ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 4ይ ክፋል

24/01/2018 19:55 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

4ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


4ይ ክፋል

እቲ ካልእ ዝገርመኒ ድሕሪ 30 ዓመት መሪር ገድሊ: መስተንክራዊ ገድላዊ ሂወት ኣሕሊፍካ ሉዑላዊት ኤርትራ ከም ህዝብና ሃገረይ ንብላ ሃገር ምስ ሃለወትና። እተን ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ዝዘኽተማ፣ ኣዴታትና ብዘይ ጠዋሪ ተሪፈን ክንሰን፣ ገና ዝወደቐ ከየልዓልና፣ ሓላፍነት ስውእ፣ ወለዲ ስውኣት ከይደበስና። ዓዲ ፍትሒ፣ ዓዲ ቅዋም፣ ዓዲ ምህኒ-ሚህን፣ ዝበደለ ዝኽሕሰሉ፣ ዝተበደለ ዝካሓሰሉ፣ ገና ኣብ ሂር ዘለ ዑሙር ጓይላ ተጸሚድና እንከለና፣ ገና ቁስልና ከይሓወየ። “ህዝቢ ብራዕዲ ዘይኾነ ብሕጊ ዝማሓደረሉ ዘመን” መጺልና ኢልና እንዳተሓጎስና። ዘይሓሰብናዮ ወደቓ-ወዲቑና፣ ብዝተዓጻጸፈ እንደገና ኣዴታት መኻናት ክኾና ተፈሪደን። መንእሰይ ተወር ኢሉ ዘይንቀሳቐሰላ ሃገር ተረኪብና። ሕጊ ኣልቦ፣ ብስርዓት ዘይኾነ ብዓመጽ ዝልለይ ተቐቢሉና። ኣፈታትሓ ጸገምና ጎነጽ፣ ትካላት ኣፊሪስካ ምኡዙዝ ሕብረተሰብ ንክህልወና ተፈሪድና። መከራና ዘየብቅዕ ዘሕዝን ፍጻሜ ናይ ዘመንና ኾይና ተሪፍና። ከም ሳዕቤኑ ድማ፣ ማሕበራዊ ቅልውላው፣ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ፓለቲካዊ ቅልውላው ከምኡ እውን ባህላዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ብኸመይ ይሓዊ “ሕንቅል-ሕንቅሊተይ” ኾይኑና ኣሎ ነገሩ። ካብ ሱዳን ጣዕሳ ወረቀት ዝፈረመ 2% ዝኸፈለ ከም-ድላዩ ይንቀሳቐስ፣ ካብ ዓሰብ ወላዲቱ ክርእይ ዝመጸ ድማ ተገፊፉ ዓዲ-ኣበይቶ ይዳጎን፣ ስለዚ ኤርትራ ሃገር-ብሃገራ ቤት-ማእሰርቲ ክትብሃል ይቐልል መስለኒ።

እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ድማ ምቕያር ኣተሓሳስባ ዜጋታት ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ ይመስለኒ፣ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ገለ-ገለ ጉዳያት ክጠቅስ።

• እቲ ሃብታም ውርሻ ኤርትራዊ ኣፍታትሓ ፍልልያት ብባይቶ ዓዲ ኣቢሉ ዝካየድ ዝነበረ ምስ መግዛእቲ እንተላይ ብረታዊ ቓልሲ ንሓርነት ዘበርከቶ ፍልልያት ሓሳባት ኣብ ክንዲ ብልዝብ ጎነጻዊ ኣፍታትሓ ፍልልያት ሳዕሪሩ እነሆ ድማ። ብምስሉይነት ተጎቢጥና፤ ባህላዊ ተሓድሶ የድሊ ኣሎ፣

• ክፉእ እናረኣኻ ስቕታ፡
• ንጉጉይ - ጌጋ፡ ንቕኑዕ - ቅኑዕ ዘይምባል፣
• ንዘይትኣምነሉ ምምእዛዝ፣
• በደልን ተንኮልን ኣብ ከባቢኻ እናተፈጸሙ ዘይምቑጣዕ።
• ንዝኾነ ዘይቑንዕ መትከል- ምቕባል ..
• ምጽዋር... ሞራላዊ ደረት ዘይምህላው .. ..
• ጥፍኣት መንእስያትና ከም ጥፍኣት ህዝቢ ዘይምርኣይ፡
• ሃገር ብሃገራ እንዳጠፍአት .. .. ጥፍኣት`ቲ ውልቀ-ሰብ ጥፍኣት ሃገር ምዃኑ ዘይምርኣይ

ዳሓር ድማ: ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ ንብዓት አደ ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ።

ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ። ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ : ወርቃዊ ዕድል መንእሰያትና ባኺኑ ፡ ገጠራት ኤርትራ ባዲሙ ፡ ወላዲት ወላድ መኻን ኾይና ፡ ቤተሰባት ጸኒተን። እንዳረኤና ስቕ ምባል ዓገብ እዩ። ኣነ ንጉዳይ ሃገረይ ዘይተበገስኩ መን እዩ እሞ ክብገስ፣ ሎሚ እንተዘይ ኾይኑ ማዓስ ድኣ ክኸውን ዝብል መንእሰይ ሎሚ ይሕትት ኣሎ። እታ ትነብዕ ኣደ ስቓየይ በዚሑ ኣይካኣልኩን ትብለና ኣላ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንሞት ከም መርዓ፡ ንስንክልና ከም ስልማት፡ ንኸርተት ከም ተመክሮ፡ ንድኽነት ከም ርእሰ ምርኮሳ፡ ንምእዙዝነት ከም ሃገራውነት እንዳተተርጎመ ናብ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ክውረስ (ኽመሓላልፍ) ንርእዮ ዘለና ጉዳይ እዩ። ነዚ ሃሳይ ኣተሓሳስባ “ውረስ” ክንብሃል ዝተፈረድና መንእሰያት እንተኾይና፣ ኣይፋለይን ሕላናይ ኣይፈቕደለይን ክንብል ክንክእል ኣለና። መርድእ/መስዋእቲ ደቃ ዝተነግረት ኣደ ንብዓት/መልቀስ ኣየድልን፣ ኣብ ክንድኡ ዕልልታ ደኣ ደርጉሕዮ ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን። ነዚ ትቕበል ወላዲት ኣላ ክብል ብርግጽ ይኸብደኒ! ወዳ ቐቢራ ትዕልል ኣላ ኢለ ክኣምን ዝካኣል ኣይመስለንን መዓስ እሞ ከልቢ ቐቢራ።

ምናልባት ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይኹና ወደን ክቕተል ንሰን ትቑነና ዝተደረፈ ነዚ ዘመን ከይከውን የብለካ ወይስ ዘመን ንጉሰ እውን ከምዚ ዘለናዮ እዩ ኔሩ ኢልካ ክትሓትት ይቕስበካ። ብፍላይ እተን ኣብ ስደት ዝነብራ ኣዴታት፣ ንሱ ንሕና ዝብላ ዘለዋ ምስ ምንታይ ኮን ይቑጸራ።

እዘን ንኡሳት ኣሓትና እውን ዋጋ ኸርተት ቀዳሞት ኽብረት ዳሕረዋት ኽከውን ኢዩ ዝግባእ። ብዕደመ ኣቦታተን ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብስም ሃገራዊ ኣገልጉሎት ተባሂለን፣ ከም ከደምቲን፣ ኣንስቶምን ነውራም እንስሳዊ ስነምግባሮም ካብ ሙዃን ኣየምለጣን። ዳርጋ መብዛሕተኤን ሞራለን ተሴሩ መጻኢ ሂወተን ተበላሽዩ ኣይሓዳር ኣይትምህርቲ ኾይነን ዝተረፋ ቡዙሓት እየን። እዚ ከይኣክል እውን ካብ’ዚ ሓሳረ-መከራ ከምልጣ (እንተላይ ደቂ ተባዕትዮ ደሚርካ) ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ስርቂ-ኣካላትን፣ ሞትን፣ መጭወይቲ፣ ዕጭኦም ኮይኑ። ብማዕከናት ዜና ሃገሮም 371 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜድተራንያን ተቐዚፎም ክትብል ቲቪ-ኤረ ንህልቂት ኤርትርውያን የሕዋትና ዘርዳኣትና ተዘክሮ ትማሊ እኮ እዩ። ሎሚ እውን ዓለም ብዓለሙ ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ከም ባሮት ዝሽየጥሉ ዘሎ ዘመን እኮ ኢና በጺሕና።

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድማ እዚ ዘይወግሕ ዝመስል ጸልማት ደልሃመት፡ ጽባሕ ክወግሕ ሙዃኑ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ነባሪት ሃገር ደኣ እምበር ነባሪ ወዲ ሰብ ስለዘየለ። ግን እቲ ዝገድፎ በሰላ ብቐሊሉ ክሓዊ ወይ ክጽገን ዝኽእል ዓይነት ኣይኾነን። ሓንጎል ወዲ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ኣደራዕ ዝወርደን ዘሎ ደቂንስትዮና ኣሓትና ጽባሕ ንጉሆ ኣዴታት ክኾና ሙዃነን ክንስሕቶ የብልናን።

እቲ መንገዲ ሎሚ እንተዘይተጸሩጉ ጊዜ እንዳነውሔ ምስዝኸይድ፡ ናይ ወለዶ ጋግ ፈጢሩ ክጽገን ኣብ ዘይክእለሉ ኣጻጋሚ ኩነት ምስ በጽሔ ግና ጥዑይ ሕብረተሰብ ክህልወና ይክእል ዶ? ዝብል ሕቶ ኩልና ኣብ ኣእሙሮና ከነሰላስሎን ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ዘለና ጉዳይ ይመስለኒ። እቲ ሎሚ ንጽዕሮ ጻዕሪ ወይ ድማ ንሃልኮ ዘለና፣ ድማ ኸንቱ ኾይኑ ከይተርፍ ምጥንቃቕ የድልየና ኣሎ። ንለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ መንእሰይ (ወዱን ጓሉን) ሞተረ ለውጢ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ብፍላይ ደቂንስትዮ ድማ መንኮርኮር ለውጢ ሙዃነን ክዝንጋዕ የብሉን።

ይቕጽል ናብ 5ይ ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?