ሕድርን ምሕጽንታን ኣቦታትና ንኸተል

07/12/2018 22:46 PM

ሕድርን ምሕጽንታን ኣቦታትና ንኸተል

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ሓርበኛታት ኤርትራ

ሕድርን ምሕጽንታን ኣቦታትና ንኸተል
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላምም ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ሎሚ ሒዘዮ ዝቐርብ ኣርእስቲ፡ ሕድርን ምሕጽንታን ኣቦታትና ንኸተል፣ ዝብል ኮይኑ እቲ ጽንዓትን ኒሕን፡ አንጻር ኩሎም መግዛእታት ዝተቓለሱ ወለድና፣ ጹኑዕ ባህሊ ኣውሪሶሙና።

ኣብ ኤርትራዊ ኒሕ ተሞርኲስና፣ ንዲሞክራሲያዊ ባህሊ ከነጣጥሕ፣ ፍትሒ ክህሉ ክጽዓርን፣ ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስ ክንቃለስን፣ ካብ ኩሉ ልእላውነት ሃገር ከይጥሓስ ብትሪ ምሕላው፣ ሓድነት ህዝቢ ከይብተኽ ምክልኻልን፣ መሰረታዊ ስራሕናን ዕላማናን ኮይኑ፣ ካብ ኣቦታትና ዝተማሓላለፈልና ምዃኑ ንምርግጋጽ፣ አቦና ደግያት ባህታ ሓጎስ ዝበልዎ ክጠቅስ እየ። [ካብ መጽሓፍ ተስፋዬ ገብረኣብ ማህደር ኑረቢ ትርጉም-ዳኔል ሃብተምርያም] ዝወስድክዎ እዩ።

‘’ ኣቦታትና ንመረብ ምላሽ ምድረ ባሕሪ ኢሎም ይጽውዕዋ ነይሮም። ኤርትራ ስም ባሕርና እዩ። ምድረ ባሕሪ ማለት፡’ናይ ባሕሪ መሬት’ ማለት ብምዃኑ ፍልልይ የብሉን። ባሕሪ ኤርትራ ምስ ቆላን ከበሳን ዝተተሓዘ እዩ። እቲ ባሕሪ ንሰብ መረብ ምላሽ ባቦም እዩ። ‘ኤርትራ’ ዝብል ቃል ካብ’ቲ ባዕልና እንጽዋዓሉ ዝርሓቐ ኣይኮነን። ኣስላም፣ ክርስትያን፣ ከበሳ፣ መታሕት እጫናን ሽሻይናን፣ ባብናን ኣፈፌትናን እቲ ባሕሪ እዩ። ደቂ ባሕሪ ኢና። ሽም ባሕሪ ስምና እዩ። "ካልእ ጉዳይ ድማ ብዛዕባ መሸጣ ገላዩ እዩ። ነቲ ኣዋጅ ክንርድኦ ኣለና።ወዲ-ሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ማዕረ እዩ። ሰብ ኣይሽየጥን እዩ። ኣብ ግዜ መንግስቲ ቱርኪ እንታይ ኢና ርኢና ? ሃጸይ ዮውሃንስ ንኣሉላ ምስ ሰደደልና’ውን ሰላም ኣይነበረናን። ኣብ ሓባብ፣ ሰምሃር፣ ሰኒሒት፣ ዓሳውርታ፣ ኣብ ሓልሓል፣ከበሳ ኣብኩሉ ኲናት ጥራይ እዩ ነይሩ። ብምእካብ ግብሪ፣ ብምምጻእ ግብጻውያን ኣብ ኲናት ኢና ነይርና። ሕጂ ጥልያን ከም ናይ ኤውሮጳ መንግስቲ ኣብ ሃገርና ብምምስራት ሰላን ኣፍልጦን ክህበና፣ ክሃንጽን ክልምዕን ቃል ኣትዩ ኣሎ። ጥልያን ሕጊ ሃይማኖት ኣቦታትና የኽብር እዩ። ካብ ኣቦሓጎታትና ዝወረስናዮ መሬት እናሓረስና ንፍልጠት ክንተግህ ኣሎና። ሓድነት ከድልየና እዩ። ሕብረት ከድልየና እዩ። ‘ ዝነቕዐት እንቋቑሖ መጻወቲ ሃመማ ትኸውን’ ክም ዝባሃል ንሕናውን…"

ቀጺሎም ኣቦና ደግያት ባህታ ሓጎስ፣ ብደምቢ ሽሪሒት መግዛቲ ጥልያን ብምፍላጥ፣ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምቅላስ፣ ኣብ ውግእ ዓድዋ ዘራኣይዎ ሓርበኘታዊ ተሳትፎ እታ ዝጠቐስክዋ መጽሓፍ ስለ ኣጸቢቓ ትገልጾ ናብኣ ክትውከሱ ይዕድም።

እቲ ዘገርም ናይ ኣቦታትና ምሕጽንታ፡ ሓድነት ከድልየና እዩ፣ ሕብረት ከድልየና እዩ።’ኣብ ሞንጎና ነቓዕ ከይርከብ’ሞ ጸላኢ ኣብኡ እናሰሎኸ ክይጻወተልና፣ ዝብላ ሓረጋት፣ አብርእሲ እቲ ንባዕዳዊ መግዛእታት ብኑጹር አላሊኻ ናትካ ውጥን ምውጻእ ዝብል ትምህርቲ፡ እቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ክኸዉን ዘለዎ፣ ሓድነት ህዝብን፣ ሓቢርካ ምስራሕን ስጋብ ክንደይ ኣገዳስነቱ ሕጂ ከም ትማሊ ብሩህ ምዃኑ እዩ።

ደምበ ፍትሒ ከም ቀዳማይ መዝምሩ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን እኳ እንተኾነ፣ ክትርጉሞ ዘይምኻኣሉ ግን መልሲ ዘይርክቦ፣ ክም ጥራዩ ገረወና ናይ ዋዕታ ገልጠምጠም ኮይንይ እዩ ተሪፉ ዘሎ፡፡

እቲ ብተዳጋጋሚ ዝስማዕ ምኽንያታት ብሰንኪ ጉዕዞ ቃልስናን፣ገዛእቲ ዝጥቀሙሉ ፈላሊኻ ግዛእ፣ ከይደለናዮ ኣብ ሰራውር ኣሳራርሓና ኣትዩ፡ ውህደት ምሳኣንን፣ ንዝፍጠር ግርጭት ፈትሒካ ዘይምኽኣል ዘስዓቦ ጉድኣት፣ እናተባህለ ዝዋሃብ ምኹኑይን ዝይምኹኑይን ምስምሳት ክባሃል ይኻኣል።

ብደምቢ ኣዕሚቕካ እንተ ሓሲብካሉ ግን፡ እቲ ጸገም ኣብ ነብስና ማለት ንሰውነትና ቅድሚ ድልየት ህዝብና፣ ስለ ንሰርዓ ክብል ይደፍር፤ እቲ ክንበጽሖን እንደልዮን/እንብሎን ዕላማ፡ ምስ ውልቃዊ ኣንቅዶ/ምምጥጣር/ኒሕ ስለ ዝጋጮ፤ ከምቲ ሲግሞን ፍሮይድ ዝበሎ ተፈጥሮ ውዲ-ሰብ ከም ባህርያኡ dualism ክልተኣውነት/ድርብውነት ኣነን፣ ንሕናን፣ ዝዋቓዓሉ/ዝጓነጻሉ፡ እታ ኣነ ትብል ምስ ትስዕርርን ካብ ጠቕሚ ናይ ብዙሓት ናይ ግልነት፣ ወይ ናይ ውሑዳት ጠቕሚ ብቀዳምነት ስለ ዝዋሃብ፣ ነቲ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ይውንዘፍ፣ ምእንቲ ኣንነትካን ጉጅለኻን፤ እዚ እዩ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርአ ክብለካ ዝኽእል አጋባብ ህላውነኡ እናተዓዘብካ።

ኣብ ደምበ ፍትሒ ተውዲበን ዝንቃሳቐሳ ሰልፍታት፣ ሲቪካው-ማሕበራት፣ ህዝባውያን ማሕበራት፣ ዋላ ውልቃውያን ሰባት እዉን እንተኾነ፣ እቲ ዕላማ፣ ልእላውነት ሃግሀር፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ፍትሒ፣ ብቑዋም እትምሓደር ሃገር ንኽትህሉ፣ ካብ ኮነ መሰረታዊ ራኢአን፤ ስለምንታይ ደኣ እተን ሕብረ-በሔራዊ ኣጋባብ ኣዋዳድባ ዘለወን ናይ ሓባር ምትእስሳር/ጉሪኒት ዘይገብራ፤ ካልእ ይትረፍ ምትሕብባር ስርሓት ዘየርእያ? እተን ሲቪካዊ-ማሕበራት መሰል ደቂ ሰባት ንኽራጋገጽ ዝመሰረተን ካብ ኮነ፣ ብዝያዳ ምትእስሳር/ምትኽኻእ ከካይዳ-ዶ ኣይነበረንን? እተን ብስም ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዝዋስኣ፤ መንጸፍ ወይ ባይታ ናይተን ናይ ፖለቲካ ውድባትን ስቪካዊ ምንቅስቓስን ክኾና ከለዋ፣ ናይ ምቁጽጻር ስርሓትን ናይ ምቅርራብ ባይታ፣ ምፍጣርን ብደሞክራሲያዊ አጋባብ ዝዓብያሉ ፖለቲካው ንቕሓትን ብስለት፣ ዝረኽባሉ ሃዋህው ምፍጣር-ዶ ኣይኮነን ስረሐን፡ ክኸዉን ዝግባእ? በዚ መሰረት ህዝባዊን፣ ኩሉ ዝሳተፈሉ ጽላል ክህሉ-ዶ አይኮነን ክጻዓር ዝግብኦ? እቶም ውልቃውያን በይኖም ኮይኖም ምቅላስ ክዕወቱ ከምዘይከሉ ተረዲኦም፣ አብዘን ዝተሰምያ ውድባት ቦታ ክረኽቡ ዘይክእሉ ከመይ ስለ ዝሓስቡ ኮን ይኾኑ? ኩሉ እዚ ዝግበር ተዋስኦ ንሕልናኻ ንምዕጋብ እቲ ኣነ ዝብል ኒሕ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ፣ ናይ ሓባር ምስራሕን ሓድነትን ምርሓቕ ኮይኑ-ዶ አይስማዓኩምን? ብዝተረፈ እንታይ ደኣ አብ ምጭጫሕ ውድባት ንዋሳእ? ኻብኡ ሓሊፍካ ኸምቲ ኣቦና ደግያት ባህታ ሓጎስ፣ ዝበልዎ ነቐዓት ፈጢርካ ኣብ ነንሕድሕድካ ክትዋቀስ፣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከም ዓንቃፊ ጌርካ ከተርእዮ ምፍታን ዘስዓቦ ኩነት እዩ ክባሃል ይካኣል።

ዝመጹኻ ወኸሰታት፣ ስለምንታይ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ክዓኩኽ ዘይካኣለ? መዝሙርካ ሓቢርካ ምስራሕን ሓድነትን ካብ ኮነ፡ ናይ ምትግባሩ ባይታ፣ ኣብ ፖለቲካ፣ እንካን ሃባን-ዶ ኣይኮነን እቲ መስርሕ?? ቅርሕንትን ቂሚን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ቦታ ክህልዎም-ዶ ይግባእ እዩ?? ነፍሲ ወከፍ ውድብ፣ ምንቅስቓስ፣ ውልቀሰብ፣ ናይ በሓቂ ነብሰ መርመራ/ወኸሳ ይገብርዶ ይኸዉን? ገምጋም ጉዕዝኡ የካይዶ ይኸዉን? እዚ ዘይኑቡር ኩነት ደምበ ፍትሒ ንሱ ዝፈጠሮ ምዃኑ ተገንዚብዎ-ዶ ይኸዉን?? እንተደኣ ገምጊምዎ ንጉዑዝኡ ክእርሞምን ምስ ከምኡ ዘኣመሰሉ ቀሪቡ፣ ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን፡ ኩሉ-ነገር ክገብር፣ ዝዓበየ መስዋእቲ ክኸፍል ቁሩቡነቱ ኣርእዩ-ዶ ይፈልጥ? አይመስለንን ኒሕን ኣንነትን ሲዒሩ፣ ኣነ እየ እቲ ቁኑዕ ኢሉ ንሰዉነቱ ስለ ዘእመና። እቲ ክኸዉን ዘለዎ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ክትርጎም አይተኻእለን።

እዚ ዓይነት ኣቃላልሳ ውድባትና ምንቅስቃሳትና ካብቲ ናይ ህዝቢ ድልየት፣ ትምኒት፣ ሕልሚ፣ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዘርሓቖም ገይሩ ከርእዮም ከም ዝኽኣለ ምዃኑ ይሓስብዎ-ዶ ይኾኑ?? እዚን ኻልእን ኣዋጣሪ ሕቶታት ይገብሩዶ ይኾኑ??

ልእላውነት ሕጊ፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምብጻሕ፣ ብቐዳምነት ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ሰሪዕካ፣ ነቶም ዘራሓሕቑኻ ነገራት ኣጽቢብካ ኣብ ስራሕ ምእታው መንጸፍ ናይ ምቅርራብ ምዃኑ ዝጠፍኦም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ ሰውነትካ ቅድሚ ኩሉ ምስራዕ፣ ውድበይ፣ ምንቅስቓሰይ ይበልጽ፤ ኣነን ውድበይን ኣብ ቅድሚት ክሰራዕን፣ ዓብላሊ ሓይሊ ንምዃን ምጽዓርን፣ ሓሳበይ ካብቲ ናይ ካልኦት ይበልጽ…ውዘተ ዝዓይነቱ ኣዛራባ፣ ዲሞክራስያውን፣ ፈታሕ-ግርጭትን፣ ኣዋሃሃድን፣ መንጸፍ ናይ ሓባር ጽላል ክኸዉን ኣይክእልን።

ሰልፊ ይኹን ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፣ መስርሕ ናይ ሓባር ዕላማ፣ ክኾኑ እዮም ዝግብኦም። ንሰልፍን ውድብን ዘይኮነ እቲ ቓልሲ በዚኦም መሳልል/መስርሕ ገርካ፣ ነቲ ህዝባዊ ስልጣን ክራጋገጽ፣ ናጽነት ወዲ-ሰብ ዝኸብረሉ፣ መሰል ዚጋታት ዝሕለወሉ ፣ ንፍትሒተራጋግጸሉ፣ ግዝኣተ-ሕጊ ብግብሪ ዝትርጎሞሉ እዩ ክኸዉን ዘለዎ።

ኩሉ እቲ መስርሕ ኣብ ትሕቲ ቁዋም ዝትከለሉ እዋን በቢዓይነቱ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ከም ሰልፍታት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ በቢ ዓይነቱ ህዝባውያን ማሕበራት ንኽህልዋ ምእንቲ፣ ከምቲ ኣቦና ደግያት ባህታ ሓጎስ ዝማሃሩና፡ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን፣ ብዝያዳ ነቓዕ ዘይብሉ ጡርኑፍን ሰፊሕን፣ ንኹሉ ዘሳትፍ ጽላል ንምብጻሕ፣ እተን ዘለዋ ውድባት ክቃራረባን፣ ጒሪነት/ምትእስሳር ኣብ ነንሕድሕደን ክገብራ፣ ነተን-ምስአን ናይ ስራሕ ጽምዶ ዘየከናውና፣ ባብ ናይ ሓቢርካ ምስርሕ ክፉት ምዃኑ ብኑጹር ሓበረታ ክህባን፣ ዕለት ብዕለት ጽዊዒትን፣ ፍልይቲ ሽማግለ-ምቅርራብ ክህልወን ይግባእ። ንምንታይስ ህዝብኻ ምጥርናፍ እቲ ዋና ዕላማ ስለ ዝኾነ። ሎሚ በዚ ድስቡጣዊ ስርዓተ ኢሳያስ ሃገርና ካብቲ ዝነበረቶ ዘይኑቡር ናብራ፣ ናብ ዝኸፍአ/ዝገደደ ጉዕዞ ገጹ ይወስዳ ስለ-ዘሎ። ጽባሕ አብ ክንወጽኦ ዘይንኽእሎ፣ ባይታ ከየውደቅት ኮላ ክንቃላጠፍ ግዜ ይጽውዕ ኣሎ፡ ህዝቢ የእዊ ስለ ዘሎ ድምጽን ሕቶን ህዝብና ንስማዕ። ነቲ ኣብ ሓዲሽ መዋእል ኢሉ ዝጽውዖ፣ እከይ ውጥኑ፣ ጠጠው ከነብሎ ናይ ምሉእ ህዝብና ቅልጽም-ሓድነት የዲሊ አሎ።

ብዝመጽእ ትውልዲ ተሓተቲ ካብ ምዃን ሎሚ ሓቢርና ምስ ኩሉ ህዝብና አብ ውሽጥን ዲያስፖራን ዞሎና፣ ንተንስእ ንባራበር ሓቢርና ሃገርና ነድሕን፤ ልእላውነትናን ሓድነትናን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ አሎ፤ዝብል ዓው ኢልና ንጸውዕ።

ከምቲ ኣቦታትና ዝመሓላልፍልና

ኒሕ፣ ብፍላይ ዘግነትና ንምሕላው፣ ልእላውነት ሃገርን፣ ሓድነት ህዝቢን ንምዕቃብ፣ ኣንጻር ኩሎም ገዛእቲ ቃልሲ፣ ሕጂ እዉን ከም ትማሊ ሓድነትና ኣጠንኪርና ድወ ኢልና ንምቅላስ ቁሩባት ንኹን ጥራይ ዘይኮነስ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዉን ኣሎና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራባር

አብ ዝመጽእ የራኽበና

ብ’ፍትዊ ክፍለ

•   Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ



Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


Tempo Afric TV - History Of Degiat Bahta Hagos - Conversation With Lingo

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: