06/10/2024 00:05 AM
ሓዳር የኽብር፡
ፍትሕ የነውር
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ሓዳር የኽብር፡ ፍትሕ የነውር፡
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን።
ሎሚ ሰንበት፡ ኣብዛ ብርኽቲ መዓልቲ፡
ስምዑ ዝፈታሕኩም፡ ክነግረኩም ሓንቲ፡
ስምዓ ዝፈታሕክን፡ ክነግረክን ሓንቲ፡
ስምዑ ዘይፈታሕኩም፡ ክነግረኩም ሓንቲ፡
ስምዓ ዘይፈታሕክን፡ ክነግረክን ሓንቲ፡
ብዛዕባ ቃልኪዳን፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡
ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ፡ ዘይበርስ ሃብቲ፡
መንፈሳዊ ህያብ፡ ናይ ሂወት መብራህቲ፡
ናይ ዘለኣለም ርስቲ፡ ዘይፈርስ ሓወልቲ፡
ኣብ ደቂ ሰባት ዝጸንሐ፡ ገና ካብ ጥንቲ።
ባህሊ ናይ ዓድና፡ ዝጸንሐ ዝተለምደ፡
ሸውዓተ-ሳዕ ዕልል ይበሃል፡ ወዲ ምስ ተወልደ፡
ወይ ክኸውን ሰብኣይ፡ ወይ ክኸውን ዕደ፡
ተመስኪሩ ይረኤ ኣሎ፡ አብ ሓደሓደ፡
ኣብ ገለ ኣንስቲ'ውን፡ ኣሎ ዝተጋህደ፡
ኣብ ክልቲኡ ጾታ ኣሎ፡ ሱር ዝሰደደ፡
ሰበይቲ ትሕንግድ፡ ሰብኣይ ምስ ሰወደ፡
ዕድመ ምስ አእምሮ፡ ጨሪሱ ዘይተዛመደ፡
ተግባራት ይፍጸም፡ ፍጹም ዘይተናእደ፡
ኣብ እርጋን ዕድሚኡ፡ ሰብኣይ ምስ ዓበደ፡
ከም ሽማግለ መጠን፡ ኸቢሩ ዘይተኣበደ፡
ኣብ ክንዲ ሓዳር ዘኽብር፡ ስዲ ዝኸደ፡
ሓዳሩ ኣፍሪሱ፡ ቆልዕቱ ጠሊሙ ዝሓንገደ፡
ካብዚ ዝኸፍእ፡ እንታይ ኣሎ ዝገደደ፡
እስቲ ሕሹኽ በልዎ፡ ገለ እንተ ሰንበደ፡
እቲ ኣባታዊ ሓላፍነት፡ ገለ እንተወሰደ።
ሓዳር ክበሃል፡ ምስክር ናይ እምነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ምልክት ናይ መንነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ምስጢር ናይ ሂወት፡
ሓዳር ክበሃል፡ በረኸት ናይ ምሕረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ማህደር ናይ ስምረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ መስፈር ናይ ዓወት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ዋሕስ ናይ ሓድነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ መፍትሕ ናይ ቅሳነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ መንፈሳዊ ዕግበት፡
ሓዳር ክበሃል፡ መገዲ ምድረ ገነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ጸዋሪት ንእስነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ዓቃቢት ንብረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ቃል ኪዳን ሕላገት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ፍቅሪ ኣብነት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ስድራ ቤት ጥምረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ወለዲ ክብረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ልቦና ብስለት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ሃገር ሰረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ መነባብሮ ሕመረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ በተሰብ ሕብረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ናይ ሕብረተ ሰብ መሰረት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ተኻሊት ወሎዶ ዓሌት፡
ሓዳር ክበሃል፡ ተካኢት ደቂ መሬት፡
ሓዳር ዝዘረግና፡ መዛኑና ንመልከት፡
ሓዳር ንግበር፡ ወጊድ ንበሎ እቲ ዕብደት፡
ሓዳር ክትከል፡ ክንምለስ ናብ ናይ ደቅና ቤት፡
ካብ ሓዳር ዝበለጸ የለን፡ ናይ ደቂ ሰባት ድልየት።
ፍትሕ ክበሃል፡ ምልክት ናይ ክሕደት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ምስክር ናይ ጥልመት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ መለለዪ ናይ ሕስረት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ መፍደዪ ናይ ክፍኣት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ መበገሲ ናይ ህዉከት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ መገዲ ጥፍኣት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ መግለጺ ኣንነት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ማሕበራዊ ውርደት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ስግደት ናብ ጣኦት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ጉዕዞ ናብ ድኽነት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ቃልኪዳን ግህሰት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ሕልና ሕልፈት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ስነ-ምግባር ውድቀት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ሰብኣይ ንዕቀት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ሰበይቲ ቅልለት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ምስትውዓል ስእነት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ስድራ ቤት ድፍረት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ፍኹክር ምድሪ-ቤት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ናይ ቆልዑት ዕርቃነ-ጥሜት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ንዓይ ጥራይ፡ ይጥዓመኒ ማለት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ጎደሎ ሕድገት፡
ፍትሕ ክበሃል፡ ኣብ ቅድሚ እምላኽ፡ ሕፍረት፡
ናብ ሓዳርና ንመለስ፡ መሬት ከይጸልመተት።
ኣበይ ከደ ሕጊ፡ ኣበይ ከደ ፍርዲ፡
ኣበይ ከደ ፍቅሪ፡ ኣበይ ከደ ሕድሪ፡
ኣበይ ኣተወ ሓቂ፡ ኣበይ ኣተወ ዕርቂ፡
ኣበይ ኣተወ ጽምዲ፡ ኣበይ ኣተወ ዕጥቂ፡
ኣበይ ኣበለ እምነት፡ ኣበይ ኣበለ ክብረት፡
ኣበይ ኣበለ ትምኒት፡ ኣበይ ኣበለ ስኒት፡
ኣበይ ኣበለ ለውሃት፡ ኣበይ ኣበለ ብልሓት፡
ኣበይ ኣበለ ሓልዮት፡ ኣበይ ኣበለ ሕውነት፡
ዝፈታሕካ ተረዳእ፡ እቲ ናትካ ጉድለት፡
ዝፈታሕኪ ተረድኢ፡ እቲ ናትኪ ፍሽለት፡
ሓዳር ክትከል፡ የድሊ... ምሉእ ሓላፍነት።
ኣብ ፍትሕ ዘሎ ሰሓቦ ጉተቶ፡ ምትህልላኽ፡
ኩናት ሕድሕድ ተወሊዑ፡ ሓዳር ካብ ዝህሞኽ፡
ኣብ ቤተ-ሲኦል፡ ሓዳር ካብ ዝናዋሕ፡
ፍትሕ ይውሰድ፡ ከም ኣማራጺ ፍታሕ፡
ሳዕበናቱ ብዙሕ፡ ሓዳር ይብል ፋሕፋሕ፡
ቆልዑ ይህሰዩ፡ ጸገማቶም ይባዛሕ፡
ኣቦ ኣይርከብን፡ ኣብ ድራር ኣብ ምሳሕ፡
ካብ ምፍታሕ፡ ይሓይሽ ጸገምካ ምፍታሕ፡
ምርድዳእ ይምረጽ፡ እቲ መንፈሳዊ ስራሕ፡
ናብ ሓዳር ምምላስ፡ ብጣዕሳ ብምንሳሕ፡
ቤተ-ክርስትያን ጻዕሪ ትግበር፡ ፍትሕ ከይራባሕ።
ሓዳር እንተሰመረ፡ ንፍትሕ ኣይዕንደርን፡
ሓዳር እንተዓመረ፡ ንፍትሕ ኣይዕንተርን፡
ሓዳር እንተመቀረ፡ ንፍትሕ ኣይፍከርን፡
ሓዳር እንተሰዓረ፡ ፍትሕ ኣይሰርርን፡
ሓዳር እንተኸበረ፡ ፍትሕ አይወዳደርን፡
ሓዳር እንተኸበረ፡ ቃል ኪዳን ኣይድፈርን፡
ኣብ ሓዳር ዘሎና ንኸብር፡ ኣብ ፍትሕ ዘሎና ንሓስር።
ዝፈታሕና፡ ፋሉል ኮንና ዝተረፍና፡
በረኸት ናይ ሓዳር፡ ገና ከይፈለጥና፡
ናይ ሓዳር ላዛ፡ ገና ከየስተማቐርና፡
ምጽዉዋር ከም ዘድሊ፡ ገና ከይገመትና፡
ንምርርዳእ እኹል ግዜ፡ ገና ከይሃብና፡
ኣብ ደቅና ዝፍጠር፡ ጸገም ከይዘከርና፡
ብስምዒት ተደሪኽና፡ ሓዳር ዘፍረስና፡
ሓዳርና ክበሃል፡ ጸወታ'ዶ መሲሉና፡
ሓላፍነት ይሓትት፡ ብወገን ኩላህና፡
ሓዳርና ክጸንዕ፡ ራህዋ ዘምጽኣልና፡
ግርማ ዝህበና፡ ቆልዑትና ሓቚፍና፡
ቁም-ነገር ዘለዎ፡ ክኸውን ሂወትና፡
ካብዚ ንላዕሊ፡ እንታይ'ሞ ክንገረና፡
ዓበይቲ ሰባት፡ እርጋን ዘርከበና፡
ቀልጢፍና ንሕሰበሉ፡ ብዛዕባ ሓዳርና፡
ኣብዛ ዝተረፈት ዕድመና፡ ሓዲግ ከይተረፍና።
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ መንፈሱ ሓላል፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ መንፈሱ ሰንፈላል፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ግርማ ዝዓሰሎ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ናብርኡ ጎደሎ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ወደይ ጓለይ ይብል፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ እንታይ ኢሉ የዕልል፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ገዝኡ ይዕንገል፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ይኸይድ ናብ ሆቴል፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ብግርምኡ ይልለ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ካብ ሰቡ ይፍለ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ቤቱ፡ ዝዓሰለ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ፈቖድኡ፡ ይእለ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ይነብር ተኣቢዱ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ይነብር፡ ተዓኒዱ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ኣድራሻኡ ፍሉጥ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ኣድራሻኡ ልዉጥውጥ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ቁምነገር የዘንቱ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ የጥፍእ ንዋቱ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ወጅሁ ወዛም፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ወጅሁ ፈሳም፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ሓድጊ ይገድፍ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ገደል ይጸድፍ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ንምኽሪ ይጽዋዕ፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ መፈጠሩ ይርሳዕ፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ይስከም ሓላፍነት፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ ተሰካሚ ሕምዬት፡
ሓዳር ዘለዎ ሰብ፡ ብጽቡቕ ይጥመት፡
ሓዳር ዘይብሉ ሰብ፡ መን ተባሂሉ ይግመት፡
ሓዳር ዘኽበረ ሰብ፡ ምስጋና ይረክብ፡
ሓዳር ዘሕሰረ ሰብ፡ መከራ ይጸግብ፡
ስነ-ስርዓት ይጎድል፡ ካብ ኣትዓባብያ፡
ሓዳር ይፈርስ፡ ካብ ኣታኣላልያ፡
ሓዳር ይጸንዕ፡ መንፈስ ቁዱስ ዝወረሰ፡
ሓዳር ይፈርስ፡ ስርዓተ-ሕጊ ዝጥሓሰ፡
ብሃይማኖት ንመላለስ፡ መንፈስና ክቕደስ፡
ንሓድሕድና ንመላላእ፡ ሓዳርና ክሕደስ።
ሱዳናውያን፡ ብዕድመ ዝበሰሉ፡
ብዛዕባ ሓዳር፡ እንታይ ኢሎም ይምስሉ፡
ኣልዒሪስ፡ ዓማር ኣልበለድ፡
ኣልመርኣ፡ ጃበት ኣልወለድ፡
ኣብ ትግርኛ፡ ብግጥሚ መልክዕ፡
ይትርጎም ክምዚ ተባሂሉ፡ ልክዕ፡
ሓዳር - ሃገር ኣማዕበለት፡
ሰበይቲ - ውላድ ኣምጽአት።
ክንድሰብ ኮንና፡ ከም ሰብና ዝመሰልና፡
ብወግዒ ተመርዒና፡ ሓዳር ዝገበርና፡
ቆልዑትና ሓቚፍና፡ ኣብ ሙውቕ ሓዳርና፡
ብምርድዳእ፡ ግርጭታትና እንዳፈታሕና፡
ብሰላም ክንነብር፡ ምስ ኣሕዋትና ኣሓትና፡
ሰናይ ሂወት ከነሕልፍ፡ ኣምላኽ ይርድኣና።
እዚ ኩሉ ዝተባህለ፡ እንተ-ዘይተረዲኡካ፡
ሓቅኻ ኢኻ፡ ክትነብር ኮብሊልካ፡
ኣምላኽ ባዕሉ፡ ዓገብ ይበልካ፡
በዚ ኹሉ ዝተባህለ፡ እንተ-ዘይዓጊብኪ፡
ሓቅኺ ኢኺ፡ ክትዘርጊ ሓዳርኪ፡
ኣምላኽ ባዕሉ፡ ምሕረት የውርደልኪ።
ብዝተረፈ ካህናት ኣቦታት - ሓደራ ዝብለኩም፡
ብዛዕባ ቃል ኪዳን - ቀጻሊ ተዛረቡ፡ ኣብ ስብከትኩም።
ንዘክር፡ ቃል ኣምላኽ፡
ሰብኣይ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡
ምስ ሰበይቱ ኸኣ፡ ይጣበቕ፡
ክልቲኦም ኸኣ፡ ሓደ ስጋ ይኾኑ።
ማቴዎስ 19:5:!
ክብርን ምስጋናን፡ ንልዑል ኣምላኽና!
ራህዋን ሰላምን፡ ንሓላል ህዝብና!
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ፡ ኣብ ኩላህና!
ሓዳር ይከበር፡ ከይድፈር ቃል ኪዳንና።
ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን።
ሕ.መ.ኣ.
ሰንበት፡ 06 ጥቅምቲ 2024
ኣንባቢ፡- ዮውሃንስ ጸጋይ።
See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:ካልኦት ጽሑፋት ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡-
- ዝኽሪ ዝዓበናሉ ባህልና። Memories of our culture where we grew up. ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ትምህርቲ ንህጻን ክሳብ እርጋን። ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ሰላም ኣብ ሂወትና ትንበር! ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ዓመተ ራህዋ ይግበረልና። By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ERITREAN WOMEN IN THE STRUGGLE FOR GENDER EQUALITY AND JUSTICE, By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- WHAT IS OUR NEW YEAR’S RESOLUTION? By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- CHALLENGES IN THE TRANSFER OF POLITICAL LEADERSHIP IN ERITREA By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ENHANCING OUR PARTICIPATION IN OUR ERITREAN PEOPLE’S MOVEMENT
- THE UGLY POLITICS OF POLARIZATION OF ERITREANS IN DIASPORAS
- AN URGENT CALL TO ACTION FROM THE ERITREAN YOUTH LEADING THE WAY
- ABORTING THE POLITICAL ASPIRATION OF THE PFDJ LEADERSHIP
- JOINING THE YOUTH IN SUPPORT OF ‘ENOUGH IS ENOUGH’ MOVEMENT
- THE CHALLENGES OF SUSTAINING THE CONTINUITY OF OUR GENERATIONS
- IN DEFENSE OF THE SURVIVAL OF OUR ERITREAN IDENTITY IN DIASPORAS
- THE PARABLES OF TWO FLYING INSECTS In relation to Eritreans in Diasporas. ምስላ ናይቶም ክልተ በረርቲ ሓሰኻታት፡ ብምዝማድ ኩነታት ኤርትራውያን ዲያስፖራ
- CELEBRATING CHRISTMAS
- A JOURNEY ON A TRAIN OF LIFE FOR PEACE, JUSTICE & HUMAN DIGNITY
- LEARNING TO PERCEIVE THE OBJECTIVE REALITY OF OUR SURROUNDING
- ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር AUDIO
- DOING THE RIGHT THING TO MAKE A DIFFERENCE
- I feel proud whenever I observe that one of us is recognized and honored.
- SUCCESS AGAINST ALL ODDS
- ኤርትራዊ መንነትና ምዕቃብን ምኽባርን ኣብ ስደት
- ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር
- LEARNING TO RESOLVE OUR CONFLICTS THROUGH HUMILITY
- THE LEGACY OF OUR NEW YEAR’S RESOLUTION
- ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከመይ ኣላ?
- THE RISE AND FALL OF SAN GIORGIO SCHOOL
- RESPECTING OUR ERITREAN IDENTITY IN DIASPORAS
- ንሓድሕዳዊ ምክብባር ዝጠቕም ትምህርቲ
- LESSONS TO LEARN TO RESPECT EACH OTHER
- JOINING WOMEN IN THE STRUGGLE FOR THE LIBERATION OF MEN
- ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራ ንኣጠቓቕማ ግዜን
- LEARNING THE VALUE OF MANAGING THE USE OF TIME
- THE CHALLENGE TO BE THE CHANGE TO MAKE THE DESIRED CHANGE
You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:
- 1. Gebremedhin, Tesfa G. and Luther G. Tweeten. Research Methods and Communication in the Social Sciences. Westport, CT: Praeger, 1994.
- 2. Gebremedhin, Tesfa G. Beyond survival: The Economic Challenges of Agriculture and Development In Post-Independence Eritrea. Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 1996.
- 3. D’Souza Gerard and Tesfa Gebremedhin. (eds). Sustainability in Agricultural and Rural Development. Brookfield, Vermont: Ashgate Publishers, 1998.
- 4. Gebremedhin, Tesfa G. And Peter V. Schaeffer. Leadership Challenges for Effective Management. Dublin, Ireland: Blackhall Publishing, 1999.
- 5. Gebremedhin, Tesfa G. Women, Tradition and Development: A Study of Eritrea. Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 2002.
- 6. Gebremedhin, Tesfa G. and Gebre H. Tesfagiorgis (editors). Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future. Trenton, NJ: The Red Sea Press, 2008.
- 7. Kahsai, Mulugeta S., Tesfa G. Gebremedhin and Peter Schaeffer. Amenity and Economy: A Spatial Econometric Analysis of the Northeastern United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 8. Mojica, Maribel, Tesfa G. Gebremedhin and Peter Schaeffer. Entrepreneurship and Economic Development Econometric Analysis of the Appalachian Region. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 9. De Sousa-Brown and Tesfa G. Gebremedhin. Small Business and Rural Economic Growth: A County-Level Analysis of West Virginia. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 10. Hailu, Yohannes G., Tesfa G. Gebremedhin and Cheryl Brown. Economic Development: A Spatial Econometric Analysis of the Northeastern United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 11. Bashir, Saima and Tesfa G. Gebremedhin Entrepreneurship zand Regional Economic Development: A Spatial Econometric Analysis of the Northeast Region of the United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2012.
BOOKS CO-AUTHORED WITH MY GRADUATE STUDENT
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።