ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/04/2020 15:15 PM

ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት

ልዑላውነት ኤርትራ ከይድፈር፡ ኤርትራዊ ዜጋ ሓቢርካ መክት
A Call for Concerted Efforts to Safeguard Eritrean Sovereignty

ብ' ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
- ካብ ሕ.መ.ኣ.

ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት

ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት
ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ. By Mr G. Woldemichael.

ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት

ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝጠልቡ ካብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ጉጀለታትን ወል-ቀሰባትን ድምጾም ከስምዑን መግለጺታት ክህቡን ንዕዘብ ኣሎና። ሓዲሽ ቴማ፡ ሓዲሽ ኣምር፡ ስለዝኾነ ክኣ፡ ብዙሕ ሕቶታትን ስክፍታን ክቀላቐሉ ነስተብህል። ግድን ድዩ መንግስቲ ኣብ ስደት ክቐውም ? ንኩሎም ደለቲ ፍትሒ ተቓወምቲ ዝውክል ስሙር ግንባር ወይ ላዕለዋይ ጽላል ብምርጫ ዘይትከል? ዝብሉ ሕቶታትን ኣማራጺታትን ብዛዕባ ዓይነትን ቅርጽን ክቐውም ዘልዎ ላዕለዋይ ውኪል ህዝቢ ይልዓሉ ኣለዉ። ደገፍ ወይ ተቐባልነት ሓፋሽ ህዝቢ ይረክብዶ? መንግስቲ ኣብ ስደት ምቛም ሕጋውን ምኽኑይን ድዩ? ካብ 5 ክፍለ-ዓለማት- ኣፍሪቃ ኤውሮጳ ኣስያ ሰምየን ኣመሪካ ኣውስትራልያ - ተበታቲኑ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ውክልና (ማንዳት ምርካብ) ክርከብ ተኽእሎ ኣሎዶ? ዝብሉ ስክፍታታት 'ውን ኣለዉ።

ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት ከም መቐጽልታን ሜላን ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ዝርድእዎ ሰባት ኣለዉ። ስለዚ ክኣ እዩ፡ ብዛዕባ ዓይነትን ቅርጽን ናይቲ ዝቐውም ላዕለዋይ ሃገራዊ ወኪል ምድንጋራት ዝፍጠር ዘሎ። ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት ከም ኣገባብ ሜላ ቃልሲ ጥራይ እንተ ተወሲዱ፡ ብዛዕባ ሕጋውነትን ዘይሕጋውነትን ናይቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክትካእ ዝድለ ዘሎ ስርዓት ምምርማርን ምጽራይን ዘድሊ ኣይመስለንን። ሕማቕ መንግስቲ ብፖለቲካዊ ቃልሲ እዩ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ። በንጻሩ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ግን ብፖለቲካዊ ቃልስን ብምትካል መንግስቲ ኣብ ስደት ጌርካ ደግፍ ካልኦት ሃገራር ሓቲካ ክትቃለሶ ይክኣል እመስለኒ ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ ስለምታይ ሕጋውነቱ ከምዘጥፍአ፡ ስለምንታይ ሕጋዊ መንግስቲ ወይ ወኪል ህዝቢ ከምዘይኮነ ንህዝብናን ብዝያዳ ክኣ ንክድግፋ ዝኽእላ ሃገራት ከነእምን ይግብኣና።

መንግስቲ ኣብ ስደት (መኣስ) ዝቐውም ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ኮይኑ፡ ግን ንኹሎም ምኽንያታት ሓደ ኣገዳሲ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም። ንሱ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ስልጣን ብሒቱ ዘሎ መንግስቲ (ኣምሳይኡ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝትከል) ዘይሕጋዊ ምስዝኾውን እዩ። ክልተ ኣብነታትን ክጠቅስ፣

1. ባዕዳዊ መንግስቲ ንሓደ ሃገር ወሪሩ ብዓመጽን ሓይልን ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይሕጋዊ ምሕደራ ምስዝተክል፡ ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብናዚ -ሂትለር ዝተወራ ሃገራት ኤውሮጳ መኣስ ከቑማ ተኽእሎ ነይሩወን።

2. ብዓመጽን ጎንጽን ዕጡቓት ጉጅለ ደቂ ሓንቲ ሃገር፡ ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ሕጋዊ መንግስቲ ምግልባጥ (coup d'etat) ድሕሪ ምክያድ፡ ዝትከል ዘይሕጋዊ ምሕደራ ተቛዊሙ ዝተባራረ/ዝተሰደ ኣካል ወይ ጉጅለ መኣስ ክምስረት ይክኣል።

መንግስቲ ኣብ ስደት ክቐውም ምኽኑይን ሕጋውን ዝገብሮ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ስርዓት ወይ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ምስዝኸውን እዩ ካብ ተባህለ፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ብኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዘረጋግጹ መርትዖታትን ጭብጢታትን ከነቕርብ ንግደድ። ብዓቕመይን ብእምንቶይን ክቐርቡ ይኽእሉ'ዮም ዝብሎም መርትዖታት እዞም ዝስዕቡ ኣለዉ።

1. ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት (ህግሓኤ)፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ግዚያዊ መንግስቲ (Provisional Government) ተሰጋጊሩ፡ ቀጺሉ ድማ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ (Transitional Government) ተቐይሩ። ብድሕሪኡ ግን ባዕሉ ብዝኣጎዶን ዝጻሕተሮን ኲናትን ካልእ ምስምሳት ናይ ዶብን ሃገራዊ ድሕንነትን ተሓቢኡ፡ ምርጫ ከይገብር ኣብዩ፡ ኣብ ግዚኡ ዘሕለፈ ዘይሕጋዊ ስልጣን-መንግስቲ ተወጢሑ ሸሸ ክብል ይርከብ። ስለዝኾነ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ወይ ስርዓት እዩ።

2. ብወግዒ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝተመዘት ሽማግለ ኣዳላዊት (ኮሚሽን) ቅዋም ዝተነድፈ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ዝዘተየሉን፡ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐን፡ ምልዮናት ገንዘብ ወጻኢ ዝተገብረሉ ሕጋዊ ቅዋም፡ ኢሳይስ ከየተግብሮ ዕጭ ሓንፊፉ ንብዙሕ ዓመታት ተጸብዩ፡ ኣብ መወዳእታ በሽካዕላል ግዜ ዝሓለፎ፡ ዝሞተ ቅዋም ኢሉ ጉሒፍዎ። ስለዚ ቅዋም ሓደ ሃገር ብኢደ-ወነንኡ ዝጎሓፈ ስለዝኾነ ዝይሕጋዊ መራሕ መንግስቲ ይገብሮ።

3. ናይ ብዙሕ ወሎዶታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲን፡ ናይ 30 ዓመታት ልዕሊ 65 ሽሕ ዝተሰውእሉ ብረታዊ ቃልስን፡ ብመግዛእቲ ዝዓነወን ሃገር ተረኪቡ ከብቅዕ፡ ብተወሳኺ ባዕሉ ዝወልዖ ኩናት ዶብ 20 ሽሕ መንእሰያት ሃሊቖም`ሲ፡ "ብዘየድልን ትርጉም ዘይነበሮም ቃልስታት ናይ 3 ወሎድታት ግዜ ብከንቱ ባኺኑ" ብዘስምዕ ቃላት፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከቆናጽብን ከናሹን መን ዘይሰምዐ። ዳርጋ 100 ሽሕ ሂወት ዘጋታት ዝተኸፍሎ ሃገራዊን ህዝባዊን ቃልሲ ዘቃለለን ዝኾነነን፡ እኳድኣ ብኽድዓት ሃገር ዝኽሰስ፡ ብገበን ዝሕተት፡ ዘይሕጋዊ መንግስቲ እዩ።

4. ስርዓት ህግደፍ ኣብ መወዳእታ 90 ታት፡ ናብታ ብውግእ ሕድሕድን ወራር ትሕመስ ዝነበረት ዛይር (Zaire) ናይ ሎሚ ደሞክራቲክ ረፑብሊክ ኮንጎ (Democratic Republic of Congo) ሰራዊት ኤርትራ ከምዝልኣኸ ይዝከር። ንውዕለቱ ክኣ ኣልማዝ (Diamond) ተኸፊልዎ ዝብል ዘይተረጋገጽ ወረ ይነፍስ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሕጂ ድማ "ዋሓጢዮ እንተበልኩዋስ ትጎስመሉ" ከምዝብሃል፡ ባይቶ ኤርትራ ዘይዘተየሉን ዘየጽደቖን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ዘይምልከቶ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መሬት ትግራይ ሸሚሙ የህልቖ ኣሎ። ምኽንያቱ ደማ ወልቀ-መላኺ ኢሳያስ 1) ኣብ ዶብ ኲናት ዘሕፍር ስዕረት ስለዝተጎናጸፈ፡ 2) ተጎቢጡ ዝጸነሐ ልዕላዊ መሬት ሃገርና ባድመ ብሕጊ ይኹን ብሓይሊ ኲናት ከምልስ ዓቕሚ ስለዘይነበሮ፡ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ውርደትን (his ego was hurt and he was holding grudges)ጥሒሉ እዩ ጸኒሑ። ሎሚ ምስ ዶክ ኣቢይ ዘዋፈሮም ደመኛ ጸላእትና ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምልሽያ ክልል ኣምሓራን ተሻሪኹን ተላፊኑን ተሓጋጊዙን ንጥፍኣት መንእሰያት ኤርትራን፡ ከምኡ ድማ ንህዝቦምን መሬቶምን ንብረቶምን ናጽነቶም ክብረቶምን ዝዋግኡን ዝስውኡን ዘለዉ ጀጋኑ ህዝቢ ትግራይን ከህልቕን ከጽንት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። ምስ ሓውን ጎረቤትን ህዝቢ ትግራይ ንወሎዶታት ዘይሃስስ ጽልኢ ይተክል ኣሎ። ስለዚ ብኢደ-ውነንኡ ቅድም ኣብ ዛይር ሕጂ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝገብሮ ዘይሕጋዊ ምትእትታው፡ ንውዕለቱ ገንዘብ ተኸፊልዎ ስለዝኾነ ንሰራዊትና ናብ ዕሱባት ሰራዊት ስለዝቐየሮም (mercenaries) ዘይህጋዊ መንግስቲ ይገብሮ።

ካብ ኣርእስተይ ወጺአ ሓደ ዝገረመኒ ናይ ኢሳያስ ዕሙትን ዘሕፍርን ሞጎተ ኣልዒለ ክዛረብ። ልዕል ኢሉ ከምዝተጠቕሰ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 40 ታት ዝጀመረ፡ ካብ መጀመርያ 60 ታት ክኣ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተሰጋገረ፡ ንኹሉ ደሚሩ "ናይ 3 ወሎዶታት ግዜ ብከንቱ ባኺኑ" ኢሉ መዲሩ ነይሩ። ሕጂ ድኣ እንታይ ኣምጽኦ ኣብዘይምልከቶ ኲናት ኣትዩ ሰራዊትናን ጸጋታትን ሃገርና ብከንቱ ዝጠፍእን ዘባድምን ዘሎ? በየናይ መለክዒ ወይ መምዘኒ እዩ፡ ንናጽነትን ልዕላውነትን ሃገር ምግዳል ከንቱ፣ ቂምካን ቅርሕንትኻን ሕነ ምፍዳይ ግን ወረጃን ሓላልን እዩ ዝብል ስጊንጢር ስነ-መጎተ ከእምነና ዝፍትን ዘሎ? መልሱ ነንበብቲ እሓድጎ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ህግደፍ ስርዓት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዘረጋግጹ እኹላት መርትዖታትን ጭብጢታትን ስለዘልዉ ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት ምኽንዩን ርትዓውን፡ እኳድኣ ግዜ ዘይህብ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ጠቕላሊ ወካሊ መሪሕነት ኣብ ወጻኢ (Diaspora) ብመንገዲ መንግስቲ ኣብ ስደት ክፈጥር እንተክኢሉ።

ኣብቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት፡ ኣብ ኣገባብ ኣተግባብርኡን፡ ተክኒካዊን ትካላውን ዝርዝራቱን ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምልዛብን ከድሊ እዩ። እቶም ተበግሶታት ክምስገኑን ክተባብዑን ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ውልቀ-ሰባትን ኣቀራርብኦም ከጸብቑን፡ ነንሕድሕዶም ክመያየጡን ኣገዳሲ እመስለኒ። ኣብርእሲ'ዚ ብዙሕ ስክፍታ ዘላዕሉ ኣጀማምራን ኣቀራርባን ይኽሰቱ ኣለዉ። ድፍረት ከይመስል እምበር፡ ገለ ሰባት ውዱእ ነገራት ሒዞም ንሰማዒ ርዓሞ፡ ግድን ተቐቦሎ ዝብሉ ዘለዉ (prescripion ) ወይ ምግዳድ (imposition) ይመስል።

ዝክኣል እንተኾይኑ፡ ብዝያዳ ከም ኣሳለጥቲ /መአንገድቲ፡ ኣንጸፍቲ-መሰረት፡ ፈጠርቲ መድረኽ፡ ፈጠርቲ ብህጊ ወይ ጸለውቲ (facilitators, founders, stage creators, inspirers or influencers) ኮይኖም እንተዝቐርቦ ኣድማዒ ምኾነ እመስለኒ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ክግበር ዘሎዎ ዕማምን ኣገባብ ኣተግባብርኡን ዝምልከት፡ በቶም ዝምረጹ ባይቶን ካብኦም እትወጽእ ፈጻሚት ሽማግለ ዝተመዘት ሓይሊ ዕማም ክዕመም እንተዝግደፍ ምሓሸ እብል። ኣብ ዘይግዚኡ ምልዓሉ ምስሕሓብን ምውጣጥን ካልእ ዕንቅፋትን ስለዘኸትል።

ውድቀት ንክድዓት ሃገር

ዝኽሪ ንሰማእታት ሃገርና

ልዕላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም


ገብረየሱስ ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


More Articles by Mr G. Woldemichael ካልእ ጽሑፋት ብ` ገ. ወልደሚካኤል:

Mr. Saleh Ghadi Johar
Seminar about Government in Exile.


SETIT: Press Conference Regarding Eritrean Government In Exile.

ቻርት ብዛዕባ መስርሕ ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት Accesseed on 17 April 2021, Facebook. Source: https://fb.watch/4Yb3z636Qa/


ERISAT: መቓልሕ|ሙቓም መንግስቲ ኣብ ደገ ተግባራዊ ድዩ? ተኽእሎን ብድሆታትን እንታይ እዮም? ኣቶ ሳሚኤል ኣማሃ ኣባል ሓይሊ ዕማም
Part-1 (12 May 2021):

ERISAT: መቓልሕ|ሙቓም መንግስቲ ኣብ ደገ ተግባራዊ ድዩ? ተኽእሎን ብድሆታትን እንታይ እዮም? ኣቶ ሳሚኤል ኣማሃ ኣባል ሓይሊ ዕማም
Part-2 (16 May 2021):


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: