መድረኽ - ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ? (3ይ ክፋል)

21/02/2018 23:32 PM

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ”
- ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ
- ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ?

3ይ ክፋል


ብ'ታደሰ ኪዳነ (ቢርሚንግሃም-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Tadese Kidane (Birmingham - UK)
21/02/2018


ታደሰ ኪዳነ


ሳልሳይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ምስ መስረትን መራሕትን መድረኽ (ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን) ብመንገዶም ከኣ ምስ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም፡ ብመንገዲ ኢመይል ከም ዝተዘራረብኩ፡ እቲ ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ ዕበጦ” ዝሓልፍ ከም ዘይነበረ ገሊጸ ኢየ። ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለ ዝዓናቕፍን ዘየርብሕን ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ስለ ዘይተራእየኒ፡ ናብ ሰማዕቲ ክዝርግሖ ከም ዝወሰንኩ ገሊጸ ነይረ።
ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ካብ ዘስፈርኩሉ እዋን ጀሚረ፡ ካብ ብዙሓት - ንኣሰራርሓ መድረኽ ዝፈልጡ ሰባት ዝበጽሓኒ ርእይቶታት “ወናኒ ናይቲ ብስም መድረኽ ዝፍኖ ዜናታት ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ምዃኑ፡ ተሓታትን ኣቀናባርን ናይዚ ኩሉ ፈላላይን ኣነዋርን ጽሑፋት ከኣ ብውልቂ ንሱ - ዶ/ር ኣሰፋው ኢዩ” ዝብል ኢዩ። እንተኾነ፡ ካልኦት’ውን ብስሞም (ብስም መድረኽ) ክወጽእ ኣፍቂዶም ወይ ኣጽቂጦም ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብሮም ከም ዘይኮነ፡ እዚ “ሓቂ ኢዩ” ዝበሃል እንተ ኮይኑ ከኣ፡ እዚ ሕጂ ቀይሙ ዝበሃል ዘሎ ምትእኽካብ መድረኽ ኣጻርዩ ከቅርበልና ክንጽበ ምዃንና፡ ብወገነይ ግን ነታ - ነቲ ወረታት ተቕርብ መርበብ ሓበሬታ መድረኽ ክነቅፍ ምዃነይ’ ኢየ ገሊጸ።

መድረኽ ንዝተወሰኑ ካብ ሓደ ከባቢ ወይ ኣውራጃ ዝመጹ መኮነናት ስርዓት ህግደፍ ፈልዮም፡ ብትሕተ ሃገራውነት፡ ኣውራጃን ከባብን ከም ዝኸሰስዎም። ‘ብጉቦን ብልሽውናን ዝሃብተሙ መኮነናት’ ከም ዝበልዎም፡ ንጽሑፋቶምን ናይ ራድዮ ፈነወታቶምን ምርኩስ ብምግባር ሓሙሽተ (5) ጭብጥታት ኣቕሪበልኩም። ኣብ ካልኣይ ክፋል’ውን፡ እቶም ተኸሰስቲ መኮነናት ካብ ገበን ነጻ ከም ዘይኮኑ፡ እንተ ብዛዕባ’ቲ ዝበሃል ዘሎ ካልእ ክስታት ግን ኣብቶም ተራ ተጠቀስቲ መኮነናት ከይተሓጽረ፡ ናብቲ ንሳቶም ዝመጹሉ ከባቢ ዘነጻጸረ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መድረኽ ጭብጢ ከቕርቡ ሓቲተ።

ኣብዚ 3ይ ክፋል ከኣ ተወሳኺ ጭብጥታት ድሕሪ ምቕራብ፡ መድረኽ ብወገንን ኣውራጃን፡ ብጽበትን ትሕተ ሃገራውነትን፡ ብጉቦን ብልሽውናን፡ ብቕትለትን ስግረ ዶብን ክዛረቡ እንተ ደልዮም፡ ብበዓል መን ክጅምሩ ከም ዝግባእ፡ ገለ ኣብነታት ክጠቅስ ኢየ። ንእግረ መንገደይ ከኣ ናይ መድረኽ ምትእኽካብ ንቀንዲ ገበነኛታት ዝንሕፍ፡ ኣብ ክቱር ጽልኢ ናይ ገለ ከባቢታትን ኣውራጃን ዝተመስረተ ምዃኑ ከብርህ ክፍትን ኢየ። ህዝቢ ክፈልጦ ክጥንቀቐሉን ስለ ዝግባእ። ብቐዳምነት ግን ተወሳኺ ጭብጥታት ከቅርብ ኢየ።

ጭብጢ ቚጽሪ 6:- ብዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም “. . . ናብ ስግረዶብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ማህሚመት ምስ በጽሑ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈተ ቶኽሲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ሞይቶም 9 ቆሲሎም።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነዚ ዝስዕብ ይገልጹ። . . . ኣሰጋገርቲ ምስ ላዕለዎት ጀነራላትን ሓለፍትን ምትእስሳር ከም ዘለዎም፡ እንተ ተታሒዞም’ውን ሽዑ ንሽዑ ገንዘብ ከፊሎም ከም ዝወጹ፡ ብኣብነት ናይ ሓደ ብመኪና ሰብ እናስገረ ዝተታሕዘ ደላላይን፡ ቊጽሪ ናይቶም ምስኡ ዝነበሩ’ሞ ኣብቲ መስርሕ ዝሞቱን ዝተታሕዙ ሰባት ይገልጹ’ሞ፡ ኣብ 6ይን መወዳእታን ሕጡበ ጽሑፍ

“. . . . ብተመሳሳሊ ኣብዚ ቅንያት እዚ ሓንቲ ምስ 5 ደቃ ናብ ሱዳን እትጓዓዝ ዝነበረት ጓለንስተይቲ፤ ኣብ መንገዲ ብኣባላት ጸጥታ እኳ እንተተታሕዘት፤ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ብዘለዋ ትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር፤ ብትእዛዝ ናይ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ኣብ ሳልስታ ከምዝተፈነወትን ኣብ ሰሙና ዳግማይ ብትዮታ ተሰኒያ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ካርቱም ከምዝኣተወተን ተገሊጹ።” ሊንክ ጽሑፍ   25/03/2017 ብራድዮ   25/03/2017   26/03/2017

ኣብዚ’ውን፡ ብር/ጀ ስምኦን ገብረድንግልን ብር/ጀ ኣብርሃ ካሳን፡ ብዘለዎም ትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር እናተሓጋገዙ ነቲ ናትና ዝብልዎ ወገን፡ ድላዩ ከም ዝፍጽምሉ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ጀነራል ብወገንን ዓድን ተኣሳሲሮም፡ ንደቂ ኣውራጃኦም ይሕግዙ ኣለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ሳላ በዓል ወዲ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን፡ ካብቲ ንሳቶም ዝተወድሉ ኣውራጃ ዝእሰር ስብ የለን” ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ መድረኽ። ነዞም ክልተ ሰባት ከም ኣብነት ኣቕሪቦም ድማ ነቲ ዝተረፈ ካልእ ወገን “ካብዚም ወገናውያን ተጠንቀቕ!” ይብሉዎ ኣለዉ።

ጭብጢ ቊጽሪ 7:- ብ17 መጋቢት 2017 ዓ. ም እውን ነዛ ክብ ኢላ ዘላ ትሕዝቶ - “ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ዘሎ ብልሽውና ኣዚዩ ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብኻልእ ኣቀናቢሮም ኣቕሪቦማ ኣለዉ።

“. . . ቀንዲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዘለዎም ሓይሊ ተጠቂሞም፥ እሱራት ኣብ ምውጻእ፡ መውጽኢ ቪዛ ኣብ ምውሃብ፥ ምስ ደቆም ስግረዶብ ኣብ ምኻድ ንዝተታሕዙ ስድራቤት ነጻ ኣውጺእካ ዳግማይ ናብ ስግረ ዶብ ምፍናው ዝኣመሰሉ ተግባራት ገኒኖም ምህላዎም ተሓቢሩ።

“እቶም ዝፍጸሙ ‘ምድግጋፍ’ ብቐንዱ ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳራትን፤ ምቕባል ገንዘብ ብልሽውናን ዝሳለጡ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ኣብነት ናይ ሓንቲ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ብመኪና ዶብ ክትሰግር ዝተታሕዘት እሞ ብፍሉይ ትእዛዝ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነጻ ተለቒቓ ኣብ ሰሙና ክሳብ ካርቱም ብላንድክሩዘር ዝተላእከት ስድራቤት ብምጥቃስ ገሊጾም። እቲ ብሪጋደር ጀነራል ካብ ኣዚዮም ውሑዳት ዝኣምኖም ወሃብቲ ብላዕ፤ ግን ከኣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝቕበል ይሕበር።” (ሕብሪ ናተይ) - ሊንክ ብጽሑፍ   17/03/2017 ራድዮ   23/03/2017

ሃገራዊ ድሕነት ናይ ስለያን ጸጥታን ትካል ህግደፍ ኢዩ። ተሓታቲ ናይ ብዙሕ ሞትን መግረፍትን ምኻኑ’ውን ዘተሓትት ኣይኮነን። ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኮነ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ እውን፡ ካብዚ ገበናት’ዚ ነጻ ኢዮም ዝብል እምነት የብለይን። ንሓለፍቲ መድረኽ ግን “ኣብዚ ትብልዎ ዘለኹም ብልሽውና፡ ዝነሓፍኩሞም፡ ወይ ክትዛረቡሎም ዘይደለኹም ሰባት ከይህልዉ ምንጭታትኩም ፈትሹ” ክብሎም ጽቡቕ ኢዩ። እቲ “ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳራት ንደቂ ከባቢኦምን ኣውራጅኦምን ይሕግዙ” ዝብል ቅድሚ ሕጂ ተዘሪቡሉ ኢዩ። እንተ ብዛዕባ ገንዘብን ብልሽውናን ግን እቶም ሚእቲ ሽሕ (100,000) ወይ ክልተ ሚእቲ ሽሕ (200,000) ዋላ’ውን ልዕሊኡ ናቕፋ ኣትሒዞም ዝጣልዑ ጀነራላት በዓል መን ድዮም? እቶም ብስም ኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ገንዘብ ዘቐምጡን፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኤስያን ወፍታት ዘካይዱ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ድኣ፡ ብበዓል ወዲ ካሳ ወይ ጀነራል ስምኦን ዝሕገዙ ደቂ’ቲ ከባቢ ድዮም? ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ኣንጎላ ወዘተ ዘለዉ ዓበይቲ ሰብ ር/ማል’ከ ወዲ ካሳን ስምኦንን ብትሕተ ሃገራዊ ስምዒትን ኣውራጃን ኣኻኺቦም ዘንቀሳቕስዎም ድዮም? እቶም ብመልክዕ ሓዋላ ናብ ኤርትራ ገንዘብ ክሰዱ ዝፍቀደሎም ሰባት’ከ ኣዝማድ በዓል መን ምዃኖም’ዶ ምነገርኩምና? ገንዘብ ምልኣኽ ተሓቢእካ ዝካየድ ንግዲ መሲሉዎም ቀንጠብጠብ ዝበሉ’ሞ - ገንዘቦም ተሃጊሩ፡ ኣሕዋቶም ምስ ተኣስሩ ጥራይ ኢዶም ዝተረፉ ሰባት ድኣ ንፈልጥ ከይንኸውን። መድረኽ መልሱ - በዓል መን ኢዮም? እዚ’ኸ ንሕፈት’ዶ ግድፈት?

ኣዳለውቲ ዜናታት ፈነወ መድረኽ፡ ብዛዕባ ቪዛን ፓስፖርት’ውን ተዛሪብኩም። ሎሚ ኤርትራዊ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ምህላዉ ትኽሕድዎ ኣይመስለንን። ገለ ክፋሉ ዝኣመነ ኣሚኑ ዓዱ እናተመላለሰ ስድርኡን ቤተ-ሰቡን ክርኢ ከሎ፡ ገሊኡ ግን - ዝበዝሐ ገንዘብ ከፊሉ፡ ወለዱ ናብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን እናጸውዐ ገጽ ወለዱ ዝርኢ ብዙሕ ኢዩ። ነዚ’ኸ ብኸባብን ኣውራጃን ፈላሊኹም’ዶ መቅረብኩምልና? ንስምኦን፡ ወዲ ካሳ፡ ተስፋልደት ወይ ንሳባ ኣሚኑ፡ ዓዱ ዝመላለስ መን ኣሎ? እታ ብላንድክሩዘር ካርቱም ዝኣተወት ሰብ’ኸ መን ትበሃል? ብዛዕባ ስግረ-ዶብ ትዛረቡ እንተሊኹም ድኣ፡ ተኽለ ማንጁስ - ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ሓደ፡ ዓፋን ከኣ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ሰባት ካብ ውሽጢ ኣስመራ ኣሽሓት ከፊሎም ንሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ ብመንገዲ ክልቲኦም ዶ’ኸ ኣይኮኑን። አረ - ቢንያም ዝበሃል ወዲ ተኽለ ማንጁስ፡ ብድለላ - ሰብ ይቕርበሎም ምንባሩ’ውን ሰሚዐን ኣንቢበን ኢየ። ነዚኦም ድኣ ንምንታይ ንሒፍኩሞም? ንሕፈት ብመንጽር ፖለቲካ - እንታይ ኢዩ ትርጉሙ? ንምንታይ ንሕፈት? መድረኽ ሕጂ’ውን መልሱ !!!

ጭብጢ ቊጽሪ 8፡- ኣብዛ እንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት ዕለት 01/01/2018 ድማ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትካላት ዝተዓጻጸፈ ናይ ኤሌክትሪክ ክፍሊት ኣታኣታቲዩ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝገለጽዎ ምዕጻው 350 ትካላት፡ ኣብ 3ይ ሕጡበ-ጽሑፍ ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ።

“. . . ብርክት ዝበላ ትካላት ይዕጸዋሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እተን ምስ ጀነራል ፍሊጶስ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ርክብ ዘለዎም ወነንቲ ትካላቶም ክሕደጋ ከለዋ እቲ ብጸቢብ ኣውራጃዊ ምትእስሳር ምስራሕ ዘዘውትር ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ድማ ንደቂ ከባቢኡ ይጣበቕ ምህላዉ ተሓቢሩ።” ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ። ሊንክ 01/01/2018   ብራድዮ 29/12/2017

ኣብ ዕለት 29/12/2017 ዓ.ም ኣብ ፈነወ ራድዮኦም ብንባብ ከም እትዝርጋሕ ገይሮም። ኣብዚ’ውን “ደቂ ኣውራጅኡ ንብርጋደር ጀነራል ስምኦን ዝጣበቐሎም ኣያ ኣለዎም፡ መሳኪን ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ግን ይስሕንዋ ኣለዉ . . . “ ኢዩ መልእኽቲ መድረኽ።

ናይ ፈነወን ጽሑፋትን ሰነዳቶም ክፍትሽ ከለኹ፡ ሓንቲ ኣቓልቦይ ዝሰሓበት ነውራምን፡ ቀደም ኣብ ግዜ ገድሊ ንብዙሓት ምሁራት ግዳይ ዝገበረትን ሓረግ ረኺበ። ኣብ ዕለታት 05/09/2015, 07/09/2017, 09/09/2017, 10/09/2017, 12/09/2017, 22/11/2017ን; ካብ ውሽጢ ሃገር፡ “ካብ ዲሞክራስያውያን ባእታታት ምንቅስቓስ ንፍትሓዊ ለውጢ ዝተላእከልና” ብዝብል ግን ባዕሎም ዝሰንዕዎ ዝመስል ሰለስተ ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣንቢበ። ብዕጽፊ ድማ ኣብ ፈነወታት ራድዮ ኣንቢቦሞ። እዛ “ዲሚክራስያውያን ባእታታት” ትብል ኣዘራርባ፡ ኢሰያስን ንሱ ዝመርሓ ሕብእቲ ሰልፍን፡ ነቶም “ሕራይ “ ኢሎም ዝተላኣክዎን ትእዛዛቱ ዝፍጽፍሙ ምሁራት፡ ካብቶም ዝበዝሑ፡ ግን ከኣ እቲ ሕማቕ ካብቲ ጽቡቕ ክፍለ ዝጠለቡ ካልኦት ምሁራት ንምፍላይ ዝተጠቕሙላ ሓረግ ኢያ። ናይ ሎሚ መራሕቲ መድረኽ ከኣ፡ ኣብታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበሩ “ብዲሞክራስያውያን ባእታታት” ዝተጠመቑ ምሁራን ምንባሮም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነቶም ብትውልድን ከባብን ኣብ ጸግዒ ናይቶም ብትሕተ- ሃገራውያን ከሲሶሞም ዘለዉ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ፡ ብፍሉይ “ዘይዲሞክራሲያውን” ከም ዝብልዎም ዘተሓትት ኣይኮነን። ዲሞክራስን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ግን ኣብ ቃልዕ ወጺእካ፡ ተማጒትካን ህዝቢ ኣእሚንካን ዝግበር ስራሕ እምበር፡ ናይ ስልጣን ጽምኢ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ዝዕድልዋ ወይ ብመለኽቲ እትዕደል ማዕረግ ኣይኮነትን። መድረኽ ነዛ “ዲሞክራስያውያን ባእታታት” ትብል ሓረግ ክጥቀሙላ ምፍታኖም ድማ፡ ንኣሰራርሓ ናይታ ኣዕቊባቶም ዝኣተወት ሕብእቲ ሰልፊን ቀንጻሊ ኣሰራርሓኣን ከም ዘለዎ ክጥቀሙሉ ዘለዎም ጥሙሕ ኢዩ ዘነጽር።

ዜናታት መድረኽ ብመንጽር ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ

መድረኽ ነዞም ብጸቢብነት፡ ኣውራጃነት፡ ዓዳዊ፡ ከባቢያዊ” ሕማም ዝኸሰስዎም መኮነናት ሃገራዊ ድሕነት፡ ንደቂ ከባቢኦምን ደቂ ኣውራጅኦም ነጻ እናገበሩ፡ ካብ ተወለድቲ ካልእ ከባብን ኣውራጃን ብጉቦን ብዓመጽን ብዙሕ ገንዘብ ኣኪቦም ‘ወነንቲ ብዙሕ ር/ማል ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ “ዘይ ናትና ወገን ኢሎም ንዝፍርጅዎ” ሰብ’ውን ፈልዮም ከም ዝኣስሩ፡ ማእሰርቱ ከም ዘጋድድሉ፡ ከም ዝቐትሉን ኢዮም ዝነግሩና ዘለዉ። ሓቂ ንምዝራብ መራሕቲ ሃገራዊ ድሕነት (እዞም ተጠቀስቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኩሎም) ልዕሊ ገንዘብ ዝሕተትሉ ገበናት ክህልዎም ግድን ኢዩ። ሓለፍቲ መድረኽ ከኣ ነቲ “ተገይሩ” ዝበሃል ገበናት እናኣልዓሉ፡ ግን ከኣ ጸግዒ ከይወሰዱ፡ እንተዝዛረቡሎም ንሕና’ውን ምደገፍናዮም። ብመንገዲ እዞም ተኸሰስቲ መኮነናት ኣቢሎም፡ ናብ ህዝቢ’ቲ ተኸሰስቲ መኮነናት ዝተወልዱሉ ኣውራጃን ከባብን ዘነጻጸረ ዘመተ የካይዱ ስለዘለዉ “ሓሶት” ክንብሎምን፡ ብኣንጻሩ ላዕለዎት ገበነኛታትን ዝበዝሐ ገንዘብን ሓይልን ዘለዎም መኮነናት በዓል መን ምዃኖም፡ ናይ ገለ ኣብነታት ወሲድና ከነዘኻኽሮም ኣድላዪ እመስለኒ። እነሆ ከኣ


1. ጀነራል ፊሊጶስ ወልደ ዮውሃንስ፡- ናብ ስርሒት ዞባ 5 (ኣስመራ) መጺኡ፡ ንዝበዝሐ ጸጋታት ሃገር ቅድሚ ምቁጽጻሩ፡ ሓላፊ ስርሒት ዞባ 2 (ዞባ ጋሽ-ባርካ) ከሎ ዝፈጸሞ ግፍዕን ዝኣከቦ ሃብትን ማእለያ ኣይነበሮን። ገለ ካብኡ፡ ካብ ሕርሻ ዓዲ ዑመር፡ ኩባንያ ህንጻ ባድመ፡ ብትሑት ብቅዓት ዝተሰርሐ ህንጻታት ኣቑርደት፡ ምስ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ዝነበሮ ቁጠባዊ ምትእስሳር፡ ብስም ሱዳናውያን ዝኣቱ ዝነበረ ናይ መግቢ ዘይቲ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ዝነበሮ ረብሓን ምትእስሳርን፡ ኣብ መቀያየሪ ኣቑሑ (spare parts) ዝነበሮ ተዋስኦን ክጥቀስ ይከኣል። ብነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ክልቲኡ ወቕቲ ሃገርና (ዓድን ባሕርን) ብፊስቶታት መዓር ዝሓልብን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ካልእን ልኢኹ፡ ክብ ዝበለ ገንዘብ ዘእቱ እንኮ ጀነራል ከኣ - ጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክብ ዝበለ ንግዲ ዘዋፍር ኮይኑ፡ ነቲ ብስም ካልኦት ሰባት ዘካይዶ ንግድን ወፍርን፡ ኣብ ኡጋንዳ ጓሉ ኣቐሚጡ ይቆጻጸሮ።

ፊሊጶስ ናብ ስርሒት ዞባ 5 (ኣስመራ) ምስ ተቐየረ ይኹን ቅድሚኡ፡ ዳርጋ ኩሉ ሃብቲ ሃገር እንተላይ እቶም ብኣውራጃነትን ወገንን ትኸስዎም ዘለኹም፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኢዮም ዝመሓደሩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ጀ/ል ፊሊጶስ ዘይፈልጦ ስራሕ ወይ ‘ንጀ/ል ፊሊጶስ ዝብድህ ካልእ ጀነራል ኣሎ’ ንምባል ዝሕሰብ ኣይኮነን። ነዚ ብወገንን ኣውራጃን ተቖማጥዕዎ ክስታት ከኣ ብዘይ ኣፍልጦ ጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ ዝግበር ኢልኩም ከተእሙኑና ኣይትኽእሉን ኢኹም። ከምዚ እንተኾይኑ ከኣ ጀነራል ፊሊጶስ ‘ሸያጥ ኣውራጅኡ’ ኢልኩም ክትከስዎ እንታይ ተሪፉኩም።

2. መጀር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፡- ተኽለ ማንጁስ ኣብቲ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ክልተ (2) ኣብ ዝነበረሉ እዋን - ካብ ዝተሃገረ ወርቂ፡ ብረሻይዳን ሃረንድዋን ካብ ዝካየድ መሸጣ ኣጽዋር፡ ኣብ ርብዳ ንተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን (በጃ) ዝግበር ዝነበረ ካብ ናይ ሽኮርን ፊኖን ሓገዝ፡ ምስ መብሩክ ሙባረክ ሳሊም ዝተባህለ ሱዳናዊ (ረሻይዳ) ዝነበሮ ናይ ረብሓ ምትእስሳር፡ ብኣፍልጦ መንግስቲ ናብ ረሻይዳን ሕዝቡላህን (ሊባኖስ) ዝለኣኽ ካብ ዝነበረ ኣጽዋር ዝርከብ ኮሚሽን፡ ካብ ምስግጋር ዜጋታትን መሸጣ ሰባትን ካልእን ዝነበሮ ኣታዊታት፡ ኣብ ትሕቲ ስርሒት ዞባ ሓደ - ምክትታል ዶባት፡ ካብ ቃሮራ ክሳብ ግርማይካ ተዘርጊዞም ካብ ዝነበሩ ንቑጣታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ቤት ማእስርቲ ዜጋታትናን፡ መሸጣ ሰባትን ኮላሊት መንእሰያትናን ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ከም ዝኣከበ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓው ኢሎም ተዛሪቦሙሉ ኢዮም። ብመንገዲ በዓል ነብሲ-ሀር ሳምሶም ወዲ ቀሺን ዘርእጋብርን ኣብ ንግድን ወፍርን ተዋፊሩ ምንባሩ’ውን ይዝረብ ኢዩ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግምባር (ዞባ ዓንሰባን ጋሽ ባርካን) ኮይኑ፡ ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ዘሎ ምምሕዳራዊ፡ ጸጥታዊ ኮነ ሃብቲ ሃገር ክቆጻጸር ምሉእ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ኢዩ። ካብ ኢማራት ተገዚኡ፡ ኣብ ባጽዕ ተራጊፉ፡ ብባርካ- ብመንገዲ ራሻይዳ ምስ ሃብታማት ሱዳናውያን ብምምሽጣር፡ ብኮንትሮባንዶ ናብ ሱዳን ዝሽየጥ ዝነበረ ሽኾር፡ ኣልኮላዊ መስተን ኤለክትሮኒክ ኣቑሑትን ብመንገዱ ኢዩ ክካየድ ጸኒሑ። ካብዚ’ውን እዚ ዘይበሃል ሚልዮናት ገንዘብ ከሲቡ ኢዩ። ካብ መሸጣ ዝዓነዋ ተሽከርከርትን ሓጻውንን ዝኣቱ ሚልዮናት ዶላር ብመንገዱ ይካየድ። ‘ንሰለስቲኦም ደቁ ነናቶም ሓደስቲ መካይን ገዚኡሎም’ ተባሂሎም ካብ ዝሕመዩ መኮነናት’ውን ሓደ መጀር ጀነራል ተከለ ክፍላይ (ማንጁስ) ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ግን ብጩቚ ኣይበልኩምን !!! ስለ ምንታይ? ኣርእስትኹም ብልሽውና ዶ’ኸ ኣይኮነን?

3. መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡- ተኽላይ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢዩ። ናብ ዱባይን ምብራቕ ኤውሮጳን ብቀጻሊ ዝገይሽን ኣብ ምግዛእ ኣጽዋርን ምንቅስቓስ ሸርፊ ወጻኢን ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ እሙን ጀነራል ከኣ ኢዩ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር፡ ሓላፊ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓላፊ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ኣቦ መንበር ማእከል ስልጠናን ምትሕግጋዝን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ብመንገዲ ነብሲ-ሀር ሃብታም ነጋዳይ ፍቕረ ዓንድማርያም ይሰርሕን ገንዘብ ይእክብን ምንባሩን፡ ኣብ እዋኑ ተገሊዱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መጀር ጀነራል ተኽላይ፡ ንብዙሕን ሰፊሕን መሓውራት መንግስታዊ ቀረብ፡ ገለ ካብኡ- ትካል ቀረብ መግቢ ሳዋ፡ ክፍሊ ልምዓት መዓስከር ምሕደራ ሃብቲ እንስሳ፡ ኩባንያ ህንጻ ሳዋ፡ ብስም ዋርሳይ ይከኣሎ ዝዕመሙ ስርሓት፡ ኣብ ጋሽ ባርካ (ሞሎቨር)ን ኣብ ሂምቦልን ናብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ዝውዕል ጠለባት፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ንዝስራሕ ሃንገራት፡ ናይ ዚንጎን ሓጻውንን ቀረብን ብቐጥታ ብትእዛዝ መጀር ጀነራል ተኽላይ ብመንገዲ ነብሲ-ሀር ፍቕረ የካይዶ ነይሩ። መጀር ጀነራል ተኽላይ ካብቲ ኣታዊታት ብዙሕ ገንዘብ ተመቒሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገለ ክፋል ካብቲ ኣብ ሕሳብ ፍቕረ ዝነበረ 347 ሚልዮን ናቕፋ’ውን ናቱ ናይ ወዲ ሃብተስሉስ ምንባሩ ኣብ እዋኑ ተገሊዱ ኢዩ።

እቲ ብመንገዲ ነብሲ-ሀር መጀር ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንድማርያምን (ዉጩ) ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶምን ተሰሚሙ ተቐቲሉ ዝበሃል ፍቕረ ዓንድማርያም፡ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ናይ እዋንና ጎባልል ጀነራላት ብዝነበረ ውድድር ከም ዝተቐትለ፡ ኩሉ ህዝቢ ኣስመራ ይዛረበሉ ነይሩ ኢዩ። እሞ ኣወሃሃድቲ ዜናታት መድረኽ፡ እዚ’ኸ ኣውራጃዊ ሕማም’ዶ ቁጠባዊ ረብሓ? ሎሚ’ውን ናይ ቀረባ ዓርክን መኻይድን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፡ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቀረባ ዓርክን መዓልልትን ኢሰያስ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀነራል ተኽላይ፡ ቁጠባዊ ኮነ ጸጥታዊ ኩነታት ኤርትራ ዝርሕቆ ኣይኮነ። እዃ’ድኣ መሬት ሓረስቶት ከባቢ ኣስመራ መንዚዑ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መዓላ ዘውዕልን፡ ብኣባላት ሓይሊ ኣየር ከም ዘስርሖን ይንገረና ኣሎ። መድረኽ - ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ኣይበልኩምን። እሞ ንሒፍኩሞ ድኹም ወይስ ከም መሻርኽቲ ክትጥቀምሉ?

4. ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን)፡- ኣብ ብልሽውና ነዊሕ መሓውራት ዝነበሮ ዓፋን፡ ካብ ናይ ፖሊስን ጸጥታን ህንጻ ደቀምሓረ ካብ ዝተሰልዐ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከም ዝሰረቐ፡ ኣባላት ፖሊስ ብወገንነትን ብረብሓን የጣይስን የፋኑን፡ ብምስምስ ጥዕናዊ ጸገም ናብ ወጻኢ ክገሹ የፍቕድ ምንባሩ፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ፡ ወዲ ሊቀ፡ ሌ/ኮሎነል ብርሃነ ተስፋማርያም፡ መጀር ኣስመሮም ኣስጎዶም ፍሉይ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ከም ዝነብሮ፡ ኣብቲ ዘረፋን ጸይቅን ንገለ መቕርቡ- ክስዕብ ካብ ዝኽእል ተሓታትነትን ሓደጋን ንምኽዋል ይጽዕር ምንባሩ፡ ገለ ወገናት ኣብ ዝጸሓፍዎ ጸብጻባት ተገሊጹ ኣሎ። ከም እሙን ኣገልጋሊ መጠን ሕጂ’ውን ሓለቓ ስታፍ ምብራቓዊ እዚ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈረ መኮነን ኢዩ።

ነቲ ምስ ፊሊጶስን ተኽላይ ሃብተስላሴን ወጊኑ ዝሃብተመ መንእሰይ ፍቅረ ዓንድማርያም፡ ብመርዚ ተሰሚሙ ንኽቕተል ዘወሃሃደን ዝመርሐን’ውን፡ ናይ ሽዑ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ - ብርጋደር ጀነራል ዓፋን ምዃኑ ኣብ ግዜኡ ኩሉ ሰብ ተዛሪቡሉ ኢዩ። መድረኽ ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ኣይበልኩምን!!!! መበገሲ ናይቲ ቅትለት’ከ - ኣውራጃ’ዶ ቁጠባ? መልሲ ካባኹም !!

5. ነብሲ-ሀር መጀር ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንድማርያም፡- ዉጩን ተኽለ ማንጁስን ክልቲኦም ምስ ሚድያን ሆተል ኮሚሽን ክግበረሎም ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ይዝረብ። ዉጩ ንተወለድቲ ሓማሴን ብፍላይ ንተወለድቲ ካርነሽም፡ ኣያ ኮይኑ ይሕግዞም ምንባሩ፡ ናብ ስርሒት ዞባ ክልተ (ዞባ ጋሽ ባርካ) ምስ ተቐይረ፡ ጥዕንኡ ኣመኽንዮም ናብ ስርሒት ዞባ 5 (ኣስመራ) ክምለሰሎም ዝሓተቱ ደቂ’ቲ ከባቢ ምንባሮም፡ ካብ ካርነሽም ዘይኮኑ ደቂ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን፡ ምስ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ይተሓብብሩ ኣለዉ’ ተባሂሎም ይውንጀሉ ምንባሮም’ውን ሰሚዐን ኣንቢበን ኣለኹ።

ነብሲ-ሄር መጀር ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንድማርያም (ዉጩ) ኣብ ዓድታት ኣከለጉዛይ ዝዛረቦ ዝነበረ ዘይእርኑብ ዘረባታት ኣይበጽሓኩምን ኣይብልን። ሰማዕቲ ግን ኣብ ከምዚ ናታትኩም ደረጃ ወሪዶም ምስ ዓዱን ኣውራጅኡን ኣየተኣሳሰሩዎን። ንሳቶም “ንስኻ ኣይኮንካን ገበነኛ፡ ንዓኻ ክንድዚ ዝኣክል ስልጣን ሂቡ ናብዚ ዝሰደደካ ሰብ ኢዩ ጌገኛ!!” ኢሎም ኢዮም መሊሶሙሉ። መጀር ጀነራል ዉጩ ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ዝዛረብ ዝነበረ ከኣ፡ ዓሻ ስለ ዝኾነ ወይ ስለ ዘይፈልጥ ዘይኮነስ፡ “በል” ተባሂሉ፡ ወይ ተላኢኹ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ ኢዩ። መድረኽ ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ኣይበልኩምን፡ ስለምንታይ? ብዛዕባ ዓድን ኣውራጃን’ዶ ኣይኮንኩምን ትዛረቡ ዘለኹም !!! ንሕፈት’ዶ ግድፈት?

ኣዳለውቲ ዜናታት መድረኽ - ብዛዕባ ብትሕተ ሃገራዊ ስምዒት ሰባት ምፍልላይ ትዛረቡ እንተሊኹም ድኣ፡ ንመልኣከ ወዲ ፊተውራሪ ናበይ ገዲፍኩሞ? ብዛዕባ ገበናት ትዛረቡ እንተሊኹም’ከ ነቲ ንስንኩላን ኲናት በተመልከተልይ ዝቐዘፈ ፍጹም ወዲ መምህርን፡ ሰብ ብምርሻን ዝፍለጥ ሓረጎት ፍርዙንን ናበይ ተረሲዕም? ወይ ንምንታይ ተናሒፎም? እቶም ንወታደራዊ ስርሓት ዘይኮነ፡ ናይ መራሒኦም ገዛውቲ ክሰርሑ ብመኪና እናኸዱ ከለዉ፡ ኣብ መንጉዳ ተገምጢሎም ዝጠፍኡ መንእሰያት ኤርትራ’ኸ? ብዛዕባ ኣውራጃን ወገንን ትዛረቡ እንተሊኹም’ከ በቶም ኣብ ባር ውሪሕሪሕ ዝራኸቡ ዝነበሩ መኮነናት ምክልኻል፡ ኣስማት ኣውራጃታትን ከባቢታትን እናልዓልካ ዝግበር ዝነበረ ምክሽማሽ ንምንታይ ብጩቕ ዘይበልኩም? ከም ዓለውቲ ኢሰያስን ናይ ሓዋሩ መሻርኽትን ስለ ትጽበይዎም ዶ’ኾን ይኸውን? መልሲ ናባኹም መድረኽ!!!

ኣብ 4ይ ክፋል የራኽበና

ታደሰ ኪዳነ
ቢርሚንግሃም (ዓባይ ብሪጣንያ)
21 February 2018


Share with friends:


See also recent Articles by Tadese Kidane:


See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር: