Placeholder Picture
Placeholder Picture
URGENT CALL FOR REGISTRATION: by Registration and Election Commission, for the Formation of One Eritrean National Force, 18 December 2025.

24/04/2026 28:29 PM Updated

ህጹጽ ጻውዒት ንምዝገባ!

دعوة عاجلة للتسجيل

URGENT CALL FOR REGISTRATION

ብኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡
by Registration and Election Commission, for the Formation of One Eritrean National Force, 18 December 2025.

URGENT CALL FOR REGISTRATION: by Registration and Election Commission, for the Formation of One Eritrean National Force, 18 December 2025.

ህጹጽ ጻውዒት ንምዝገባ! دعوة عاجلة للتسجيل
URGENT CALL FOR REGISTRATION:
by Registration and Election Commission, for the Formation of One Eritrean National Force.
18 December 2025


ህጹጽ ጻውዒት ምዝገባ

ኣብ 30 ነሓሰ 2025 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዝጸደቑ መምርሒታት መሰረት፣ ሓደ ጥርኑፍ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቛም፣ ኮምሽን ምዝገባን ምርጫን ኣብ ሰፊሕ ጐስጓስን ናይ ምዝገባ መደብን ኣትኪላ ትርከብ።

ሃገራዊ ዓቕምታትን፣ ፖሊትካዊ ኣህጉራዊ ባይታታትን ብወሳኒ ደረጃታት ንምሕያል፤ ልዕሊ ኩሉ ካኣ ህዝብኻ ናብ ዓወት ንምምራሕን ዘብቅዕ ስትራተጂያዊ መስርሕ ሃገራዊ ሓድነት ምዃኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝተዘመረሉን፤ ክካያዱ ኣብ ዝጸንሑ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ እውን ብንጹር ዘንጸባረቐን ፖሊትካዊ ሓቂ ኢዩ።

ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓወት ክዛዘም፤ ፍልልያት እናተጻበቡ ክኸዱን፤ ሃገራዊ ዓቕምታት እናተማላልአ ክምዕብልን ከም ዘሎዎ ካኣ ኣብ ህዝብና ሓፈሻዊ ዕግበታት ኣሎ። እቲ ትኽክል መስርሑ ካኣ፤ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ጥርናፈ ብምቛም ኢዩ። ነዚ ናይ ዓወት ስትራተጂያዊ መስርሕ’ዚ ንምቅልጣፍ እምብኣር፤ ነዚ ብናይ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ቀሪቡ ዘሎ ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ክንመልኦን፤ ናይ ምዝገባ ዕማም ብዝቐልጠፈ ከነሰላስሎን ዘሎና መደብ ምዃኑ ኮሚሽን ብትሕትና ተዘኻኽር።

እቲ ቀንዲን ወሳንን ሸቶ፡ ብሕግን ፍትሕን እትምሓደርን፤ ሰላም ዝሰፈናን ሃገር ንምትካል ኰይኑ፤ ናይ ኮሞሽን ናይ ምዝገባ መደብ መሰረታዊ ናይ ቀረባ ዕማም ድማ፡ ብሃገራዊ ፖሊትካዊ ፕሮግራምን፣ ሃገራዊ መሪሕነትን ዝምእከል ሓደ ጥርኑፍ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቛም ኢዩ። ምኽንያቱ በዚ መስርሕ’ዚ ኣቢልካ፡ ኩሉ መዳያት ሃገራዊ ዓቕምታት ንምሕያልን ምውፋርን፤ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ፖሊቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ባይታታት ንምምዕባልን ስለ ዘኽእል።

ስለዚ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፣ ንኹሉ ተቓላሳይ ኤርትራዊ ብክእለታቱን ተሞክሮታቱን ብንጡፍ ደረጃ ንኽዋሳእን፤ ሃናጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ከቕርብን ተተባብዕ። ከምኡ’ውን፡ እዚ ብዜጋ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ምዝገባ መደብ፤ ሎሚ ይኹን ብቐጻሊ፣ ንዝተወደበ ፖሊትካዊ ይኹኑ ሲቪካዊ፣ ማሕበራዊ ስርርዓት ዘኽብርን ክምዕብላ ጥጡሕ ባይታ ዝኸፍትን መስርሕ ምዃኑ መትከላዊ እምነታ ኢዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ካኣ እቶም ቀንድን ቁልፊን መሳልል ሕጋዊን ፍትሓዊን ምዕባለ፣ ኣብ ፍልልያት ዘኽብሩ ፍትሓዊ ናይ ልዝብን ስኒትን ልምድታት ምጥራይን፣ ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ ግደን፣ ሰብኣዊ ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ ፖሊቲካዊ ባህሊ ምምዕባልን ጥራሕ ምዃኖም ዘሎዋ ጽኑዕ እምነት ትገልጽ።

ከም ዜጋታት ኤርትራ ዘለና መሰላት ተጠቒምና ክነድምጽን፣ ወኪልና ሓጋጊ ባይቶን፣ ፈጻሚ መሪሕነትን ኣብ ምፍጣር ክንመርጽን ክንምረጽን፤ ሰሪሑ ዘድምዕ፣ ተዛሪቡ ዘስምዕ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንህጹጽ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፤ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ክንፈጥርን - ንመዝገብ!!!

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ድሕነት ሃገርን ህዝብን ቅድሚ ኩሉ

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና

18 ታሕሳስ 2025 መወከሲ: ጋ.መ. 0003

Registration Link: https://forms.gle/vp5cy79WDi2h3eCM9

Read in PDF Here.


ህጹጽ ጻውዒት ምዝገባ Urgent Call for Registration, KMZ 21 Dec 2025

ብዛዕባ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡

ألأسئلة المتكررة حول تشكيل قوة وطنية إريترية واحدة


Snitna Network Seminar
On Saturday, 25 April 2026
Topic: ዛዕባ፡
Urgent call for Registration for the Formation of One Eritrean National Force.
ህጹጽ ጻውዒት፡ ምዝገባ፡ ንምቛም ሓደ ሃገራዊ ኤርትራዊ ሓይሊ።
دعوة عاجلة للتسجيل لتشكيل قوة وطنية إريترية واحدة

Presenters ኣቕረብቲ:
Mr Asihel Butzamlak (ኣቶ ኣስሄል ብጹኣምላክ), Ms Tzehay Ghebrat (ወ/ሮ ጸሃይ ገብራት), Mr Yohannes Sebhatu (ኣቶ ዮውሃንስ ስብሃቱ)
Interpreter (አስተርጓሚ):
Mr Abubaker Sayeq (አቡበከር ሳኢቕ)
Moderator ኣላዪ:
Mr Dawit Gebremeskel (ኣቶ ዳዊት ገብረመስቀል)


Part-1 of 3: Presentation
Part-2 of 3: Q & A
Part-3 of 3: Comments/recommendations

Also watch live-streamed on Facebook:

*REGISTRATION LINK:* https://forms.gle/vp5cy79WDi2h3eCM9

Past Conferences and related Documents by Registration and Election Commission, for the Formation of One Eritrean National Force: ዝሓለፉ ዋዕላታትን ሰነዳትን፡ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡


دعوة عاجلة للتسجيل

بناءً على قرارات مؤتمر 30 أغسطس 2025م، بدأت لجنة التسجيل والانتخابات تنفيذ برنامج وطني للتسجيل بهدف توحيد الصف الوطني وبناء قوة إريترية واحدة.

لقد خاض شعبنا نضالاً طويلًً، وهو اليوم أقرب من أي وقت مضى لتحقيق النصر. والطريق إلى ذلك يمر عبر الوحدة الوطنية وتنظيم طاقات الشعب في إطار جامع.

التسجيل خطوة أساسية لبناء دولة يسودها القانون والعدل والسلًم، ولتشكيل قيادة وطنية موحّدة تعبرّ عن إرادة الشعب، وتستفيد من قدرات جميع الإرتريين.

ندعو كل إريتري وإرترية إلى المشاركة في التسجيل، وتقديم ما لديهم من أفكار وخبرات ،والمساهمة في صنع مستقبل ديمقراطي يحترم الحقوق ويعزز الكرامة الإنسانية.

بمشاركتنا، نسُمِع صوتنا، نختار ممثلينا، ونبني قوة وطنية قادرة على إنقاذ الوطن

وتحقيق التغيير . فلنسُ جِّل الآن !!!

النصر للكفاح العادل للشعب الإريتري

انقاذ الوطن والمواطن فوق كل اعتبار

المجد والخلود لشهدائنا الابرار

18 ديسمبر 2025م بيان رقم 0003

Registration Link:

https://forms.gle/vp5cy79WDi2h3eCM9

Read in PDF Here.



See also more articles and press-releases by The Registration and Election Commission
ካልኦት ብ'ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ዝወጹ ጽሑፋትን መግለጺታትን፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: