Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዝኽሪ ሓጺር ታሪኽ፡ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም።

10/08/2025 23:45 PM

ዝኽሪ ሓጺር ታሪኽ፡ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም።

Memory of a brief history, of the Blessed Virgin Mary.

ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ዝኽሪ ሓጺር ታሪኽ፡ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም።
Memory of a brief history, of the Blessed Virgin Mary.

ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኣዝያ ዝተባረኸት፡
ጉንበት ሐደ ኣብ 16 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ገሊላ ዝተወልደት፡
ካብ ኣቦኣ ያቄምን ኣዲኣ ሃናን ዝተባረኹ ስድራ ቤት፡
ኣብ ሰለስተ ዓመት ዕድሚኣ ንቤት መቕደስ ዝተዋህበት፡
ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ኣብ ቤት መቕደስ ዝዓበየት፡
ኣብ 15 ዓመት ዕድሜኣ ንዮሴፍ ከም ሓላዊኣ ተሓጼት፡
ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ ወዲ ኣምላኽ ከምትወልድ ተነግረት፡
እቲ ውላድ ኢየሱስ ከምትብሎ ብቅዱስ ገብርኤል ተበሰረት፡
ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ክኾነለይ ኢላ ተወከሰት፡
ብቅዱስ ገብሪኤል ኩሉ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ክኸውን'ዩ ተባህለት፡
ማርያም እነኹ ኣነ ባርያ እግዝኣብሄር ከምቲ ዘረባኻ ይዅነለይ በለት፡
መጋቢት 29 እቲ ስጉው ቃል ኣምላኽ ኣብ ማህጸና ሓዲሩ ጠነሰት፡
ናብ ኤልሳቤጥ በዓልቲ ቤት ንካህን ዘካርያስ ከይዳ ነገረታ እቲ ብስራት፡
ኤልሳቤጥ ውን ኣብቲ እዋን ንቅዱስ ዮውሃንስ መጥመቅ ጥንስቲ ነበረት፡
ኣብ 16 ዓመት ዕድሜኣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወለደት፡
ኣብ ታሕሳስ 29 ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዕ ማል ሓረሰት፡
ህጻን ኢየሱስን ማርያምን ክርእዩ መጹ ሰበስልጣን መራሕቲ ዓበይቲ እንተላይ ጓሶት፡
እቶም ንህጻን ኢየሱስ በጻሕቲ ወርቂ ከርበ ዕጣን ኣምጹእሉ ከም ገጸበረከት፡
ንጉስ ሄሮዶስ ንህጻን ኢየሱስ ክቀትሎ ከምዝደሊ ፈለጠት፡
ንኢየሱስ ሒዛ ምስ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ናብ ስደት ኣምርሐት፡
ንሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ምስ ስድርኣ ኣብ ግብጺ ጸንሐት፡
ንጉስ ሄረዶስ ምስሞተ ስድርኣ ሒዛ ናብ ናዝሬት ተመልሰት፡
ኣብ 45 ዓመት ዕድሜኣ ዮሴፍ ካብኣ ተፈልየ ብሞት፡
ኣብቲ እዋን'ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ነይሩ 30 ዓመት፡
እየሱስ ኣብ 30 ዓመት ዕድሚኡ ካብ ወላዲቱ ቤት ወጸ ድሕሪ ናቱ ጥምቀት፡
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኡ ተሰወአ ብስቅለት፡
ኢየሱስ ክርስቶስ ክስቀል ከሎ ቅድስቲ ማርያም 48 ዓመት ገበረት፡
ድሕሪ ስቅለት ኢየሱስ ቅድስት ማርያም ምስ ሐዋርያ ዮውሃንሰ ከደት፡
ቅድስት ድንግል ማርያም ን16 ዓመት ምስ ሐዋርያ ዮውሃንስ ተቐመጠት፡
ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ 64 ዓመት ዕድሚኣ ብሞት ተፈልየት፡
ነሓሰ 16 ኣብ 48 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብኽብሪ ናብ ላዕላይ ሰማይ ገዓዘት፡
ናብ ላዕላይ ሰማይ ክትግዕዝ ከላ ንሐዋርያ ቶማስ ጨርቂ ሃበቶ ክኣምን ከይሓትት፡
ማርያም ክትግለጸሎምሐዋርያት ን16 መዓልቲ ተጸበዪ ብጾም ብጸሎት፡
ኣብ መበል 16 መዓልቲ ጾመ ፍልሰታ ማርያም ንሐዋርያት ብኣካል ተገልጸት፡
ፍልሰታ ዝተባህለ ቅድስት ማርያም ካብ ዓለምና ናብ ሰማይ ስለ ዝገዓዘት፡
ቅድስት ማርያም ኣብ ጎኒ ውላዳ ኢየሱስ ኣብ መንግስተ ሰማይ ከምትነብር ኮነት፡
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ቤተክርስትያናት ትዝከር ትኽበር ወርሓዊ ብ21 ዕለት፡
ኢየሱስ ይሰምዕ'ዩ ጸሎት ቅድስቲ ማርያም ንድሕነት ደቂ ሰባት ዝምልከት፡

ናብ ቅድስቲ ማርያም ንጸሊ መታን ክትማለደና ካብ ኣምላኽና ክንረክብ ምሕረት።

ክብርን ምስጋናን፡ ንልዑል ኣምላኽና፡
ክብረትን ሞጎስን፡ ንቅድስቲ ማርያም ኣዴና፡
ራህዋን ሰላምን፡ ንሓላል ህዝብና፡
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ፡ ኣብበ ኩላህና፡
ዝተባረኸ ጾመ-ፍልሰታ ይግበረልና።



See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin: ካልኦት ጽሑፋት ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡-


You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:



Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: