ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ 3ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

04/11/2020 00:57 AM

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና
ንወደብ
3ይ ክፋል

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ።

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ።
3ይ ክፋል
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ብስጋ ዝምድና ዘይብሎም ጓኖት፣ ባህሪኦም ፍሉይ ዝኾነ ምስ ናትና ዘይመሳሰል ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ሃገርና ኣትዮም ንደቂ ዓዲ ኣጥፊኦም መሬትና ወሪሶም ናቶም ናይ ብሕቶም ጥቕምን መነባብሮን ክትከውን ዋኒኖም ክገብሩ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ኩሎም ብምብራቕ፣ ብምዕራብ፣ ብሰምየን ይኹን ብደቡብ ዝመጽኡ ናይ ደገ ጸላእቲ ተባሪሮም ንሕና ደቂ ሃገር ብሰላም ክንነብር መንነትናን ክብረትና ክሕሎ ብሐደ ሐሲብና፣ ብሐደ ተሰሊፍና፣ ብሐደ ዓጢቕና ኣንጻሮም ተዋጊእና ደም ንጹሃት መንእሰያትና ከፊልና ልዕላውነት ሃገርና ማዕረ ካልኦት ናይ ዓለምና ሃገራት ተሰሪዓ ከም እትነብር ጌርና። ዝተኸፍለ መስዋእቲ ክድበስ፣ ዝወረደና ምዝንባል ህዝብን ዝጠፍኤ ንብረትን ክዕረን ክስተኻኸልን ዝገብኦ ዝነበረ ብሐደ ሰብ ኣቐዲሙ ስልጣን ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ክጭብጥ ካብ ቀደም ይሐልም ዝነበረ ድሕሪ ነጻነት ዝተፈላለየ ብቕዱስ ቃላት ዝተሸፈነ ዘይሰርሕ መብጸዓታት ኣብ ቅድሚት ሰሪዑ ብምትላል ቀስብቐስ ላዕለዋይ ቦታ ብምሐዝ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምልኩ ምስ ሐዘ ሃብቲ ሃገር ገቢቱ ድላዩ ይገብር ኣሎ።

ናይ ደገ ጸላኢ ብሐይሊ ወሪሩ ምስ ተቖጻጸረ ምእንቲ ጸጋታት ሃገር ክምዝምዝ ኣቐዲሙ ዘዝበለጸ ቦታታት ኣብ ልዕሊ መድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ማዕድን፣ ኣብ ባሕርን ቀላይን ዝርከብ ሃብቲ ኣለልዩ ዓይነቱን መጠን ብዝሑን ምስ ኣረጋገጸ መገዲ ጽርግያታትን ምድሪ ባቡርን ይሰርሕ፣ ናይ ባሕርን ኣየርን ፖርትታት ይሰርሕ፣ መንበሪ ገዛውቲ ይሃንጽ፣ ናይ ስራሕ ትካላት የቕውም፣ ጉልበት ደቂ ሃገር ይጥቀም። ኣብ ዘይማዕበለ ይኹን ኣብ ምዕቡል ጊዜ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ቀጻሊ ዘዝተመርጸ ኩሉ ሃብቲ ሃገር ጓሕጚሑ ተደለየ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ይሸጦ ተደለየ ንዓዱ የግዕዞ ኣብ ዝደለዮ ይውዕሎ። ምስ እዚ ኩሉ ሐይሉ ናይ ደገ ጸላኢ ዓሻ ኢዩ። ናይ ቛንቛ ጸገም፣ ናይ ባልህን ልምደን ጸገም ኣለዎ፣ እኹል ሐበሬታ ኣይረክብን። ኩሉ ሐይሉ ኣብ ውሱን ቦታ ኣብ ከተማታት ኣብቲ ትካላቱ ዘለዎ ሰፈር ኢዩ ዝዓርድ። ስለዚ ኣብ ማእከል ሃገር ንሱ ዘየመሐድሮ ነጻ በረኻታት ስለ ዝተርፍ ኣንጻሩ ክትልዓል ዝሐብእ ህዝብን ጽኑዕ ሰፈርን ኣሎካ። ኣብ ከተማታት ከይተረፈ ከምቲ ኣብ ጊዜ ገድሊ ብፈዳዪ ሐይሊ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝፍጸም ዝነበረ ቆራጽ ስራሓት ዘስርሕ ጽላል ህዝቢ ኣሎካ።

ናይ ውሽጢ ጽላኢ ግን ከምዚ ኣብ ዓድና እንርእዮ ዘሎና ኣብ ምልእቲ ሃገር ብታሕቲ ታሕቲ ካባኻ ንዓኻ ዝመስሉ ደድሕሪ ሰብ ተሰተስ ዝብሉ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ተጽናትዮም ኣብ ጸሊም ቤት ማእሰርቲ ዘእትዉ ገይሩ ስለ ዝሰርሕ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ሐደ ምስቲ ሐደ ብምጥቛስ እንዳኣጋጨወ ዝነብር ከም ኢሳያስ ብዘይንሕስያ ተመልከተለይ እንዳበለ ኣባታ ዊ ክብርታት፡ ባህልታት፡ ዝነበረ ህንጻታት፡ ጽርግያታት፡ ትካላት ስራሕ ዝምንቁስ ናይ ባሕርን ኣየርን ፖርትታት ዘምክን ሃብቲ ሃገር ገቢቱ ህጻናት ብጥምየት ዝቐትል ሒማቕ መላኺ ኢዩ። ጸላኢ ካብ ወጻኢ ይምጻእ ካብ ውእጢ ሃገር ይፈጠር ኩሉ ጊዜ ጸላኢ ኢዩ፣ ካብ ጸላኢ ጽቡቕ ነገር ክመጽእ ኢሉ ዝጽበ ዓሻ ከም ሰዓቢ ውድብ ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። ኣባላት ህግደፍ ሕፈሩ።

1. ስለዚ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሃለኹም ሃልዉ ነዚ ሕጊ ረጊጹ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት መጨፍጨፊ ስድራኹም ዝኸውን ብገንዘብን ብሞራልን እትድግፉ፣ እዚ ኩሉ ኣብ ህዝቢ ኣብ ውገንኩም ከይተረፈ ዝወርድ ዘሎ ገበናትን ብድዔን ኢሳያስ እንዳፈለጥኩም ውሽጣዊ ስምዒትኩም ቀቲልኩም፡ ሕሙም ሐሳብ ተጻዊርኩም፡ ነብስኹም ኣታሊልኩም ዝገበረ ይግበር ኢልኩም ተተባብዑ ከም ዘሎኹም ክርደኣኩም ኣለዎ። ኣብ ሒቖኹም ተጻዒኑ ዘሎ ሕሰም ቀንጢጥኩም እቲ ቃልሲ ቃልስኹምዩ ኣብ ጎኒ ወገንኩም ተሰለፉ።

2. ገለ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት ካብ ቕድሚ ነጻነት ጀሚረን ዝተቓለሳ ድሕሪ ነጻነትውን ዝተወሰኻኤን ምእንቲ ደሞክራሲን ሕጋውነትን ቖይመን ንሐደ ዕላማ ዝቃለሳ ክንሰን ኣብ ክንዲ ሰሚረን ህዝቢ ጠርኒፈን ቕልጡፍ ውሳነ ኣንጻር ምልካዊ ስልጣን ዝወስዳ ብኣንጻሩ ኣብ ነንሕድሕደን ክወናጀላ ዝነበረን ዕድል ኣቃጺለን። መቐጸልትኡ ድማ ምፍንጫል ተፈጢሩ።

3. ክዝከር ዘለዎ ነቲ ዝነበረ ፍልልያትን ምብዛሕ ውድባትን ዝተዓዘቡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብተን ብምፍንጫል ዝፍለጣ ውድባት ተሰሪዖም ክሰርሑ ከምዘይክእሉ ስለ ተዓዘቡ ሲቪክ ማሕበር መስሪቶም ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዝነበረን ዝፍጸም ዘሎን ግፍዕታት ጠጠው ክብል መሰል ደቂ ሰብ ክሕሎ ይቃለሱ ኣለዉ። ኣብ ዝሐለፈ ዓመታት ብጻዕሪ ውልቀ ሰባት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ናይ ሐባር ዋዕላን ጉባኤን ተገይሩ ግን ጽቡቕ ኣይከደን። ዓቕምን ክእለትን ከሎካ ስለ ዘይሰራሕካሉ ብጉድለትካ መስሐቕ ሸራፋት ምዃንካ ዘይምፍላጥ ካብዚ ዝኸፍእ የለን። ሕጂ´ውን ምትእኽኻብ ጥራይ ዘይኮነስ ከስርሐና ዝኽእል ከነለሊ ኣሎና።

4. ድሕሪ ናይ ኢሳያስ ምስ ጠቕላይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሕታዊ ርክብን ክሕደቱን ምንቕስቓስ ይኣክል ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ዝሐቁፍ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ ከብቕዕ፣ ህዝብና ካብ ኩሉ ግፍዕታት ናይዚ ስርዓት ሐራ ክወጽእ ኩለን ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራት ካብ ተፈላሊኻ ምስራሕ ኣብ ሐደ ተጠርኒፍካ ኣንጻር እዚ ሕጊ ረጊጹ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሐ፣ እቲ ኣስቂጡ ዝነበረ ሰብ ኣብተን ቆይመን ዘለዋ ምንቅ ስቓስ ኣትዩ ግዲኡ ክገብር፣ ዝረኤ ዘሎ ፍልልያት ከብቅዕ፣ ንኩሉ ዝምልከት ናይ ይኣክል ጻውዒት ኣቕሪቡ። እንበኣርከስ ሎሚውን ኮለል ገዲፍና ካብ ጥውጥዋይ መገዲ ወጺእና መልእኽቲ ይኣክል ሰሚዕና ቅኑዕ መገዲ ዓዲ ዘእቱ ሒዝና ነታ ቀንዲ መበገሲት ናይ ኩሉ ምንቅስቓሳት ዝኾነት ሐንቲ ዕላማ ምልጋስ ነቲ ኣብ ክሳድና ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት ምልካዊ ጉጅለ ሐቢርካ ምጉሐፉ ናይ ኩልና ልባዊ ሕልና ኣብ ሐደ ዝተኣከበ ክኽውን ኣለዎ።

ብዙሕ ጊዜ ኣኼባታት ይካየድ ብዓወት ተዛዚሙ ይብሃል፣ ሰላማዊ ስልፍታት ይካየድ ኣብ ሰልፊ ውዒልካ ናይታ መዓልቲ ዕማም ወዲእካ ኣብ ዝነበርካዮ ትም ትምለስ፣ በብጊዚኡ ዝቐረበ ሕቶታት ጥርዓናት ተኸታቲልካ መልሲ ክትረክብ ምዝኽኻር ዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ነገራት እንዳተቆጻጸርካ ውጽኢቱ ክትሕብርን ክትቅጽሎን ክከኣል ኣለዎ። እንብኣርከስ ኩሉ ዝተገብረ ስራሕ ፍረ ጻዕርና ክንሐፍስ እዘን ዘለዋ ምንቅስቓሳት ዘለወን ዓቢ ሐላፍነት ናይ ሃገርን ህዝብን ተረዲኤን ሐንቲ ብንጹርን ሐጺርን ብፕሮግራም እትሰርሕ ኣመሐዳሪት ስራሕ ሽማግለ ንኹሉ እትውክል ክትወጽእ ኣለዋ። ኣብ ክንዲ ኣነ ክሰርሖ ኣነባ ክሰርሕ ንብል እታ እትውከል ናይ ስራሕ ኣመሐዳሪት ሽማግለ ኣብ ክንዳይ ትሰርሕ ኣላ ኢልና ክንኣምን ኣሎና። ሐላፍነት ዝሃብኩዎ ሰብ ካባይ ንላዕሊ ሐላፍነት ተሸኪሙ ዓቢ ስራሕ ከምዝሰርሕ ንእመኖ። ስራሕ እዛ ሽማግለ ናይ ደገን ናይ ውሽጢን ርክባት አወሃሂዳ ንስርዓት ህግደፍ ሹት ትብለሉ፣ ምስ ሃገራት፣ ማሕበራት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ትፈጥር፣ ካብ ኣብ ደገ ዘሎና ሰዓብቲ ገንዘብ ሰሊዓ ተዋጽእ፣ ሐበሬታ ተመሓላልፍ።

ነዚ ናይዚ ዘሎናዮ ጊዜ ተክኖለጂ ተጠቂምካ ቁጽሪ ኣባላት ሽማግለ 7 ይኾኑ። ንሳቶም ድማ አብ ኣቦ መንበር፣ ሰክረታሪ ቤት ጽሕፈት፣ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት፣ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፣ ናይ ገንዘብ ቤት ጽሕፈት፣ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፣ ናይ ሐበሬታ ቤት ጽሕፈት ይውሰኑ። ካላኦት ዝተረፉ ዕዮታት ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ምስ ምሉእ ህዝቢ ብሐባር ይስራሕ። ሕጂን ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍን ዝፍጽሙ ስራሓት ፈላሊና ንራዮም።

እዚ ስራሕዚ ኣቐዲሙ ጸገም ህዝቢ ዘገድሶ፣ ድኽመቱን ሐይሉን ዘለሊ፣ነቶም ሐቛፊ ዘይብሎም ህጻናት ዝሐቁፍ፣ ነቶም ኣላይ ዘይብሎም ኣረገውቲ ዝዕንግል፣ ፈተውቱን ጽላእቱን ዝፈልጥ፣ ዓቕሚ ጽላኢ ዝግምግም፣ ብኽእለቱ ፈተውቲ ዝፈጥር፣ ብዓቕሚ ዘለዎም ሰብ ሞያ ምሁራትን ውሑዳት ምኩራትን ዝዕመም ከምዝኾነ ኩሉ ሰብ ክርድኦ ኣለዎ። ስለዚ ዓዓቕምና ንፍለጥ እቲ ዓቢ ስራሕ ንሰብ ዓቕሚ ንግደፈሎም እቲ ካልእ ክፋል ድማ ዝተዋህበና መልእኽቲ ከከም ዓቕምና ንፍጽም። እዚ መደብዚ ህዝብና ክጥዕሞ ሃገርና ሰላም ክትረክብ ጉልበትካን ገንዘብካን ግዜኻን እትውፍየሉ እምበር ኣብ ስልጣን እትድይበሉ ዘይኮነስ ስልጣን ንህዝቢ እተረክበሉ ኢዩ። ተሳቲፍኩም ዓቢ ስራሕ ከተበርክቱ ዓቕምን ክእለትን ዘለኩም ብፍላይ ምሁራትን ፈላጣትን ደቂ ሃገር ኩልና ብሓደ ሐቢርና ብዘይ ንሕስያ ቅዱስ ተበግሶ ክህልወና ይግባእ፣ ህዝቢ ብስራሕ ከነርእዮን ካብኡ ዝድለ ክገብር ይጽበየና ኢዩ ዘሎ፣ ኣሎናልካ ኣጆኻ ዝብል ምልክት ነርእዮ።

ቅዱይ ኣየር እንዳኣተንፈስና ብሕልና ንቃለስ፣

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

1ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

2ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

3ይ ክፋል ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: