡ መሰል ንክህልወና ኢዩ ነይሩ። ሰማእታትና ሂወቶም ዝኸፈሉሉ፡ ህዝቦም ድምጹ ክዕበስ፡ ብፍርሒ ክሹቕረርን ብዘይ ሕጊ ክምቋሕን፡ ተሓታትነት ብዘይብሉ ስርዓት ንክማሓደሩ፡ ኣይነበረን። ዕላማ ቃልሶም፡ መጻኢ ወለዶታት፡ ብናጽነትን ሰላምን፡ ኣብ ትሕቲ ሒጊን ሕጋውነትን ኣጽሊሎም፡ ብቕሳነት ንክነብሩ ኢዩ ነይሩ።

ኣገዳስነት፡ ካብ ፖለቲካዊ ሻርነት ምውጻእ

ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት (ዲያስፖራ) ዘሎና ኤርትራውያን፡ ኣዚና ተመቓቒልና ኢና ንርከብ ዘሎና። እቲ ብጉዳይ ባንዴራቅዋም 1997ጉጅለ 15 (G-15)፡ ከምኡ’ውን ዝተጨውዩ ጋዜጠኛታት ዝግበር ዘሎ ክትዓት፡ ኣብ ክንዲ መሳርሒ ንሃገራዊ ዕርቅን ህንጸትን ዝኸውን፡ ምልክት ናይ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ኮይኑ ይርከብ። እዞም ጉዳያት እዚኦም ኣገደስቲን ዕሽሽ ክበሃሉ ዘይግብኦምን እካ እንተኾኑ፡ ብጸቢብ ፖለቲካዊ ሻርነት ጥራይ ኣጉሊሕና ብምርኣይ፡ ከም ህዝቢ ንከፋፈልን፡ ኣብ ዝዓበየ ሃገራዊ ዕላማና ክንዓስል ክንዲ ምጽዓር፡ ካብኡ ነላግስን፡ በዚ ኸኣ ከይተፈለጠና፡ ነቲ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከምዝሕይል ኢና ንገብሮ ዘሎና።

እቲ ሎሚ ንኤርትራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዓቢ ብድሆ፡ ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ጽግዒ ምዃንን ዘይምዃንን ንላዕሊ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ፍልልይ ፖለቲካዊ ርእይቶ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ወይ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፡ ብማዕረ ዘዕቁቦም፡ ልዑላውነት ሕጊ ዘውሕስ ትካል፡ ዘይምህላዉ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ከይተሃንጸ ኸኣ ዝኾነ ይኹን፡ ቅዋም፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ መሰረታዊ ክትዓት ምክያድን፡ ጠማሪ ለውጢ ምምጻእን፡ ኣይከኣልን።

እቲ ተኣጊዱ ዘሎ ቅዋም 1997፡ እቲ ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ዘይረኸበ፡ ምስዋር ሰበ-ስልጣን ጂ-15 (G-15)ን ከምኡ'ውን ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ካብ ተሓታትነ ሕጊ ከምዝረሓቐ ዘመልክቱ፡ ኣቐንዘውቲ ጉዳያት ኢዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ሃገራዊ ስምብራታት እዚኦም፡ ናይ ዕርቅን ሓባራዊ ስምዒትን መሰረት ክኾኑ ኣለዎም እምበር፡ ንኤርትራውያን ናብ ናይ ተቓወምቲን ደገፍትን ደምበታት ዝመቓቕሉ፡ ክኾኑ ኣይግባእን። ሓደ ህዝቢ፡ ሓባራዊ ታሪኹን ጸገሙን ዕሽሽ ኢሉ፡ ንሓድሕዱ ብፖለቲካዊ መርገጺታት ዝፈላለ እንተኾይኑ፡ ንቕድሚት ክስጉም ኣይኽእልን ኢዩ።

ቅልውላው ናይ እተባሕጎገ ሃገራዊ ባህሊ

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና፡ ብዓቢ ሕሰም ኢዩ ዝሓልፍ ዘሎ። ስድራቤታት፡ ብሰንኪ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ቁጠባዊ ተነጽሎ፡ ግዱድ ስደትን ፍርሕን፡ ተበታቲነን ይርከባ። ብኣንጻሩ ድማ፡ እቶም ኣብ ስደት ዘሎና ሚልዮናት ኤርትራውያን፡ ነቲ ሃገራዊ ንቕሓትን ሃገራዊ ሓድነትን ንምህናጽ፡ ብኣወንታ ክንጥቀመሉ ዘኽእለና ጸጋታትን ዕድላትን፡ ኣብ ኢድና ይርከብ።

ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኤርትራ ካልእ ስዉር ቅልውላው ኣጋጢሙዋ ይርከብ። ንሱ ድማ፡ እቲ ዝነበራ ሃገራዊ ባህሊ (Soft Power)፡ እናተባሕጎገ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራውያን፡ ብጽንዓትና፡ ስነ-ስርዓትና፡ ሓድነትና፡ ርእሰ-ምርኮሳናን ሃገራዊ ስምዒትናን፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ክብርን ኣድንቖትን ዝፈጠረ መለለይና ባህርያት ኢዮም ነይሮም። እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበርና ኤርትራውያን ማሕበረሰባት እውን፡ በቲ ጽኑዕ ማሕበራዊ ምትእስሳርና፡ ናይ ትምህርቲ ድሌትና፡ ኣብ ባህልና ዝነበረና ሓበንን፡ ኣብ ሞንጎ ሓድሕድና ዝነበረና ሓልዮትን ምድግጋፍን፡ ኣድንቖት ዘሕደርና ህዝቢ ኢና ኔርና። ሎሚ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ምፍልላይ፡ ዘይምትእምማን፡ ብምልካዊ ስርዓት ዝወርድ ስግረ-ሃገራዊ መጽቀጥቲን፡ ንሱ ዘስዓቦ ውሽጣዊ ምክፍፋልን፡ ነቲ ዝነበረና ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ጽልዋ፡ ኣዳኺሙዎ ይርከብ።

ስለዚ፡ ሃገራዊ ባህልናን ፖለቲካናን፡ ዳግም ምህናጽ፡ ንሃገራዊ ሕውየት፡ ኣገዳሲ ይገብሮ። መዐቀኒ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ፡- ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ወይ ብፖለቲካዊ ቁጽጽር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህዝብና፡ ሓድሕድ ምትእምማን ዝኹስኩስ፡ ኽብርታትና ዝሕሉ፡ መሃዝነት ዘተባብዕ፡ ሓድነት ዝፈጥር፡ ከምኡ ውን ንሃገራዊ ኽብሪ ኣብ ትሕቲ ልዑላውነት ሕጊ ዝሰርሕ፡ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ኤርትራ መጻኢኣ ዳግም ክትሃንጽ እትኽእል፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንክብርታትና፡ ሓድሕድ ምትሕልላይና፡ ሓባራዊ ዘተና፡ በርጌሳዊ ሓላፍነትናን ንሓድሕድና ዘሎና ምክብባርን፡ ዳግም ክንሃንጾ ምስ እንኽእል ጥራይ ኢዩ።

ሓላፍነት ናይቶም ኣብ ስደት (ዲያስፖራ) ዘሎና ህዝቢ

እቶም ኣብ ስደት (ዲያስፖራ) ዘሎና ኤርትራውያን፡ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኣገዳሲ ኣቀላጣፊ ኣበርክቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እቶም፡ ንዲሞክራስያዊ ትካላት፡ ስቪካዊ ማሕበራት፡ ልዑላውነት ሕጊ ከምኡ’ውን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ዘስተማቐርና ኣብ ስደት (ዲያስፖራ) ንነብር ዘሎና ኤርትራውያን፡ ኣብ መንጎ ህዝብና፡ ባህሊ ናይ ዕርቂ፡ ሰላማዊን ስልጡን ምብህሃልን፡ ኣብ ምትብባዕን ምኹስኳስን፡ ፍሉይ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል ኢና።

ይኹን እምበር፡ እዚ ሓላፍነት እዚ፡ ብፖለቲካዊ ምጽራር፡ ብናይ ሓሳበይ ሓሳብካ ይበልጽ፡ ወይ ብናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስሕሓብ ጥራይ ክፍጸም ኣይኽእልን ኢዩ። ኣበርክቶ ናይ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና ኤርትራውያን ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል፡- ብጽሞና ምስማዕ ምስ እንኽእል፡ ኣዕሚቕና ክንርዳእ ምስ እንኽእል፡ ከምኡ’ውን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ትርግታ ልቢ ህዝብና ዝሳነ፡ ምትእስሳር ክንፈጥር ምስ እንኽእል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታት ናይ ዕለታዊ ፍርሒ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ባህጊ ናይ ህዝብና፡ ቃልሲ ህዝብና፡ ኣብ ህዝብና ዘሎ ናብራ፡ ብግቡእ እንተ-ዘይተገንዚብናዮ፡ ብዘይ ናቶም መረዳእታን ተቐባልነትን፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ለውጢ ክትግበር ኣይከኣልን ኢዩ።

መብዛሕትኡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና፡ ካብ ናይ ፖለቲካ ጭርሖታትን ወጻኢ ምፍልላይን ንላዕሊ፡ ንርግኣትን ጸጥታን፡ ቐጻልነት ህይወቱ፡ ሰብኣዊ ኽብሩን፡ ንዘገምታዊ ለውጥን፡ እዩ ቀዳምነት ዝህብ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘሎና ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ዘይምትእምማንን ምክፍፋልን ምፍጣር፡ ምትእምማን ኣብ ምህናጽ፡ ሰብኣዊ ምትእስሳር ኣብ ምህናጽን ምስፋሕን፡ ልዕልና ሕጊ ኣብ ምኽባርን፡ ከነተኩር ይግባእ። ብፍላይ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ታሪኽ መስዋእቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ቃልሲ ዘበገሶ ዲሞክራስያዊ ራእይን፡ ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ክብርታትን፡ እውን ብግቡእ ክፈልጡዎ ኣለዎም።

እቲ ቅኑዕ መዋጽኦ፦ ግዝኣተ ሕጊ፡ ምርግጋጽ

ሓቀኛ ዕርቂ ዝጅምር፡ ኩሎም ኤርትራውያን ፍልልያቶም ብዘየገድስ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ፡ ከቢድ ጾር ናይ፡- ፍርሒ፡ ሓድሕድ ዘይምትእምማን፡ ውግእን ምፍልላይን፡ ከም ዘሕለፉ ግቡእ ኣፍልጦ ብምሃብን ብምኽሓስን ኢዩ። ቅኑዕ ሃገራዊ ዕርቂ ንምርግጋጽ፡- ሓድሕድ ምስምማዕ፡ ኣብ ኩሎም ወገናት ህዝብና ዘሎ ስቓይ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ብሰንኪ ዘለዎ ፖለቲካዊ እምነት ወይ ዝነበሮ ታሪኻዊ ውደባ፡ ፍትሒ ከም ዘይንፈጎ ዘረጋግጽ፡ ስርዓት ንምምጻእ መብጽዓ ምእታው፡ ይጠልብ።

እቲ ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ፡ ቀጻሊ ዳግመ-ህንጸት ናይ በርጌሳዊ ምትእምማንን፡ ኣብ ተሓታትነትን ማዕርነት ኣብ ትሕቲ-ሕጊ ዝተሰረቱ ትካላትን ይሓትት። ግዝኣተ ሕጊ ማለት፡ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ወተሃደራዊ ትካል፡ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ መንግስታዊ በዓል-ስልጣን፡ ካብ መሰላት ናይ ህዝቢ ንላዕሊ ኣይኮነን፡ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ፡- ናጻ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ግሉጽ ምሕደራ፡ ምዕቃብ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ከምኡ’ውን ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝወሃብ፡ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ፡ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት፡ ልዕሊ ኹሉ፡ ንኹሉም ኤርትራውያን ብማዕርነት፡ ሕነ ምፍዳይን ኣግላልነትን ዘይብሉ፡ ፍትሒ ምርግጋጽ፡ ማለት ኢዩ።

መጻኢት ኤርትራ፡ ብጽልኢ፡ ሕነ ብምፍዳይ ወይ ብኮነ ኢልካ ዝግበር ምፍልላይ፡ ክንሃንጻ ኣይንኽእልን ኢና። ነባሪ ለውጢ ኣብ ሃገርና ከነምጽእ እንኽእል፡ ንሕና ኤርትራውያን ንቀንዲ ዕላማታት ናይ 30 ዓመታት ቃልስና፡ ተመሊስና ክንግንዘቦ ምስ እንኽእል ኢዩ። ዕላማ ቃልስና፦ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብኽብሪ፡ ብሓርነት፡ ብፍትሒን ብሰላምን፡ ዝነብሩላ ሃገር ንምምስራት ኢዩ ነይሩ።

ከም ኤርትራውያን ብዛዕባ ናጽነት ክንሓስብ ከሎና፡ ኣተኩሮና ኣብ ዝሓለፉ ዓወታትን ወይ ፖለቲካዊ ምልክታት ጥራይ ክኸውን የብሉን። ነቲ ገና ዘይተረጋገጸ ሓርነት ህዝብና፡ ዝነበረ ናይ ቃልስና ዕላማታትን ሕድሪን፡ ክንዝክር ይግባእ። መስዋእቲ ጀጋኑና፡- ንኹልና ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዘሎና፡ ብመንገዲ ዕርቂ ክንጓዓዝ፡ ሃገራዊ ሓድነትና ክመልስ፡ ነቲ ዝተባሕጎገ ሃገራዊ ባህሊ (Soft Power) ዳግም ክንሃንጽ፡ ከምኡ’ውን ካብ ራዕዲ ናጻ ዝኾነ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ ዝመሓደር ስርዓት ክንተክል ይጽውዓና ኣሎ። ናጽነት ሙሉእ ዝኸውን፡ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ፡ ንኹሉ ብማዕረ፡ ሰብኣዊ ኽብርን መሰላትን ዝሕሉ ሕግታት ኣብ ዘለዎ፡ ንህዝቡ ተሓታቲ ኣብ ዝኾነ መንግስትን፡ ብሓርነት ክነብር ምስ ዝኽእል፡ ጥራይ ኢዩ ።

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር!

ዝኽርን ክብርን፡ ናጽነት ሃገርና ክዉን ንምግባር፡ በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት!

ስኒትና.ኮም 24 ግንቦት 2026

ነዚ ክቡር ዕለት`ዚን ንዝሓለፈ ረዚን ታሪኽናን፡ ንመጻኢናን ዘንጸባርቑን ዝእንፍቱን፡ ዝተፋላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት እናመረጽና፡ ኣብ ታሕቲ ከነቕርበልኩም ኢና። በብዕለቱ፡ ትሕዝቶ ክውሰኾ ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎን፡ ንምህብታሙ ዝሕግዝ ሓበሬታን ለበዋን እንተሎኩም`ውን ኣብዚ ጠዊቕኩም፡ መልእኽቲ ክትሰዱልና ብኣኽብሮት ንሕብር።


ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽምብል በዓል መበል 35 ዓመት ናጽነት | President Isaias Afwerki speech on May 24, 2026


24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኣርትራ - ህጹጽ ኣድላይነት ምቛም ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ
٢٤ مايو يوم الاستقلال الوطني - ضرورة إنشاء القوة الوطنية الإرترية الواحدة
May 24 Eritrean Independence Day - Urgent Need of One Eritrean National Firce


The Eritrean National Council for Democratic (ENCDC) Change, Celebrating 35th Eritrea's Indebendence Day.
ጽምብል 35 ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ ብ'ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡
المجلس الوطني الإريتري للتغيير الديمقراطي (ENCDC)، يحتفل بالذكرى الخامسة والثلاثين لاستقلال إريتريا.


ERISAT | ቃል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብምኽንያት በዓል ነጻነት፡ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት 2026


ኣብ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኣቦ መንበር ፖሓኤ ዘቐረበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ
Statement on 35th Eritrea's Independence Day 2026, by Chairman of the Political Forces of Eritrea, Mr Tewelde Gherezgiher
ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ብመኽንያት መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ብ23 ጉንበት 2026 ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ገረዝግሄር-ተወልደ


GYM | ጋዜጣዊ መግለጺ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት 2026
Eritrean Global Yiakl Movement (GYM) Statement on 35th Eritrea's Independence Day 2026


TV Meley | ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)፡ ዘተ ብምኽንያት 35 ናጻነት ሃገረ ኤረትራ 2026፡
Organization of Eritrean Unity (OEU): Discussion on the ocassion of 35th Eritrea's Independence Day 2026


Kabnab Media | ሰልፊ ሰላምን ፍትሕን ኤርትራ፡ ዘተ ብምኽንያት 35 ናጻነት ሃገረ ኤረትራ 2026፡
Eritrean independence day May 24 2026): Event organized by Eritrean Peace and Justice Party.


መልእኽቲ መበል 35 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡
ዕዙዝ ሰላምታ ብምቕዳም፡ ኣብዚ መበል 35 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ሃገርና ብዓቢ ሓበን እንጽንብለሉ ዘለና ቅንያት’ዚ፡ ምዉቕ ዮሃናን ሰናይ ትምኒት ንርሑስ መዓልቲ ናጽነትን አቕርብ። ጽንብል ዝክረ-ዓመት ሃገራዊ ናጽነት፡ ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዓቢ ሓበንን ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን የኽብሩዎ ኣለዉ።

መልእኽቲ መበል 35 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ


ጽንብል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ 24 ግንቦት 2026
ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፣

ጽንብል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ 24 ግንቦት 2026 ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
ጽንብል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ 24 ግንቦት 2026 ብ1961 ዓም ዝተበገሰ ብረታዊ ቓልስና ብ1991ዓም ኣብ ምዕራፉ ካብ ዝበጽሕ እነሆ 35 ዓመትና ንቆጽር ኣሎና። ብቐዳምነት ነዚ ብርሃን ናጻነት ዘብርሁ ሱዉኣትናን ኣካለ-ሱንኩላናን ንኹለን ዉድባት ኤርትራን ንኩሉ ህዝብናን ዮሃና ንብል። ንሕና ሎሚ ብሂወት ዘሎና፣ ሪህና ካፊኢና ነዞም በጃ ዝሓለፉን ከርፋሕ ናብራ ገድሊ ተጻዊሮም ዝተቓለሱን ኩሉ ግዜ ክዝክሮምን ታሪኾም ክብ ኣቢልና ክንሕዞን ግዴታና’ዩ። ነዚኣ ሂወቶም ዘይበቐቑልና ሰማእታትና ንዘላኣለም ክዕርፉን ክቐስኑን እቲ ካብኦም ዝተረፈ ሓርነት ህዝብና ክነማልኦ ቓል ንኣትወላ ዕለት ትኹነና። ግዜ ብናቱ ስርዓት ዝኸይድ፡ ስለ ዝኾነ 35 ዓመታት ናይ ናጽነት ንቖጽር ኣሎና። ወዲ ሰብ ንተፈጥሮ ልጟም ክገብረሉ ኣይክእልን’ዩ። ግዜ ግን ንኹሉ ማዕረ’ዩ ምስ ግዜ ዝጎዪ እሞ ዝስርሓሉ ብዙሕ ክገብር ይኽእል። ንሕና ነዚ 35 ዓመታት ንሓርነታዊ ቓልሲ ብግቡእዶ ተጠቂምናሉ? ሃገርና ሰላማዊት ክትከዉን ኣብ ናትና ሕልናናን ተወፋይነትን ዉሳኔናን’ያ ትምርኮስ። ሃገርና ሰላማዊት ክትከዉን ኣብ ናትና ድልየትን ንቅሓት’ያ ትምርኮስ። ሓርነታዊ ቓልስና ህዝባዉን ፍትሓዉን ዶ ገርናዮ? ህዝባዉን ፍትሓዉን እንተዘይኮኑ ብፍጹም ኣይዕወትን’ዩ። Read more:


THE ALTERNATIVE ERITREA ANNUAL CONFERENCE 2026 -
“Building Eritrea’s Future: Beyond the Present, Towards Possibility.”


ባህግና Eri-Bahgna Media 24.05.2026: መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡
ዓቕምኻ ብጻዕርኻ'ዩ ዝረጋገጽ፡ ግጥሚ ንክብሪ መዓልቲ ናጽነት


EWANA: ጋዜጣዊ መግለጺ እዋና፡ ብምኽንያት 2026 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ።


ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ሰሚናር:

دعوة بمناسبة الذكرى ٣٥ عام لاستقلال إرتريا
Guest of honour: B/G Tekeste Haile.
ናይ ክብሪ ዕዱም ጋሻ: ብ/ጀነራል ተኸስተ ሃይለ። ضيف الشرف: العميد تيكيس


PART-1   PART-2  


ንጋባእ ደቂ ሃገር፡ ርእሰ-ወግዒ: ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ፡
ሃገሩ ናጻ ኣውጺኡ። ንሱኸ ናጻ'ዶ ወጺኡ? ብከመይ ከኽብሮ ይግባእ?
The people of Eritrea, after 30 years of bitter revolutionary struggle, liberated their country. Have they got freedoms? How should they respect their freedoms?
ኣቕራቢ፡ ተጋዳላይ እስማዒል ኣሕመድ። Our guest is Veteran Ismail Ahmed


Hiwar Dialog፡ Topic:
كيف يمكن تحقيق التحرر بعد أن تم الاستقلال؟
ናጽነት ምስ ተረጋገጸ ብኸመይ ሓርነት ክረጋገጽ ይከኣል? How can liberation be achieved after independence
by Dr. Nebil Ibrahim (Sesto) and Mr. Seghed Hagos


ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS
By Senior Government Ministers and Members of Eritrean Parliament,
24 March 2001.




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: