ንሃሉ-ዶ ኣይንሃሉ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

25/03/2020 21:10 PM

ንሃሉ-ዶ ኣይንሃሉ?
Should we Exist? or Not?

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ንሃሉ-ዶ ኣይንሃሉ? (Should we Exist? or Not?)

ንሃሉ-ዶ ኣይንሃሉ? (Should we Exist? or Not?)
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ/ሳት፣ ንንውሕ ዝበለ እዋን ካብቲ በቢኡዋኑ ዘቕርቦ ዝነበርኩ ጹሑፋት በዂረ ነይረ፡ ምኽንያቱ ከም ትርእይዎን ትሰምዕዎን ዘለኹም ካብታ እለት ናይ’ዚ ሰንካም ከዳዕ ውለቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኢትዮጱያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተኸተመ ዉዕልን ብድሕሪኡ ዝሳዓበ ቃለ መጠይቕ (monologue) በይነ-ተዋስኦ ዘስዓቦ፣ ዝውሕዝ ዘሎ ማእለያ ዘይብሎም፣ ዝተፋላለዩ መግለጺ ብ-ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ውድባት፣ ምንቅስቓሳትን፣ ንዓይ’ውን ንምክትታሉ ብጣዕሚ ግዜ ዘይኣክል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናቱ ናይ ምጽማር ተግባር/ጽምራ (synthesis) ብጣዕሚ የሸግረኒ ምንባሩ እዩ፡፡ ኣብ ርእሲኡ ነቲ ብፍላይ ብጎረበት ሃገር ኢትዮጱያ፣ ዝዋሃብ ዝነበረን ዞሎን (commentary) ሓተታ/ርእይቶ፡ ሃገረ ኤርትራ፣ ናይ ፖለቲካኦም ርእሰ-ነገር ብምግባር፣ ኣብ ህዝቦም ተቐባልነት፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክኣ (supperters) ተሓለቕቲ / ደገፍቲ / ቲፎዞ ናይቲ ኣብ-ውሽጦም ዝካያድ ሃገራዊ ፖለቲካ ተሞርኲሱ ንምምቓሉን ኣብ ንሕድሕዱ ከምዘይቃዶ ክገብር ከሎ፤ ነቲ መምጠኒ ዘይብሉ ጎብላሊ፣ ኣግላሊ፣ እከይ፣ ከዳዕ ስርዓተ ውልቀ መላኺ፣ እቲ ናይ ኣምስሎ ውዑል ሰላም፣ ናይ ክልተ መራሕቲ ዝኸተሙሉን ሲዒቡ ንሕድሕዳዊ ምብጽጻሕ ተጀሚሩስ፣ እቲ ናይ ብሓቂ ዜግነትን መንነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፣ ብግልጺ-ባዕሉ ዝተቃላዓሉ፣ ከም ኢትዮኦያዊ ዜጋ፣ ግንከ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ብምዃን፤ ነቲ ብመምዘኒ ዘይብሉ መስዋእትን፣ ብድምጺ ህዝቡ ዘራጋገጾ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ግዝኣተ ኢትዮጱያ ንምስዃዕ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንህዝብና ጋህዲ ኮይንሉስ፤ ይኣክል ዝብል ህዝባዊ ምልዓልን ኣብ ዝነብረሉ ከተማን ሃገርን ምውዳብ ተጀሚሩ። ካብኡ ሓሊፉ ህዝባዊ ምልዓል ይኣክል፣ ናብ እወ-ይካኣል፡ ንስርዓተ ውልቀ መላኺ ካብ ሱሩ ሚሑኻ፣ አብ ቦቱኡ ፍትሓውን ደሞክራስያዉን ግዛኣተ-ሕጊ ክትከል ብምባል፣ ናብ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ምስግጋር ይጓዓዝ ከም ዘሎ፣ ኩላትና እንርእዮን እንሳተፎን፣ እንዋሳኣሉን ዘሎ ህሞት እዩ፡፡

ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍ፣ ባህግን ሕልምን ደምበ ፍትሒ፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ (diaspora) ዲያስጶራ ብምትእስሳር ዝመጽእ ሱር በተኽ ለውጢ፣ ብደንቢን ጉቡኡን ምቅርራብ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ነዚ ውልቀ መላኺ፣ ትእዝዛቱ ብ-ዑውር መገዲ ዝትርጉሙ፣ ካብኡ ሓሊፉ ቡሉጻትን ብዝያዳ ተፈተውቲ፣ ኡሙናት ኮይኖም ክርከቡ ብምባል ካብቲ ዝተባህሎም ንላዕሊ፡ ንህዝብና ዝቀትሉ፣ ዝኣስሩ፣ ዝሕይሩ፣ ጸልማት ሂወት ከሕልፍ ዝግድዱ፡ ምፍላጦምን ምልላዮምን ኣስማቶም ተሰኒዶም፣ ኣብ ደብተር ተታሒዙ ክጸንሕን፣ እቲ ብህዝባዊ ስርዓት ዝቐውም ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዝግብኦም ፍርዲን መቕጻዕትን ምእንቲ ክዋሃቦምን፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ-ዘየድሊ ሕነ-ምፍዳያት ምእንቲ ከይ-ኣቱን፣ ነቲ ዘድሊ ፍትሓዉን ዲሞክራስያዉን ምስግጋርን ብሕጊ ዝውሃብ ቁኑዕ ፍርድን ሃገራዊ ዕርቅን ምእንቲ ክንክተል፣ ዘድሊ ምቅራራብ ከም ዘድሊ ንኹላትና ብሩህ ኮይኑ ይስማዓኒ፡፡

ነዚ ይጠቅም ኢለ ዝርኣኽዎ ብደምቢ ስትራተጂን፣ ስልትን፣ ፕላን፣ ህዝባውን ማሕበራዊ ምጽናት፣ ዘካየዶ ገና ዘካይዶ ዘሎ፣ ውልቀ መላኺን ጣኦታውያን ሰዓብቱን፣ ድርሳነ-ደም፣ ዝብል መጽሓፍ፡
ድርሳነ-ደም ኣብ ግንቦት 2013 ብ-ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ) ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ ብጣዕሚ ኣገዳሲትን መንቀሊ ነቲ ብጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘይተጻሕፈ እምበር ዘይተገብረ እከይ ተግባራት የለን ዝብሃል፤ መንቀሊ ክትከዉን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሓቂ ነቲ ብ-በለካ በለካ እንፈልጦ ብ-ውድዓዉን ብ-ኡርኑቡን ክንግንዞቦ፣ ነቲ ብሱቱር ክትሓዝ ዘለዎ ደብተር፣ ምስ-ሓው ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ) ኮንካ ክስነድ ምጅማር ይካኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝመጸኒ፤ ኩሉ ሰብ ከንብባ እና ዓደምኩ፤ እቲ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፣ ብኺኢላታት ዝቖመ ሓይሊ-ዕማም ኣውጺኡ፣ ንኹሉ ገበን ዝፈጸሙ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ድህሰሳኣ ክትጅምርን፣ ነቲ ፍትሓዉን ሕጋዉን ፍታሕ ዝርከበሉ ሃገራዊ ዕርቂ ዘድሊ ሰነድ ተቐሪቡ ክጸንሕ ከሎ፡ ካብ ብዙሕ ህዉኽ ተበግሶታት ከድሕን ይካኣል።

ነዛ ድርሳነ-ደም ዝደረሰ ሓው ኣቶ ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)፣ ቃል ደራሲ ዝብል መእተዊ ብምጥቃስ፣ ታሪኽ ንባዓል ታሪኽ ዋንኡ ምጽሓፍን ታሪኽ ሓዲሽ ፍልጠት ንዝደልዩ ካልኦት ምጽሓፍን፡ ክልተ ፍጹም ዘይራኸቡ ኣርእስታት እዮም። ንዋና ታሪኽ መንነቱ ኢዩ ። ነቲ ሓድሽ ፍልጠት ዝምእርር ካልእ ዓቕምታቱ ንምጉልባት እዩ። ስለ ዝኾነ ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ዕላማታት ኣለዎም። ኣብ ኣጻሓሕፈኦም፡ ኣቀራርበኦም፡ ዕምቀት ገላጽነቶም፣ ኣብ ነባቢ ዘሕድርዎ ጽልዋ እዉን መሰራታዊ ፍልልይ ዘለዎም ኢዮም። እናበለ ብምጅማር ነዚ መጽሓፍ ንምቕራቡ ዝጠቅምን ሓቀኛ ፍጻሚታት ዝብሎም ብሰነድ ዘመልከቶም ስለ ዝኾነ ብጥንቃቐ ክንበብን ነቲ ብደም ኤርትራውያን ገይና ዘይጸገበ ሰራም ውልቀ መላኺን ሰዓብቱን ኣምለኽቱ፡ ዝገብርዎን ጌና ክገብርዎ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ፣ ከተብርሃልና እትኽእል ዓባይ ትሕዝቶ ዘለዋ ስለ ዝኾነት፣ ሰናይ ንባብን ምስትውዓልን ክህልወኩም፣ ከም ሰነድ’ውን ክትሕዝዋን የማሕጽን።

ብወገነይ ድሕሪ ኣገዳስነትን ተዳላይነትን መጽሓፍ፣ ድርሳነ-ደም ምሕባረይ፣ ሕጽር ዝበለ ናብዚ ህሉው ኩነታት ብምትኳር፡ ነዚ ንህዝብና ዘጽንት፣ ንሃገርና ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘሎ ገባትን ውልቀ መላኺን ከዳዕን ስርዓተ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ደምበርዶ ብሓቂ ኣለሊናዮ ኣሎና? እንተ-ድኣ ኣለሊናዮ ኮይና ስለምንታይ ኩሉ ግዜ ንሱን እቶም ካብ ዝፍጠሩ ኣትሒዞም ነዛ ብኹሉ ተጠማቲት ሃገረ-ኤርትራ ኩጎብጥዋ ሕልሞም ዘይ-ዓረፈ ብ-ሃገር ኢትዮጱያ ዝልለዩ፡ ደድሕሪኦም ብምኻድ፣ እሳቶም ዝበልዎ ሓተታ / ርእይቶ ክንደጋግም ንውዕል? ጉዳይና ናትናን ባዕልናን እንፈትሖ’ዶ ኣይኮነን? ን-ኣዳም ገረሞ ኮይኑ እቲ ነገር።

ዓብይ ኣለክሳንደር (Alexander The Great) ብ-356 323 ቅ.ል.ክ. ዝበሎ፣ “ ኣነ ን-ደቂ ሰባት፣ ከምቶም ሓጺር ሓሳብ ዝሓዙ ንደቂ ሃገር ብግብሮም ዘይኮነስ ብመንነቶም ዝፈላልዩ አይኮንኩን፣ ወዲ ሃገር ንሃገሩን ህዝቡን ዝካላኸልን ዝሕብሕብን እዩ ቁኑዕ ግሪኻዊ ዘብሎ፡ ብዝተረፈ ንህዝቡ ዝውጽዕ ንሃገሩ ኣሕሊፉ ዝህብ ከዳዕ ኮይኑ ንኸዳዓት ዝዋሃብ ፍርዲ ይዋሃቦ፡” ዝመስል ዘረባ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሕና ኩሉ እቲ እከይ ተግባራት ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፣ ምንም’ኳ ዜግነቱን መንነቱን ባዕሉ እንተ-ገለጾ፡ እቲ ተግባራቱ ምስቶም ኣጋንንቲ መሳርሕቱ ዝጠጅእዎ ሲስተም፣ ወይ ውልቀ-መላኽነት ስርዓት ብምዃኑ መጠን፣ ንዓና ኣሰንኪሉ ከንበርክኽና እናጻዓረ፣ ን-ሃገረ ኢትዮጱያ እዉን ኣብ ጉዳያቶም ጣልቃ ብምእታው ናብ ህውከትን ዕግርግርን ከእትዋ መሳሉሉን ስልቱን ስለ ዝወንጨፈ፡ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ብዋጋ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃልኪን ዘመታትን ጉሁድ ሩኡይን እዩ፡፡

ኢትዮጱያውያን ኢድካ ኣብ ጉዳይና ኣይተእቱ ዝብል ብናህሪን ቁጠዓን ክምልሱ ከለዉ፤ እቲ ዝገርመካ እሳቶም’ውን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኢድ ምእታውን ፖለቲካዊ ሽርሕታትን ክዝንትሩን፣ ኤርትራ ልእላዊት ሃገር ምዃና ዝረሰዕዎ ወይ ፈሊጦም ዝገብርዎ ምዃኖም ግን ንኹሉ ኤርትራአዊ ብሩህ እናኾነ መጺኡ ኣሎ።

እቲ ክርድኦ ዝጸገመኒ፣ ነዚ ውዓል ሕደር ዘይባሃሎ ግዜ፣ እዚ ደምበ ፍትሒ ክወስዶ ዘለዎ ተበግሶን፣ ክዋሳኣሉ ዘለዎ ወርቃዊ ግዜ እና-ኣሕለፈ ከም ኣባ-ጎብየ ለመም ክብል ክትርእዮ ከሎኻ እዩ።

ከምቲ ማርቲን ሉተር Martin Luther King (1968) ሕልምታቱ ንህዝቢ ኣመሪካ ዘተንበሀን ዝሓበረን፣ ናትና ግዜ’ዉን ሕጂ ነቲ ኹሉ ህዝቢ ሓቢሩ ዝቃለሰሉ፣ ናይ ሓባር ጽላል ዘጣጣሓሉ፣ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ቃልሲ፣ ናይ ይኣክል ተበግሶ፣ ሓበራዊ ምንቅስቓስ ደቂ አንስትዮ፡ ካብ ይኣክል ናብ እወ ይካኣል፡ ንሳጋገር፣ ኢለን ዝጸውዕዖ ትንባሀ ካብ ምትግባሩ ሓሊፍካ ኣብ ምጥምማትን፣ መዋሲኢትካ ትኸዉን ንእሽቶ ኣጉዶ ሒዝካ፣ ቀዳምነት ውድበይ፣ምንቅስቓሰይ ብምባል፣ ንወርቃዊ ግዜን ኩነትን፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ እዋን ከይሓልፍ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ኮይኑ ይራኣየኒ።

ኮንፈረንሳት፣ ኣኸባታት፣ ሰሚናራት ምብዛሕ ትርፉ ግዜ ምብላዕ / ምውሳድ ከይኸዉን ዘስግእ እዩ። እቲ ዘድሊ ግብራዊ ስርሓት ክሁሉን ኩሉ እዚ ዝግበር ዘሎ ተቦግሶታት ንህዝቢ ምንቕቓሕ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ኮይንካ ቡዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝተሞርኮሰ ንኹሉ ዘሳትፍ ክኸዉን ምእንቲ፣ ኣብታ ንኹላትና ክትጥርንፍ ትኽእል ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፤ ብ-ፕላን / ፕሮጀክትን፣ ሰነድ፣ ፕሮግራም፣ ውሽጣዊ ሕግን፣ መርሃ ገጽ (roadmap)፣ ምእንቲ ክህሉ ኩሎም ኪኢላታት / ፈላጣት፣ ሰብ ተሞክሮ፣ ኮታ-ሙሁራት ኣካላትን ሰብ ተሞክሮን ናይ ኩሉ ሕብረተሰብና / ባእታትና ዝካፈልዎ ምትሕግጋዝ ከም ዘድሊ ንኹሉ ብሩህ ክነሱ፣ ምስምስ ብምብዛሕ ማእልያ ዘይብሎም ዕንቅፋታት ክፍጠሩ ክትዕዘብ ባህርያዊ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ግን ናይ ሕልና ገበንን ንቃልሲ ምዕንቃፍን ስለ ዝኮነ፣ ክሕሰበሉን ክእረምን ዘሎዎ ጉዳይ እዩ። እቲ ናይ ህዝቢ ሚንቅስቓስ ነተን ካብ ነዊሕ ተወዲበን ዝጸንሓ ክጽበ ግዜ ክወስድ ኣይግባእን። ስርሓቱ ንቕድሚት ብምውሳድ፣ ኩሉ ዓይነት ውዳበታት ሲዒቡ፣ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ከም ዝመጽእ ብምፍላጥ፤ ብኸመይ ክሳተፍኦ ከም-ዝኽእላ ዱልዱል መጽናዕቲን ቀዳምነት ሃገር ምውሓስን፣ ሓድነት ህዝቢ ምሕላዉን ኮይኑ እቲ ሲዒቡ ዝመጽእ ድሕሪ ሃገራዊ ቕዋም ምትካል ስለ ዝኾነ፤ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ሃገር ምድሓን፣ ብዉሑሉል ኣጋባብ ክትሓዝን ን-ናይ ሓባር ጽላል ዘገልግሉ ስትራተጂ ከድልዩ ምዃኖም ዘይምርሳዕ።

ካብዚ ዝነቐለ ሓደ ንናጽነትን መስልን ክብርን ዝንቃሳቐስ ከምዚ ዕላማን ራኢን ናይ ይኣክል ቅርጡዉን ሓያልን ክኸዉን ምእንቲ ንጹር ስትራተጂን ተኻታተልቲ መደበ ዕዮን ዘለዎ መሪሕነት ክህልዎ ምእንቲ፣ ምድግጋፍ ከም ዘድልዮ ዝስሕቶ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።

ደጋጊሞም ፈላጣት ዝምዕድዎ፣ ምንቅስቓስ ዕላምኡ ብጉቡእ ክወቅዕ እንተኾይኑ፣ መርሕነት እቲ ውድብ ኣዊጅካ ምጉስጓስ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን። ብሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መተክላትን ዝግዛእ መሪሕነት ሃልዩ፣ ነቶም ራኢታትን ተልእኾታትን ምንቅስቓስ ዘተግብር ግብራዊ ስትራተጂ ክሕንጽጽ ሓላፍነቱ እዩ። እዚ ንኽበቕዖ ድማ ብፍላይ እቶም ፈላጣት / ሙሁራት / ሰብ ተሞክሮ ሙሉእ ምድግጋፍን ሓባራዊ ስርሓትን ከካይዱ ምስ ዝኽእሉ’ዩ ዑዉት ስራሕ ክትርጎም ዝኽእል።

ዓወት ብዝርርብ ዘይኮነ፣ ብዉሑሉል ኣጣቓቕማ ናይቶም ሓያላትን ልሉያትን ኣጋባባት ደምበ ፍትሒ እያ ትውሰን። ስለዚ እተን ካብ ነዊሕ ተወዲበና ንቃለስ ዝጸናሕና ዝብላ ውድባት፣ ቀዳምነት እቲ ኣብ ፕሮግራመን ኣስፊረንኦ ዘለዋ ባይታ ክረኽባሉ ምእንቲ፡ ከም ጹሩይ ዘርኢ፡ መሬት / ግራት ምስ ኣጣጣሕካን እዋን ምዝራእ ምስ በጽሐ ዝዝራእ፣ ነቲ ዝተወደባሉ ኣምር ባይታ ክህልዎን ክርከብን ምእንቲ፣ ቀዳምነት ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መስርዑን ኣጋባቡን ክሕዝን፣ ቡዙሑነት ኣብ ሓድነት ዝተሞርኮሰ ንኹሉ ዜጋ ደምበ ፍትሒ ዘዋሳኣሉ ባይታ ከጣጥሕን በቲ ንሱ ዘውጽኦ ፖለቲካዊን / ቁጠባዊን / ማሕበራዊን ሰነድን ንዑኡ ዘገልግል ስርዓተ ሕግን ክቕየዳ ፍቓደኛታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣገልገልቱ ክኾና ይግባእ።

ኣብ መደምደምታኒኮሎ ማክያቨሊ Niccolò Machiavelli ዝበሎ፣ “ህዝቢ ብሙሉኡ ዝጸልኦ ልዑል፡ ነብሱ ካብ ሓደጋ ከድሕን ኣይክእልን እዩ። ጭካነኡ እናገደደ ዝኸደ ድማ መንግስቱ እናደኸመ ይኸይድ።”

ኣነ ዝውስኸላ፡ ናይ ዕንወቱ መገዲ ይጸርግ፣ ልክዕ ከም ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮይኑ፣ ኣብ ዕንወት እዚ ጃንዳ፣ ደምበ ፍትሒ ከይተቐረበ እንተ ጸኒሑ፡ እቲ ዝኸፍአ መዓት ክመጽእ ከም ዝኽእ ፡ ታሪኽ ዝሕብሮን፣ እዚ እንሪኦ ዞሎና ከም ሶማልያ፣ ሊብያ፣ አፍጋኒስታን፣ ኢራቅ፣ ሶርያ፣ የመን …ወዘተ፡ ዓቢ ትምህርቲ ዘቕስመና ምዃኑ ክርሳዕ አይግባእን፡፡

ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ ዝብል ምሳለ ኣይንረስዕ። ሕጂ’ውን ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ካብ ሓውኹም ፍትዊ ክፍለ ምስ ምትሕብባር ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ናይ መንነት ፖለቲካን ጸገማት ምህናጽ / ምፍጣር
ብቑዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ።
Identity Politics and the Crisis of Creating
a Viable Eritrean National Force, for Democratic Transition in Eritrea.



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: