Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣባታዊ ምሕጽንታ፡ ናብ ኩሎም ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዩ፡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ!

24/06/2026 16:33 PM

ኣባታዊ ምሕጽንታ፡
ናብ ኩሎም ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዩ፡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ!

ብ ፕሮፈ. ኣርኣያ ደበሳይ

ኣባታዊ ምሕጽንታ፡ ናብ ኩሎም ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዩ፡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ። ብ ፕሮፈ. ኣርኣያ ደበሳይ

ኣባታዊ ምሕጽንታ፡ ናብ ኩሎም ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዩ፡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ!
ብ ፕሮፈ. ኣርኣያ ደበሳይ

ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፍየይ፡ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ተቓለስቲ ንፍትሒ ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ነቲ ኣብዚ እዋን በታ ናይ ምዝገባን ምርጫን ኮሚሽን ዝካየድ ዘሎ ናይ ምዝገባ ከይዲ ብምሉአ ልቢ ክትሳተፉ ክምሕጸነኩም ስለ ዝደለኹ ኢየ።

እቲ ናይ መወዳእታዊ ዕላማ ናይ’ዚ መስርሕ ምዝገባ ፡ አቲ ኩላትና እንብህጎን እንምነዮን ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽአ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ወካሊ ኣካል ብምርጫ ንምቛም እዩ። እዚ ኣካል ብህዝቢ ተመሪጹ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ስለዝኸውን፣ ነቲ ኣብ ቃልሲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክሳብ ሕጂ ዝጎደለ ሓድነት፣ ሕጋዊ ተቐባልነትን ምውህሃድን ከማልእ ይኽእል እዩ።

ሕልሚ ናይ ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ክውን ምእንቲ ክኸውን፣ እቶም መወዳእታ ናይ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ስቓይን መክራን ኤርትራ ክርእዩ ዝምነዩ ወገናት ኣብ ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ክሓብሩ ኣለዎም። እቲ ዕላማ ድማ፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና፡ ምልኪ ምውጋድን መገዲ ናይ ደሞክራሲ፣ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ኩውን ንምግባር ኢዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ፣ ኤርትራ ሎሚ ሓንቲ ካብ’ተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ። ህዝባ ብተጻዋርነትን ጽንዓትን ዝሰርሕ፡ ዕቑር ጸጋታት እትውንን እኳ እንተዀነት ፣ ነዊሕ ዓመታት ምልካዊ ምሕደራ ነታ ሃገር ብፖለቲካ ተነጺላ፣ ብቑጠባ ኣብ ድሕረት፡ ብማሕበራዊ መዳይ ድማ ከፋፊሉዋ ትርከብ።

ኤርትራ ብመጠን ብዝሒ ህዝባ ሓንቲ ካብ’ተን ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ዓለም ኮይና ኣላ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣዚዩ ዝኸበረ ሃብቲ ሃገር—መንእሰያታ—ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሉም ክጥፍኡ ይገብር ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ከኣ ናጽነት፣ ዕድልን ተስፋን ንምርካብ ዓዶም ክገድፉ ይግደዱ ኣለዉ።

እዚ ዘሕዝን ክውንነት’ዚ፡ ፖለቲካዊ ምትእስሳርና፡ ውደባዊ ኣባልነትና፡ ኣውራጃዊ ድሕረ-ባይታና፡ ወይ ሃይማኖታዊ እምነትና ብዘየገድስ፡ መጻኢ ወለዶታት ብሰላም ብክብረትን ብልጽግናን ዝነብሩላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ንሓባራዊ ዕላማ ክንሰርሕ ከገድደና ይግባእ።

ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ናብዚ ዕላማ ኣገዳሲ ስጉምቲ ክንወስድ ዕድል ፈጢሩልና ኣሎ። ስለ’ዚ ከኣ ኣነ ንኹሉ ንፍትሒ ዝቃለስ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ክምዝገብ እምሕጸን።

ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ብከመይ ኣገባብ ዝቖመ ኣካል እዩ?

ብዛዕባ ስራሕ ናይ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ዝያዳ ኣፍልጦ ዝደልዩ ወገናት ከኣ፣ እዚ ኮሚሽን ካብቲ ብክፉት መኣዲ ዘተ (KMZ) ዝተኻየደ ቀጻሊ ዘተታት ዝተወልደ ኣካል እዩ።

ክፉት መኣዲ ዘተ (KMZ) ብ2021 ብኣብ ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ ካልኦት ኤውሮጳዊ ሃገራት፣ ኣመሪካን ካናዳን ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ኢዩ ተመስሪቱ። ኣባላት ክፉት መኣዲ ዘተ ወትሩ ሰንበት፡ ብስሩዕ አናተራኽቡ ኣብ ኤርትራ፣ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንኽመጽአ አንታይ ክንገብር ኣሎና? ኣብ ዝብል ዝመያየጥሉ፡ ንኹሉ ሓሳቡ ብኣወንታ ከበርክትን ኣብ ዘተ ንክሳተፍን ፍቓደኛ ክፉት ዝኾነ ናይ ምይይጥ መድረኽ ኢዩ።

ኣብ ሓደ ካብ’ተን ሰናብቲ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ተቓለስቲ ንፍትሒ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ድሕሪ ምዝታይ ብቕልጣፈ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ተበጺሑ ። ተሳተፍቲ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ድኽመት ተቓውሞ፡ ምብትታንን ዘይምውህሃድ ስራሓትን ምዃኑ ተሰማሚዖም። ስለ’ዚ ድማ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ንኹለን ውድባት፣ ምንቅስቓሳትን ዞባታትን ከወሃህድ ዝኽእል ብሕጋዊ ኣጋባብ ዝተመርጸ ዓለም-ለኻዊ ውክልና ዘለዎ ኣካል ከምዘድሊ ወሲኖም።

ድሕሪኡ ብወከልቲ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብውልቀ ንጡፋት ኣባላት ተቓውሞን ዝተሳተፉ ካልእ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብኡ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ንጡፋት ጉጅለታት ዝቖመ ኣካል ምትሕብባር ክቐውም ተሰማሚዖም። ሓላፍነቱ ድማ ዓለም-ለኻዊ ውክልና ዘለዎ ኣካል ብደሞክራሲያዊ ኣጋባብ መስርሕ ምርጫ ምድላው ነበረ።

እታ ነዚ ክትዓምም ዝተመዝዘት ኣሳላጢት ኣካል ናይ ክፉት መኣዲ ዘተ ( KMZ) እቲ ዓለም-ለኻዊ ውክልና ኣካል ሕጋዊነት ክህልዎ ፣ ብኹሎም ተቓለስቲ ንፍትሒን ደሞክራሲ ዝድግፉን ኤርትራውያን ዲያስፖራ ክምረጽን ንዕኦም ተሓታቲ ክኸውንን ከም ዘለዎ ተሰማሚዓ። ከምኡ’ውን እዚ ኣካል ነቶም ደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝደልዩ ኤርትራውያን ሓባራዊ ባህጊ ክውክል ከምዘለዎ ተሰማሚዓ።

ነዚ ዕላማ ንምትግባር ከኣ ብ30 ነሓሰ 2025 ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ብምርጫ ህዝቢ ቆይሙ። እቲ ኮሚሽን ስርዓት ምዝገባ ኣዳልዩ፡ ድሮ ምዝገባ የካይድ ኣሎ።

ቅጥዒ ምዝገባ

https://forms.gle/vp5cy79WDi2h3eCM9

ምሕጽንታይ ናብ እዞም ዝስዕቡ ወገናት እዩ

• ኩለን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፣
• ብርጌድ ንሓመዱ፣
• ምንቅስቓስ ይኣክል፣
• ብሩህ መጻኢ፣
• ፈልሲ፣
• ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፣
• ከምኡ’ውን ኣብ ዝኾነ ውድብ ዘይተኣሳሰሩ፡ ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱን ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝኣምኑ ኩሎም ኤርትራውያን።

ስለ’ዚ ክትምዝገቡን ኣብ መስርሕ ምርጫ ክትሳተፉን ንኩሉኹም ብኣኽብሮት እምሕጸነኩም። ብተሳታፍነትኩም ከኣ ንኩሎም ኤርትራውያን ውድባዊ፣ ዞባዊ፣ ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ መስመራት ኣብ ሓደ ዕላማ ዘምጽእ ሕጋዊ ውክልና ዘለዎ ዓለም-ለኻዊ ኣካል ንምቛም ክትክአሉ ኢኹም።

እዚ ካብ ምፍልላይ ናብ ሓባራዊ ስራሕ ክንሰግር ዕድል ዝህበና እዩ። ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ብሓቂ ድሉዋት እንተኾይንና፣ ፍቓድን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ብብቕዓት ክውክሉን ከንቀሳቕሱን ዝኽእሉ ትካላት ንምህናጽ ብተመሳሳሊ ተወፋይነት ክንሰርሕ ይግባእ።

ስለዚ ድማ ብዘይ ምድንጓይ ሕጂ ክትምዝገቡ ደጋጊመ እምሕጸነኩም።

ምሕጽንታይ ናብ ኤርትራውያን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን

ኣነ ነቶም ኤርትራውያን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ መስዋእትን ጽንዓትን ብምኽፋል ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ደሞክራሲ ብዙሓት ሰልፊታት ንምትካል ዘርኣይዎ ተወፋይነት ዓቢ ኣኽብሮት ኣሎኒ። እቲ ርእይ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ብዙሕነት፣ ፍትሒን ልዕልና ሕግን ዝተመስረተ፣ ናይ ኹሎም ፍትሒ ተቓለስቲ ንፍትሒ ሓባራዊ ሕልሚ እዩ።

ይኹን እምበር፣ ኤርትራ ናብ ስርዓተ ደሞክራሲን ብዙሕነት ሰልፊታትን ቅድሚ ምስግጋራ፣ ቀዳማይን ኣገዳሲን ዕማምና ነቲ ሕጂ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምእላይ እዩ። ምእላይ ምልኪን ምፍጣር ኩነታት ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ምንቅስቓሳት ሓላፍነት ጥራይ ክኸውን የብሉን። እዚ ናይ ሃገር ሓላፍነት እዩ፣ ንኹሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዲያስፖራን ሓባራዊ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ።

ነዚ ንምዕዋት ድማ፣ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝደልዩ ኤርትራውያን ብሓባር ክሰርሑ፣ ብሓደ ድምጺ ክዛረቡን ብዝተወሃሃደ ኣጋባብ ክንቀሳቐሱን ዘኽእል መገዲ ክረኽቡ ኣለዎም። ምብትታን ንነዊሕ እዋን ዓቕምና ኣዳኺሙ ጽልዋ ከም ዘይህልወና ገይሩና እዩ። ፍልልይ ሓሳብን ፖለቲካዊ ርእይቶን እናኣኽበርና፣ ብስሙር ዕላማ ናብ ሓባራዊ ሸቶና ንምብጻሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

በዚ ዓይነት መንፈስ ኢየ ከኣ ብኣኽብሮት ንመራሕቲ ኩለን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ጻውዒት ዘቕርብ። ነቲ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ብግልጺ ክድግፉዎ እሓቶም። ብተወሳኺ ድማ ኣባላቶምን ደገፍቶምን ኣብቲ ኮሚሽን ዘካይዶ መስርሕ ምዝገባን ምርጫን ክሳተፉ ከተባብዑዎም እላቦዎም።

ከምዚ ብምግባር፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ነዚ ኣገዳሲ ተበግሶ ጥራይ ዘደልድሉ ዘይኰኑስ፣ እንተላይ ንጻዕሪ ኩሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ ኤርትራውያን፡ ዓለም ለኻዊ ደረጃ ዘወሃህድ ሕጋውን ወካልን ኣካል ንምቛም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ እዮም።

ብዘይጥርጥር፣ መጻኢ ሃገርና ካብ ፍልልያት ልዒልና ክንሓስብን ንሓባራዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ክንሰርሕን ኣብ ዘለና ዓቕሚ ይምርኮስ። ስለ’ዚ ነዚ ዕድል ብምጥቃም ንኽቡር ዕላማና ዘለና ተወፋይነት ነርኢ።

ምሕጽንታይ ንመራሕቲ ሃይማኖት

ናይ ኩለን ሃይማኖታዊ ማሕበራት መራሕቲ ኤርትራውያን ፣ ንተቓለስቲ ንፍትሒ ነቲ ጻዕሪ ናይ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ንኽድግፉ ኣብ ምትብባዕ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ እኣምን።

ኣባላተን ክምዝገቡን ኣብ መስርሕ ምርጫ ክሳተፉን ብምትብባዕ፣ ነቶም ተቓለስቲ ንፍትሒን ደሞክራሲ ዝድግፉን ኤርትራውያን ዲያስፖራ ዝውክል ኣካል ንኽምረጽ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ስለ’ዚ ንኹሎም ሃይማኖታዊ መራሕቲ ብትሕትና እምሕጸኖም፤ ነቶም ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝግደሱ ኩሎም ሰባት ክምዝገቡን ኣብዚ ኣገዳሲ መስርሕ ምርጫ ክሳተፉን ንምትብባዕ ሞራላውን መንፈሳውን ስልጣኖም ክጥቀሙ ከኣ እላበዎም።

ምሕጽንታይ ንኤርትራውያን ማሕበራዊ ሚድያታትን ዌብሳይታትን

ኤርትራውያን ማሕበራዊ ሚድያታትን ዌብሳይታትን ንዝተጨቆነ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ብምዃን ዝገብርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ብምሉእ እፈልጦን አኽብሮን እየ። እዚ መድረኻት ንፍትሒ ዝደልዩ ኤርትራውያን ሓሳባቶም ዝለዋወጡሉ፣ ነቲ ህዝብና ዘጋጥሞ ብድሆታት ዝዛተዩሉን ንስቓይ ህዝብና መፍትሒ ዝደልዩሉን መድረኽ ብምቕራቦም ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሮም እዮም።

ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን፣ ነዞም ኩሎም ማሕበራዊ ሚድያታትን ዌብሳይታትን ነቲ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ምሉእ ደገፎም ክህቡ እምሕጸኖም። ንኹሎም ተቓለስቲ ንፍትሒን ደሞክራሲ ዝድግፉን ኤርትራውያን ዲያስፖራ ክምዝገቡን ኣብ ምርጫ ሕጋዊ ወካሊ ኣካል ክሳተፉን ከተባብዑዎም ከኣ እላበዎም።

መደምደምታ

ኣብ መደምደምታ፣ ኣቱም ክቡራት ፍትሕን ደሞክራስን ትድግፉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፣ ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ብዕቱብ እንተደሊና፣ ነቲ ዝቐለለ ግን ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጉምቲ ክትወስዱ እምሕጸነኩም፤ ንሱ ድማ ምምዝጋብ እዩ።

ንኽትምዝገቡ ነዛ ናይ ቅጥዒ ምዝገባ ጠውቑዋ፡ https://forms.gle/vp5cy79WDi2h3eCM9

ምዝገባ ናብ ምርጫ ሕጋዊ ኤርትራዊ ሓይሊ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ዝጅምር ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞገስን ንሰማእታትና!


Teddy Press ኣባታዊ ምሕጽንታ ናብ ኤርትራዉያን ዲያስፖራ Professor Araya Debesay


Snitna Network Seminar
On Saturday, 25 April 2026
Topic: ዛዕባ፡
Urgent call for Registration for the Formation of One Eritrean National Force.
ህጹጽ ጻውዒት፡ ምዝገባ፡ ንምቛም ሓደ ሃገራዊ ኤርትራዊ ሓይሊ።
دعوة عاجلة للتسجيل لتشكيل قوة وطنية إريترية واحدة

Presenters ኣቕረብቲ:
Mr Asihel Butzamlak (ኣቶ ኣስሄል ብጹኣምላክ), Ms Tzehay Ghebrat (ወ/ሮ ጸሃይ ገብራት), Mr Yohannes Sebhatu (ኣቶ ዮውሃንስ ስብሃቱ)
Interpreter (አስተርጓሚ):
Mr Abubaker Sayeq (አቡበከር ሳኢቕ)
Moderator ኣላዪ:
Mr Dawit Gebremeskel (ኣቶ ዳዊት ገብረመስቀል)


Part-1 of 3: Presentation
Part-2 of 3: Q & A
Part-3 of 3: Comments/recommendations

Also watch live-streamed on Facebook:

*REGISTRATION LINK:* https://forms.gle/vp5cy79WDi2h3eCM9

Past Conferences and related Documents by Registration and Election Commission, for the Formation of One Eritrean National Force: ዝሓለፉ ዋዕላታትን ሰነዳትን፡ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንምስረታ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡


See also more articles by Prof. Araya Debessay
ካልኦት ብ'ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: