ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ መልእኽቲ ደገፍ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል (27 June 2020)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

04/07/2020 23:13 PM

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
መልእኽቲ ደገፍ
ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية
بيان دعم
الحركة الشعبية كفاية / ياكل

(27 June 2020)

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መልእኽቲ ደገፍ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል (27 June 2020)

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
መልእኽቲ ደገፍ
ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል

ምእንቲ ነጻነት ኤርትራን ሓርነት ህዝባን ዝተኽፈለን ዝኽፈል ዘሎ መስዋእትን ኣብ እንዝክረሉን እነኽብረሉን ወርሒ ሰነ፣ ሃለዋትን ኩነታትን ሃገርና ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ብዕምቆት ክንግምግምን፣ ኣብ ዝተጓዓዝናዮ ናይ ቃልሲ መድረኻት ዘረጋገጽናዮ ውጽኢት ዓቂብና፣ ዘይተረጋገጸ ህያው ዕላማታት ሃገርናን ህዝብናን ብዕቱብ ንምዕዋት መብጻዓና ክነሐድስን ይጠልበና ኣሎ።

ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲ ብዝተፈለለየ መልክዑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብስንኪ ጸረ-ህዝቢን ጸረ-ልዑላውነትን ዝኾነ ጉጅለ፣ ብዝተማለአ መልክዑ ገና ኣይቀረበን እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን። መስዋእቲ ጀጋኑ ሓርበኛታት ኤርትራ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ መስዋእቲ ጀጋኑ ዕጡቓት ተጋደልትን ተጋዳላይ ህዝብን፣ መስዋእቲ ኣዴታትን ኣቦታትን፣ መስዋእቲ መንእሰያትን ምሁራትን፣ ኣብ ቅድመ ግምባር ዝተሰውኡ፣ ብመቕዘፍቲ ህልቀታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተሰውኡ፣ ብኢድ እቲ ዓማጺ መሪሕነታዊ ጉጅለታት ሰውራ ብዘይፍትሒ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቂ ህዝብን ተደሚሩ፡ ሃገራዊ ነጻነት ኣረጋጊጹ። ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ብምርግጋጹ፣ እቲ ተነፊጉና ዝነበረ ሃገራዊ መንነትን ዜግነትን ተጎናጺፍና። ይኹን እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ነጻነቱን ሃገራዊ ልዑላውነቱን ከረጋግጽ በቒዑ ክነሱ፡ ግዙእ ናይ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ጉጅለ ክኽወን ተገዲዱ።

እቲ ጸረ-ህዝቢን ጸረ-ልዑላውነትን ዝኾነ ጉጅለ፡ ንዝሓለፈ 29 ናይ ነጸነት ዓመታት፡ ናብ ሕሱም ባርነትን ጸልማት መግዛእትን ቀይሩ፣ ነቲ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገር፡ ናብ ሓደጋ ኣሳጢሕዎ ይርከብ። እቲ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኽፈለ መስዋእቲ ከይኣክል፣ ሓድሽ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተተኺሉ፡ ህዝብና ግዳይ ናይ ግዱድ ኣገልግሎትን ባርነትን፣ ማእሰርትን መጭወይትን፣ ከምኡ`ውን ምቕንጻልን፣ ኮይኑ ይርከብ። ኩሉ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ሂወትን ሃገራዊ ዓቕምታትን፡ ተገቢቱን ተረሚሱን ናብ ኣዝዩ ዝተሓተ ባይታ ወሪዱ፣ ንህዝብና ብሓፈሻ፡ ንመንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ናብ ኣዝዩ ሕሱም ስደትን ከርተትን ኣሳጢሑዎም ኣሎ

እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ሃገራዊ መንነቱን ሃገራዊ ዜግነቱን ዘረጋገጸ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ነጻነቱ ብምዕቃብ ምሉእ ሓርነትን ማዕርነትን መላእ ዜጋታት ኤርትራን፣ ልዑላውነት ህዝብን፣ ልዕልና ሕግን፣ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓትን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባዊን ቃልሲ ይርከብ። ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ፣ ንሽርሕታትን ተንኮላትን ጸረ-ህዝቢን ጸረ-ልዑላውነትን ዝኾነ ጉጅለ ንምስዓርን፣ ንምውጋድን - ይኣክል ሕሱም ምልካዊ ጭኮናን ባርነትን! - ይኣክል ምፍልላይ! - ይኣክል ስቕታ! - ኢሉ፡ ብነድሪ ካብ ጻት ናብ ጻት ተላዒሉ ኣሎ። እዚ ብነድሪ ዝተላዕለ ህዝባዊ ቃልሲ፣ ብጽፉፍ ተወዲቡ፣ ካብ ከተማዊ ህዝባዊ ባይቶ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ይኣክልን፡ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ባይቶ ኤርትራውያን ብምፍጣር ፣ ብስሙርን ድልዱልን ሃገራዊን ህዝባዊን ቃልሲ ፣ ምልክን ምልካውነትን ባርነትን ከውግድን፣ ጽፉፍ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከዕውትን ይቃለስ ኣሎ።

እዚ ሰፊሕን ተባዕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥርንፍን ዝሓቁፍን ህዝባዊ ቃልሲ፣ ኣብ ልዕሊ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ጉጅለ ዓቢ ራዕዲ ከእቱ እንከሎ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጭኮና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝደሃኽ ዘሎ ህዝብናን ፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ከይተሓለሉ ንኹሉ ኣደራዕ ተጻዊሮም ሃገሮም ንምድሓን ዝቃለሱ ተባዓት ተቓለስቲን ከኣ፡ ዓቢ ተስፋን ሞራልን ፈጢሩሎም ይርከብ። በዚ ድማ፡ ይኣክል ኣብ ዲያስፖራ ፣ ፈንቅል ኣብ ውሽጢ ኢርትራ፣ ንኹሉ ተቓላሳይ ዓቕምታትን ኣካላትን ሃገርናን ህዝብናን ብምስማር፡ ዕቱብ ዝተዋሃሃደ ህዝባዊ ቃልሲ ከካይዱን ፣ ሕሱም ዘቤታዊ ባርነታዊ ምልካዊ መግዛእቲ ከውግዱን፣ ሃገራዊ ልዑላውነት ብምዕቃብ ጽፉፍ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከዐውቱን፡ ይጽዕቱ ኣለዉ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ካብ ከተማዊ ባይቶ፡ ናብ ሃገራዊ ባይቶን ዓለምለኻዊ ይኣክልን ምስግጋሩ፡ ውጽኢት ናይ ብዙሓት ህርኩታት ዜጋታት ተቓልስቲ እዩ። ካብ ተመኩሮኡ እናተማህረን፣ ንሕጽረታቱ እናገምገመ ፣ ሰፊሕ ልዝብ ናይ ዜጋታት ብደረጃ ከተማን ብደረጃ ሃገርን ዝተኻየደሉ ዝተጸንዐ ዓንዲ ሕጊን ናይ ጥርናፈ ሰነዳትን ብምድላው፣ ሕጋዊ ተሓታትነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ከተኣታቱን፡ ብዓለምለኸ ደረጃ ንምጥርናፍ ዘኽእሎ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ይሰርሕ ኣሎ። ነዚ ሓድሽ ሓደገኛ ዝኾነ ለበዳ ቫይረስ ዝምልከት፡ ምስ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ዝገብሩ ኤርትራዊ ናይ ግብረሰናይ ትካላት ፡ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ብዝጸፈፈን ዝተማለአን ኣገባብ፣ ቃልሱ ንምዕዋት ምድላዋት ይገብር ብምህላዉ ዓቢ ክብርን ምስጋናን ምትብባዕን ዝግብኦ ጻዕሪ እዩ።

እዚ ክቡር ሃገራዊን ህዝባዊን ጻዕሪ ብህጹጽ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ንኸዐውት ናይ ነብሲ ውከፍ ኤርትራዊ/ት ዜጋ ተራ እንታይ እዩ? ዝብል ዓቢ ሕቶ ብግቡእ ክምለሰ ይግባእ። ኩሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ብሓባር ዝሃንጽዎን ዝውንንዎን ህዝባዊን ሃገራውን ምንቅስቓስ ንምዕዋት፣ ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሸኽሙ፣ ንሓምሳ ሰባት ግን ጌጾም እዩ ከም ዝበሃል፣ እዚ ዓቢ ውራይ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓትን ምድሓን ሃገርን ህዝብን፣ ናይ መላእ ደለይቲን ተቓለስትን ንፍትሒ፡ ውራይ እዩ። ስለዝኾነ ከእ፣ እቶም ሓርነትና ተነፊጉ ኣብ ባርነት እንነብር ዘሎና ዜጋታት፣ ኣብቲ ምእንቲ ፍትሒ ሓርነትን ማዕርነትን እነካይዶ ቃልሲ፣ ኣሰራርሓና ክጸፍፍን ዓወቱ ክሳለጥን እንተኾይኑ፣ ጻዕርታትና ኣስሚርና ምስራሕ፡ እቲ ዝሰለጠን ዝጸፈፈን ኣገባብ እዩ።

እዚ ሓቂ እዚ ከም ጸሓይ ቅትሪ ብሩህ እናሃለወ እንከሎ፣ ኣብ ምህናጽ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምድንጓይ ማለት ንስርዓት ምልኪ ዕምሩ ምንዋሕ ጥራሕ ምዃኑ ክበርሃልና ኣገዳሲ እዩ። ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ከይፍጠር ዝዓናቕፍ ምኽንያታት ብብቕዓት ገጢምናን ፈቲሕናን፡ ምስ ግዜ ክንቀዳደምን ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕንን፡ ብንቕሓት ክንሳተፍ ኣሎና። ገለ ካብቶም ብድሆታት፦

- ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ንምልካዊ ስርዓት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩሉ ይርከብ። ስለዝኾነ፡ ምልካዊ ጉጅለ፣ ብኹሉ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን መሳርሒታቱ፣ ካብ ምብጋሱ ኣትሒዙ ከጸልሞን፣ ኣብ ህዝቢ ምጥርጣራት ክፈጥርን፡ ዘየገላበጦ እምኒ የለን። እቲ ዓምጣሪ ምልካዊ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ኣብ ፍልልይናን ኣብ ምብትታንናን ስለ ዝሃጥርን ዝነብርን፣ ንኹሉ ሽርሕታቱን ምድንጋራቱን ብብቕዓት ምግጣምን ምስዓርን ይግባእ።

- ፖለቲካዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ንስልጣን ዘይወዳደር፡ እንታይ ድኣ፡ ጸረ-ህዝቢን ጸረ-ልዑላውነትን ዝኾነ ጉጅለ ካብ ሃገርና ንምእላይን፡ ሃገርን ህዝብን ከኣ ንምድሓንን፡ ከምኡ`ውን ጽፉፍ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ ንምዕዋትን፡ እጃሙ ከበርክት፡ ዓቕምታቱ ወዲቡ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ኢዩ። ምንጪ ስልጣን ኩሉ ግዜ ህዝቢ ኢዩ። ናይ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ሰላማዊ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምስ ተሃንጸ፣ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናይ ስልጣን ውድድር፡ ዕድል ከምዝኸፍት ንኹሉ ርዱእ ኢዩ። ኣገዳስነት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ መጻኢት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ መድርኽ`ዚ፡ ኩሉ ሃገራዊ ዓቕሚ፡ ፍልልያቱ ኣወጊዱ፡ ናብ ሓደ ሃገራዊን ህዝባዊን ጥርናፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኢዩ ክጥምት ዘለዎ። ኣብ ሰልፋዊ ፖለቲካዊ ቁርቁስ፡ ተጸሚድና፡ ነቲ ዘሎና ወርቃዊ ዕድል ከምልጠና ባይታ ክንፈጥረሉ ኣይግባእን።

እዚ መድረኽ እዚ ፡ መድርኽ ምእላይ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ካብ ሃገርና ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ሃገራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ብማዕረ ዝምልከት ዕማም ኢዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንኹሉ ውዱብን ዘይውዱብን ኤርትራዊ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ፡ ባይቶኡ ተኺሉ፡ ብጉዳይ ሃገሩ ክዝቲን ክሰርሕን፡ መንገዲ ዝኸፍት ስለዝኾነ፡ ናይ መላእ ኤርትራውያን - ሓቛፊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ድማ ክጽምበርዎን ከሐይልዎን ይግባእ። ሕብረት ናይ ኩሎም ዜጋታት ዘረጋገጸ ህዝቢ ዝማእከሉ ቃልሲ፣ ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን እቲ ቀዳማይን ዝሰለጠን ስትራተጂ ናይ ዓወት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኩሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ፦ መንእሰያት፡ ደቀኣንስትዮ፣ ዓበይቲ፣ ምሁራት፡ ምኩራትን፡ ኣባላት ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ብሓባር፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ክሃንጽዎ ይግባእ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ኣብ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ጉጅለ ራዕዲ ብምፍጣር፣ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከም ዕቱብ ሓይሊ ናይ ለውጢ ተፈላጥነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ህዝቢ፡ ብህዝቢ፡ ናብ ህዝቢ፡ ዝቖመ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ድሕሪ ነዊሕ ከርተትን ምልካዊ ጭኮናን፣ ተስፋን ሞራልን ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣበራቢሩ ኣሎ። እተን ተባዓት ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቓልስቲ ንፍትሒ - ካብ `ይኣክል` ናብ `ይከኣል` - ክነሰጋግሮ ኢና ኢለን፣ ኣብ ምዕዋቱ፣ ብዕቱብ ክቃለሳ ምውሳነንን ይቃለስ ምህላወንን፣ መርኣያ ናይ ሓይሊ ህዝባዊ ቃልሲ እዩ። ብተማሳሳሊ ላዕለዎት ምሁራትን ሞያውያንን ኤርትራውያን፡ ንጸረ ህዝቢ ምልካዊ ጉጅለ ዘርዓደ - ማኒፈስቶ 2020 - ብምውጻእ፣ ኣብ ምድሓን ሃገሮምን ህዝቦምን፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ምሁራዊ ግዲኦም ክጻወቱ ምውሳኖም፡ ዓቢ ብስራት ንፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልስና እዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንዘጋጥምዎ ብድሆታት ብብቕዓት ንምግጣም፣ ኣዋህሊሉዎ ዘሎ ሰፊሕ ዓቕምታትን ብቕዓታትን ብተደራራቢ ኣኻዕቢቱ ከሰርሕን፣ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ ብዕቱብ መዚኑ ድኽመታቱ ክኣሊን፣ ንዘለዎ ዕድላትን ጸጋታትን ብብቕዓት ክጥቀምን፣ ኣብ ድልዱል ባይታ ረጊጽ ምህላው ዓቢ ብስራት እዩ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘመዝገቦ ህዝባዊን ሃገራውን ኣበርክቶ እናኣሞጎሰ፣ ኩሎም ኤርትራውያን ተቓልስቲ ንፍትሒ፡ ሲቪክ ይኹኑ ፖለቲካዊ ውዳባትን ኣካላትን፣ ንሓባራዊ ህዝባዊ ትካል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ንምድልዳልን ንምዕዋትን፡ እጃሞም ክገብሩ ይምሕጸን።

እቲ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ፈንቅልን ናይ ዓወት ተስፋ ዝረኸበ ተባዕ ተቓላሳይ ህዝብና ድማ፣ ምልካዊ ባርነታዊ መግዛእቲ ብህጹጽ ንምውጋድ፣ ነቲ ባዕሉ ዝውንኖ ናይ ከተምኡ ህዝባዊ ባይቶታት ከደልድልን ፣ ወከልቱ ብምምራጽ፣ ሃገራውን ዓለምለኻውን ባይቶ ኤርትራውያን ንምቛም፡ ብንጡፍ ክዋሳእን ንጽውዕ። እተን ብሃገር ደረጃ ህዝባዊ ባይቶ ኣብ ምቛም ዘለዋን ገና ዘየቖማን ሃገራት፣ ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ባይቶታተን ኣብ ምቛም ክቀላጠፋ ነማሕጽን። እቲ ይኣክል! ኢሉ ብነድሪ ዝተላዕለ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ተቓላሳይ ኤርትራዊ/ት፣ ስሙር ድምጽን ቅልጽምን ይኣክል ፈጢሩ፡ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ፈንቅል ብሓባር፡ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ ሃገሩን ህዝቡን ከድሕንን፣ ጽፉፍ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከዐውትን ኢደይ ኢድካ ክብል ንጽውዕ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክልን ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ይዓምብብ!
ውድቀት ንምልካዊ ማፍያዊ ጉጅለ!
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘለኣለም ትንበር!
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
27 ሰነ 2020

Read in PDF

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية بيان دعم
الحركة الشعبية كفاية / ياكل

في الوقت الذي نتذكر ونحيي تضحيات الأبطال الإرتريين الهائلة من أجل الاستقلال الوطني الإريتري وتحرير شعبها في شهر حزيران / يونيو ؛ نحن ملزمون بإجراء تقييم أعمق للوضع الحالي لبلدنا وشعبنا. ومن خلال الحفاظ على إنجازاتنا الوطنية ، نحن مطالبون بإعادة تأكيد التزامنا بتحقيق الأهداف الوطنية المتبقية.

على الرغم من التضحيات الضخمة لشعبنا يتم تقديمها بأشكال مختلفة. ولكن ، لم يتم تقديمها بالكامل بسبب النظام الوحشي المناهض للشعب والسيادة. تضحيات الإرتريين البطوليين الوطنيين في نضالنا السياسي والمسلح من أجل الاستقلال ؛ تضحيات مقاتلي الحرب البطوليين والشعب البطولي ؛ تضحيات الأمهات والآباء والشباب والمثقفين. أولئك الذين ضحوا بحياتهم الثمينة في خط المواجهة ؛ أولئك الذين فقدوا أرواحهم في أيدي القتل الجماعي البربري للجيوش الاستعمارية ؛ وتضحيات الرجال والنساء الأبطال الذين قتلوا على يد مجموعات القيادة الوحشية ؛ حققت كل التضحيات مجتمعة استقلالنا الوطني وسيادتنا الوطنية. على الرغم من أن الشعب الإريتري حقق هويته الوطنية وجنسيته ، فإن الشعب الإرتري يخضع لحكم ديكتاتوري وحشي ضد الشعب. لقد حول النظام الوحشي 29 سنة من الاستقلال إلى دكتاتورية استعمارية بربرية. وتعريض استقلالنا الوطني وسيادتنا لخطر جسيم. أجبر النظام الديكتاتوري الهمجي الشباب على التجنيد القسري إلى أجل غير مسمى والسجن الجماعي والاختفاء والقتل. علاوة على ذلك ، احتكر النظام كل الحياة السياسية والاقتصادية لإرتريا وأهلك القدرة الوطنية لإرتريا وأجبر الشعب الإرتري والشباب على الهجرة الجماعية.

يخوض الشعب الإرتري البطل صراعا شرسا من أجل تحقيق حرية جميع المواطنين وسيادة القانون وسيادة الشعب والحكم الدستوري الديمقراطي والحفاظ على الاستقلال الوطني. إن شعب إرتريا ، أكثر من أي وقت مضى ، يدرك المخططات الوحشية وجدول الأعمال الخفي للنظام الوحشي. وأعلن ييكل ، كفى للدكتاتورية الاستعمارية الوحشية ، يياكل بما يكفي للتفتت ويياكل بما يكفي للصمت ، بتصميم حازم في جميع أنحاء العالم. يتم تنظيم الانتفاضة العنيفة للشعب بكفاءة وانسجام من التجمعات على مستوى المدينة والتجمعات على المستوى الوطني إلى الجمعية الشعبية العالمية / بيتو لإزالة الحكم الديكتاتوري وضمان الانتقال السلس إلى الحكم الديمقراطي. هذا النضال الشامل والشجاع للشعب يخلق خوفًا ورعبًا هائلين في النظام الوحشي ويعطي أملًا وإلهامًا كبيرًا للشعب الإريتري داخل البلاد وخارجها. وبالتالي فإن حركة كفاية/ Yiakl في الشتات وحركة Fenkil داخل إرتريا تعمل جنبا إلى جنب لإزالة النظام الوحشي وانتقال إرتريا إلى الحكم الديمقراطي.

حققت حركة Yiakl الشعبية خطوات كبيرة بما في ذلك تشكيل الجمعيات المحلية والوطنية وبدء Yiakl العالمي في غضون عام واحد من وجودها. كان هذا نتيجة لجهد كبير بذله الكثير من الإرتريين المتفانين. وهي تتعلم من تجربتها وتقيم وتتعامل مع عيوبها للمضي قدما لتحقيق أهدافها. من خلال إجراء مناقشات ومشاورات واسعة ، تمكنت من رسم لوائح داخلية شاملة ووثائق تشغيلية. إنها تقدم الشفافية والمساءلة في أنشطتها. من أجل مساعدة اللاجئين الإرتريين من جائحة الفيروس التاجي الخطير ، فهي تعمل وتنسيق مع المؤسسات الخيرية. إن هذه الجهود النبيلة بحاجة إلى دعم وتشجيع من الجميع.

ما هو دور كل مواطن يسعى للعدالة لتحقيق خلاص سريع لشعبنا وأمتنا؟ يحتاج إلى استجابة إيجابية منا جميعا. إن المشاركة النشطة والملكية الفعالة للنضال من قبل جميع الإرتريين الباحثين عن العدالة أمر بالغ الأهمية لنجاح الحركة الشعبية. وفقا للمثل الشعبي "50 ليمونة عبء ثقيلة لشخص واحد ، لكنها عطر لـ 50 اشخاص" هو مثال جيد. إن مهمة إزالة الديكتاتورية الوحشية هي مهمة جميع الإرتريين المحبين للعدالة. لذلك ، فإن توحيد جميع جهود الإرتريين المحبين للعدالة هو أكثر الطرق فعالية وسرعة لتحقيق حريتنا واستعادة كرامتنا الوطنية. الحقيقة المذكورة أعلاه واضحة للغاية كضوء النهار الواسع. والتأخير في بناء حركة شعبنا يعني إطالة الحكم وإعطاء الحياة للنظام الوحشي. نحن بحاجة إلى معالجة أي عقبة تعيق تشكيل وتقوية الحركة الشعبية بطريقة سريعة من أجل إنقاذ أمتنا وشعبنا. بعض التحديات:

- خلقت حركة ياكل الشعبية خوفا كبيرا في النظام. لذلك ينشر النظام كل أدواته الكاذبة والتضليل لتشويه الحركة وإثارة الشكوك. نعلم جميعًا أن النظام الوحشي يعيش ويزدهر في اختلافاتنا وتفتتنا. لذلك نحن بحاجة إلى توحيد جهودنا وهزيمة وإزالة النظام.

- لحركة الشعبية Yiakl هي حركة سياسية لا تسعى إلى السلطة السياسية بعد سقوط النظام. إن دور ومهمة الحركة الشعبية هي إزالة النظام لإنقاذ الأمة والشعب وضمان انتقال ديمقراطي سلس. تعتقد الحركة أن الشعب هو المصدر الوحيد للسلطة السياسية. وتعتقد أنه بعد إنشاء نظام ديمقراطي دستوري متعدد الأحزاب ، ستتمكن الأحزاب السياسية من التنافس على السلطة. وهي تؤمن بقوة وتكافح من أجل النظام السياسي متعدد الأحزاب في إرتريا الديمقراطية. ولكن ، في هذه المرحلة ، تحتاج جميع الموارد الوطنية إلى التركيز لخلق نضال وطني وشعبي واحد متكامل من أجل خلاص الأمة والشعب. إن الانخراط في السياسات الحزبية والمنافسة لا يجب أن يفسد فرصتنا الذهبية لإنقاذ أمتنا وشعبنا.

إن مرحلة النضال هذه هي مرحلة لإزالة النظام الوحشي المناهض للشعب. إن مهمة إزالة النظام هي مهمة جميع الإرتريين الذين يناضلون من أجل التغيير الفوري في إرتريا. لذلك ، تدعو الحركة الشعبية ياكل جميع الإرتريين الذين لديهم أحزاب أو جمعيات مدنية وأفراد إلى التكاتف لتأسيس تجمعاتهم والتداول والعمل من أجل إنقاذ أمتهم الحبيبة. إن مجلس الشعب مفتوح بطبيعته أمام جميع الإرتريين الذين يبحثون عن العدالة والحرية. إن الحركة المتمحورة حول الشعوب والتي توحد جميع المواطنين هي الإستراتيجية الأكثر فاعلية للنصر. لذلك ، يجب على كل الشباب والنساء وكبار السن والمثقفين وأعضاء المنظمات السياسية والمدنية الانضمام إلى الحركة وبناءها.

تكتسب الحركة الشعبية كفاية ياكل اعترافًا ودعمًا في جميع أنحاء العالم وخلقت الرعب داخل النظام الوحشي. إن الحركة التي ينتمي إليها الشعب من أجل الشعب قد غرس الأمل وشجع الإرتريين داخل البلد وخارجه. أعلنت المرأة الشجاعة التي تقاتل من أجل العدالة أنها ستنقل حركة كفاية / يياكل إلى نعم نستطيع / يكال. هذا تعبير كبير عن عزم الحركة الشعبية وطاقتها.

إعلان البيان 2020 من قبل المثقفين والمهنيين الإرتريين ، الذي خلق الخوف داخل النظام الوحشي ، هو نعمة كبيرة للنضال من أجل التغيير الديمقراطي. قرر المفكرون والمهنيون من خلال بيانهم العمل من أجل إنقاذ الأمة والشعب من خلال إجراء البحوث لتعزيز القدرة المؤسسية. هذا دفعة كبيرة لنضالنا. تعمل الحركة الشعبية على تعظيم قدراتها من خلال تقييم قوتها وضعفها والتغلب على عيوبها. علاوة على ذلك ، تقوم بتقييم مواردها وفرصها لمواجهة تحديات وتهديدات النضال الديمقراطي. إنها تمضي قدما على أرض صلبة بخطوات واعدة.

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية تهنئ الحركة الشعبية كفاية / ياكل على إنجازاتها الوطنية الرائعة في غضون عام واحد من وجودها. وندعو جميع الكيانات السياسية والمدنية الإريترية المحبة للعدالة إلى التعاون لبناء وتعزيز الحركة الشعبية لتحقيق أهدافنا المشتركة.

إن الشعب الإريتري الشجاع مسرور للغاية لأن الحركة الشعبية لكفاية / ياكل وفنكل داخل إريتريا تعطينا الأمل والإلهام اللازمين لإزالة النظام الوحشي وانتقال إرتريا إلى الديمقراطية. ندعو جميع المواطنين للانضمام إلى الجمعيات / Baitos في مدنهم وانتخاب ممثليهم وبناء التجمع العالمي والممثل الشرعي لنضالنا. ندعو المدن والأمم التي هي في طور إنشاء مجالسها إلى تسريع العملية والتكاتف مع كفاية Yiakl العالمية والمضي قدما من أجل خلاص أمتنا وشعبنا.

إن الإرتريين المحبين للعدالة يحشدون بتصميم حازم ويعلنون كفاية / Yiakl والمضي قدما في انسجام. إنهم يجمعون أصواتهم ومواردهم من كفاية / Yiakl في الشتات وفنكل داخل إرتريا لإزالة النظام الوحشي. فلنتكاتف جميعا ونعمل معا لإزالة النظام الوحشي وانتقال إريتريا إلى الحكم الديمقراطي السلمي.

تزدهر حركة الشعب كفاية والنضال من أجل العدالة
عاشت إريتريا ذات السيادة
هزيمة للنظام الديكتاتوري الوحشي
المجد لشهدائنا األبطال

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإريترية
2020 يونيو 27

Read in PDF


ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ።
መልእኽቲ ደገፍ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል። ሰነ 2020።
Pressrelease of support to the YIAKL - Eritrean Peoples' Movement. June 2020


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: