Placeholder Picture
Placeholder Picture
Fundraising campaign for Eritrean Disabled

03/01/2021 22:55 PM

ሰሚናር ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2021፡
ናይ ደገፍ ጻውዒት ንኣካለ-ጽጉማን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ከሰላ (ሱዳን)

A fundraising Seminar: An appeal for supportin Eritrean Disabled Veterans in Kassala (Sudan)

Snitna Network፡ 02 January 2021፡

A fundraising Seminar: An appeal for supportin Eritrean Disabled Veterans in Kassala (Sudan)

ሰሚናር ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2021፡
ናይ ደገፍ ጻውዒት ንኣካለ-ጽጉማን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ከሰላ (ሱዳን)
A fundraising Seminar: An appeal for supportin Eritrean Disabled Veterans in Kassala (Sudan)
Snitna Network፡ 02 January 2021፡

ሰላም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታና!
ንህሉው ኩነታት ናይቶም ኣብ ከሰላ፡ ሱዳን፡ ዝርከቡ ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት፡ ንምፍላጥን፡ ናይ ደገፍ ጻውዒት ንምግባርን፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2021፡ ብዕለት 02 ጥሪ 2021፡ ፍሉይ ሰሚናር ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ተኻይዱ። ኣብዚ ብመንገዲ ዙም (ZOOM) ዝተኻየደን ብቀጥታ ብፌስቡክ (Facebook) ዝተፈነወን ሰሚናር፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጽኡ ኤርትራዊያን ተሳቲፎም። ኣቦ መንበራትን ኣባላት ቦርድን ናይቲ ማሕበር ድማ መግለጺ ሂቦም፡ ንሕቶታት መሊሶምን። ካብ ተሳተፍቲ ወፈያታት ተገይሩ፡ መብጻዓታት እውን ተአኣትዩ። ንኩነታቶም ዝምልከትን፡ ብኸመይ ምሕጋዝ ከምዝከኣልን ንምግንዛብ፡ ናብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ሰሚናር ንምኻድ፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ተወከሱ።

ስዉኣትናን ስንኩላንናን ኣርማ ሃገራዊ ሓድነትናን ሓበንናን ኢዮም!

ንዕኦምን ስድራቤቶምን ምድጋፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝምልከት ሓላፍነት ኢዩ።

ኩልና ኤርትራውያን፡ ናይ ሕልና ግቡእና ከነበርክት፡ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ንኹሉ ትምሕጸን።

www.snitna.com
(03 January 2021)


Fundraising campaign for Eritrean Disabled Veteransin Kassala (Sudan) / ናይ ደገፍ ጻውዒት ንኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት
An appeal for support! Eritrean Disabled Veterans in Kassala (Sudan)
ናይ ደገፍ ጻውዒት! ኤርትራዊያን ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት፡ ኣብ ከሰላ (ሱዳን).
We thank you a lot for your donation.
ንዝገበርኩምልና ሓገዝ ልዑል ምስጋናና ይብጻሕኩም።
Association of Disabled Eritreans
Please share the link to all friends and groups.
ንኹሉ ሼር ክትገብሩዎ፡ ብትሕትና ንምሕጸን


DONATION ወፈያ፦
Here is information on how to make a Donation
ወፈያ ንምግባር፡ በብሃገሩ፡ ኣብዚ ሓበሬታ ኣሎኩም
فيما يلي معلومات حول كيفية دعم والتبرع لقدامى المحاربين المعاقين الذين يعيشون في كسلا بالسودان.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

PLEASE DONATE ሓገዝ ንውጉኣት ሓርነት መደብ ፍሉይ መደብ ንምሕጋዝ ውጉኣት ሓርነት - ከሰላ
Fundraising event show, for Disabled ELF Eritrean Veterans in Kassala
ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ) -- Sunday 03 June 2018


ሓገዝ ንኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት) ሓርነት (ጨንፈር-ከሰላ ሱዳን)
Fundraising Call for ELF Disabled Veterans - in Kassalla- Sudan
ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ) -- 06 march 2016


ጉዳይ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራውያን
ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ
(18 November 2015)




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: