መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት (መ. ኤ. ኣብ ስ)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/01/2022 01:27 AM

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት (መ. ኤ. ኣብ ስ)

ስቶክሆልም፡ 14 ታሕሳስ 2021

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት (መ. ኤ. ኣብ ስ)

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት (መ. ኤ. ኣብ ስ)

መቕድም

ኣብ ኣጋ መፈጸምታ 2002 ዓ.ም.ፈ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ከምኡ’ውን የመን፡ ንኤርትራውያን ተቛወምቲ ውድባት ብደረጃ መንግስቲ ኣብ ስደት ከም ዝሕግዝዎም ኣበሰሩ። ብሸነኾም ተቛወምቲ ሓይልታት ዳርጋ ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምስልሳል፡ ኣብ Eritrean National Alliance ዝተባህል ጽላል ተጠርነፉ። ድሕሪኡ ዝተጠቕሱ ሃገራት ኣብ ከመዘልማድ ሰንዓ ፎሩም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ተፈራረሙ። ከም ደምዳሚ ስጒምቲ ድማ ጥርኑፋት ተቓወምቲ ውድባትን ሰንዓ ፎርምን ኣብ ግብራዊ ስራሕ ኣተዉ። እንተዀነ ግን ከም’ቲ ዝድለ ኣይተተግበረን።

ብዙሕ እዋን ከይሓለፈ ሃገራት ሕልፍ ሰንዓ ንመራሕቲ National Alliance ኣብ ካሩቱም ዓደሙ። እወ፡ መራሕቲ ሰንዓ ፎሩም ንኣካየድቲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ግቢ ፕረዚደንት በሺር ንምይይጥን ድራርን ጋበዙ፡ ደረጃ እቲ ግብዣ መንግስታዊ ነቢሩ ክብሃል ይከኣል። ንጽብሒቱ መራሕቲ Alliance ነቲ ካብ ሕቕፉ ዝሰሓበ ሓይልን ተቓወምቲ ህግደፍን ኣብ ኣኼባ ብምጽዋዕ ስምረት ኣወጁ።

ዝተተቕሱ ተቓወምቲ ሓይልታት ኪዳን ኢሎም ዝሰመይዎ ፅላል ፈጠሩ። እቲ ጽዋይ ብዝተማልአ ገጹ ክሳብ ዝዝንቶ፡ ሓደ ረቛሒ ምጥቃስ የድሊ። ንሱ ኸኣ ኣብ መኽተሚ ጉባኤ ኣዝዩ ላዕለዋይ ስልጣን ዝጾረ ሚኒስተር መንግስቲ ሱዳን ዘመልከቶ መጥንቀቕታ እዩ፥ ”ንሕና መኻዚኖታት ኣጽዋርን ግምጃ ሃገረ ሱዳን ክንከፍተልኩም ኢና፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ቃልስኹም ኣወንታዊ ውጽኢት ምስ ዘየርኢ ግን ሓገዝና ከቋረጽ እዩ በለ”። ከም ወሰኽ፥ “እንተዀነ ግን ሱዳን ሃገርኩም ስለ ዝዀነት ከም ተራ ዜጋታት ክትቅመጡ ሓራ ኢኹም” ብምባል ዘረብኡ ዓጸወ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ሰንዓ ፎሩም ምእንቲ ርእሱ ላሸወ፡ ጒዕዞ ተቓውሞ ድማ ኮርኲሐ። ብሰንኪ ኣነ/ናተይ ዝብል ዕውር ኣነነትን ኣብ ውሽጢ ውድባት ለመም ዝብሉ ኣትማንን ሃሱሳትን፡ እቲ ኣንኮ ዝዀነ ፍታሕ መንግስቲ ኣብ ስደት ተዓንቀፈ።

ስኽፍታታት ኤርትራውያን ኣብ ስደት

ንራእይ መንግስቲ ኣብ ስደት ካብ ስኽፍታ ተበጊሶም ዝነጽጉ ኣለዉ፣ ገለ ካብዞም ስኽፍታታት ነዞም ኣብ ታሕቲ ተገሊጾም ዘለዉ ርእይቶታት ይመስሉ፥

• መንግስትታት ዓለም ክፈልጡልና ድዮም ፧
• ገለ (ወላ ሓንቲ) ትድግፈና ሃገር ኣላዶ፧
• ኣብያተ ጽሕፈት ክንከፍት ይፈቕዱልና ድዮም፧
• ሓገዝ ገንዘብን ዲፕሎማስን ይውፍዩልና ድዮም፧
• መንግስቲ ከሎ’ዶ መንግስቲ ይትከል እዩ፧ ዝብሉ እውን ኣለዉ።

ብሰንኪ ወሓዚ ስደት ኤርትራውያንን መወዳእታ ዘይብሉ ውሽጣውን ደገኣውን ኲናት፡ ሃገራት ዓለም ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ከም ዘየሎ ስለ ዝፈልጡ፡ ወትሩ ንኤርትራ ይቐጽዑን የዋስኑን። እንተ ብዛዕባ ስግኣት ሓድሕድ ኲናት ግን መ. ኤ. ኣብ ስ. እምነ ኩርናዕ ሰላም እዩ።

እዞም ሕቶታት ካብ ተሞክሮ ሰንዓ ፎሩም ዝበቖሉ እዮም። እዚ ተሞክሮ ተመሊሱ ኣይቅልቀልን እዩ፡ ይትረፍ’ዶ ተሞክሮ ሰንዓ ፎሩም፡ እቲ ተራ ርክብ ኣብ መንጎ ሕውሓትን ተቛወምቲ ውድባትን ዝነበረ ባይታኳ ደሪቑ ዘሎ። ነቲ ቀዳማይ ከም ብጥርሑ ዝተሓሸሸ ተሞክሮ ቖጺርና ሕጂ ግን ዘዋጽኣና ደኣ ንግበር።

መንግስቲ ኣብ ስደት ዓለምለኻዊ ተፈላጥነትን ሕጋውነትን ዝለብስ ኣብ ባይታ ምስ ቀወመ እምበር ቅድሚኡ ኣይኰነን።

መንግስቲ ኣብ ስደት ዓለመለኻዊ ሕጋውነት ዝጉንጸፍ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነት ምስ ቀወመ እዩ። ቅድሚኡ ደአ እንታይ ስለ ዝኾነ’ዩ ሕጋዊ ኣፍልጦ ክሓትት፧

ንመስርሕ መንግስቲ ኣብ ስደት ካብ ጽንሰ-ሓሰብ ጀሚርካ ክሳብ ትኽለት እግሩን ኣብ ሕቚፊ ዲጊታል ተክኖሎጊን ህያባቱን ይምስረት።

መንግስቲ ኣብ ስደት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣንተ ቖይሙ፡ ፖለቲካዊ ተዓዘብትን ውሩያት ወከልቲ ሚድያን ወዘተ ንዓይኒ ምስክርነት ምስ ዝዕደሙ እሞ ነቲ ዝቐውም መንግስቲ ብደሞክራስን ብቑዓት ኤርትራውያን ምስ ዝምራሕ ንዝገጥምዎ ጸገማት ክንብድሆም ይኽእል።

ህዝቢ ኤርትራ ብሃገራዊ ጉባኤ ይጠርነፍ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ግን ሃገራዊ ጉባኤ ክልተ ሻብ ኣማሊኡ ይቃለስን፡ የቃልስን ስለ ዘሎ፡ ሃየ ኩላትና ኣብ ሕዛም መንግስቲ ኣብ ስደት ተዓጢቕና ሃገርና ነድሕን።

ኣድላይነት መንግስቲ ኣብ ስደት

ቀንዲ ኣድላይነት መንግስቲ ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ምድሓን እዩ። ክሳብ ሕጂ ነዚ ማእከላዊ ዕላማ ክትግብር ዝኽእል መሪሕነት ክህነጽ ኣይተኻእለን። ኣብ ግዜ ቃልሲ ነጻ ዝወጽኤ መሬት ዝበሃል ዝነበረ፡ ድሕሪ ነጻነት ኩላ ኤርትራ ከም ነጻ ዝወጸት መሬት እምበር ከም ሃገር ኣይቆመትን። መንእሰያትና ምእረራ ውሽጣዊ ህዋሳቶም ብምህዳን ከም ኣጣል ይሽየጡ ወይ ባሕሪ ይውሕጦም፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ይመኽኑ። ደቂ ሃገር፡ እቲ ዝብሃል ተባሂሉ እዩ፡ እቲ ዝብከ ተንጀብጂቡ እዩ፡ ረኣዩንዶ ዘረባ እኳ ተሓንኲኹ።

እምብኣር ብመንገዲ መንግስቲ ኣብ ስደት ንህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን፡

• ሓደ ብደምክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነት ይቐውም
• ሓደ ፖለቲካዊ ድምጺ ይውነን
• ሓደ ዲፕሎምስያዊ መርበብ ይዝርጋሕ
• ሓደ ሃገራዊ ግምጃ ይትከል
• ሓደ ስትራተጊን ፖሊሲን ይሕንጸጽ

ብዘይ ጥርጥር ኣብ ድያስፖራ ዝርከብ ህዝብና ሰፊሕ ስለ ዝዀነ፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ምስ ዝጥርነፍ፡ ኣብ ዓለም ሻቡ ከም ሕጋዊ ኣማራጺ ይፍለጥ፡ ኣቋውምኡ ደሞክርስያዊ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ከም ኣንኮ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ንነፍሱ ክቕርብ ይኽእል።

መንግስቲ ኣብ ስደት ስለ ኤርትራውያን ስደተንያታት ኣብ ሕቡራት መንግስትታትን ኢመንግስታዊ ትካላትን ክጣበቕ ይኽእል ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ዝምልከቶም ሃገራት ብምትሕብባር ንውሕዘት ኤርትራዊ ስደት ንምግታእ ግዲኡ ክጻወት ይኽእል።

መንግስቲ ኣብ ስደት ንኤርትራ ኣብ ዝምልከቱ ድርድራት ተዋሳኢ ክኸውን ይኽእል።

መንግስቲ ኣብ ስደት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ተኸሲቱ ዘሎ መሪር ኲናት፡ ብሰላም ክድምድም ይኽእል።

መንግስቲ ኣብ ስደት ፖለቲካውን ሰላማውን ስለዝዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከበራብር ይኽእል።

ዲክታተራዊ ስርዓት ብሃንደበት ምስ ዝውድቕ ክሳብ ምርጻ ዝካየድ ፤መንግስቲ ኣብ ስደት ሃገር የረጋግእ።

መራሕቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ምስ ኣብ ኤርትራ ኩባንያታት ዝውንኑ ሃገራት ክመያየጡ መሰል ኣሎዎም። መራሕቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ንዜጋታቶምን ሃገሮምን ኣብ ዓለምለኻዊ ኣብያተ ፍርዲ ክውክሉ መሰል ኣለዎም።

ኣሰራርዓ መንግስቲ ኣብ ስደት

መንግስቲ ኣብ ስደት ከመይ እዩ ዝስራዕ፧ ነዚ ዝበቕዑ ኣለውና ድዮም፧ ኢሎም ዘታርፉ ቀቢጸ-ተስፋታት ቅልቅል እንተበሉ ዘይምጕሃይ፡ ንቕድሚት ምውንጻፍ ደኣ እምበር።

መንግስቲ ኣብ ስደት ክልተ ዝምባሌታት ኣለውዎ፣ እቲ ሓደ ዝምባለ ካብ ውጽኢት ጉባኤታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተደለቡ ቅየማትን (values) መሰረት ፖሊቲካዊ ክኾኑ ይህቅኑ። እቲ ካልኣይ ዝምባለ ግን መንግስቲ ኣብ ስደት ኣብ ብህዝቢ ዝተሰርዔ ጉባኤ ኽቐውም ይነጥፍ። ተስፋ ህዝብና እዞም ክልተ ዝምባለታት ሓቢሮም ንፕሮጀክት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ከዐውቱ እዩ።

እቶም ንህዝቢ ከነዕውት (empower) ዝብሉ ክቡራት ኤርትራውያን በዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣገባባት ይጥቀሙ፥

ሞንጎንያታት (Sponors)
ኣሳለጥቲ (Facilitators)
ሰበ-ብርኪ (Stakeholders)
ሓይሊ ዕማም (task forces)

እቶም ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ባዕለ-ስልጣኑ (self-empowerment) እዩ ዝብሉ ድማ በዞም ኣብ ታሕቲ ስዒቦም ዘለዉ መትከላት ይምርሑ፥

• ወነንቲ ህዝባዊ ሕጋውነት (legitimacy)
• ሓላፍነት ምዝገባ ኤርትራውያን ኣብ ስደት
• ሓለፍቲ ደሞክራስያዊ ምርጻ ኣሰናዳኢት ሽማግለ
• ሕጋዊ መሪሕነት ብዓድታትን ከተማታትን ወረዳታትን ወረጃታትን ስለ ዝቐውም ባዕሉ ጉባኤ ከሰናድእ ይኽእል እዩ

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ መሪሕነታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ንመትከል መሬት ናይ ዓዲ ካብ ዋናታቱ መንጢሎም ደየስዎ። ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ዝማልኣሉ መሬቱ ምስ ተመልሰሉ እዩ። ግዝይኡ ድማ ሕጂ እዩ። ብተመሳሳሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይሕጋውያን ገዛእቲ ኤርትራ፡ ወረጃታቱ ተነጢቑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ዝረጋገጽ ወርጃታቱ ኣብ ንቡር ቦትኦም ምስ ዝምለሱ እዩ። ግዝይኡ ድማ ሕጂ እዩ።

ዴሞክርስያዊ ምርጻ መንግስቲ ኣብ ስደት

ቀዳማይ ስጉምቲ

ምዝገባ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ኣብ ዳታበይዝ ይኸውን። ደቂ ዓድታት ኣብ ናይ ብሕቲ ገጸ-መርበብ ይምዝገቡ፡ በብጸፍሑ ድማ ኣብ ወረደታቶምን ወረጃታቶምን ይጥርነፉ።

ካልኣይ ስጉምቲ

ኤርትራ ብዓድታትን ወረዳታትን ወረጃታትን ዝቐወመት ሃገር ስለ ዝዀነት፡ ስርዓት ምርጻን ሓላፍነት ጻውዒት ጉባኤ ንህንጸት መንግስቲ ኣብ ስደትን ኣብ ኢድ መራሕቲ ወረጃታት ይወድቕ።

ሕጹያት ካብ ዓዶምን ከተማኦምን ወረዳኦምን ወረጃኦምን ይምረጹ።

ምዝገባ ምስ ተማልኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳት ቤዝ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ብምቛም መሰሉ የረጋግጽ። ቀጺሉ ምቛም ኣሳናዳኢት ሽማግለ የሰላስ።

ኣባልነት ምስ ተመዘግበ ዜግነት ድማ ብውልቃዊ ተሴራ ይረጋገጽ።

ምርጻ ብቐጥታ ንውልቀ ሰባት እምበር ንውድባትን ሰልፍታትን ኣይኰነን። ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ናቶም ጉባኤታት ኣለዎም።

መሰል ሕጹይነት ኣብ መንግስቲ ስደት ንኣባላት ባይቶን ይኣክልን ነጸላ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን መዓጾ ክፉት እዩ፣ ኣውራ ንሃገር ኣድለይቲ ስለ ዝዀኑ።

ስም፡ ቖፎ ሓሳባት ንመንግስቲ ኣብ ስደት
ዕላማ፡ መጽናዕቲ ምስንዳእን ምዝርጋሕን ምቕራጽን ኰይኑ፡ ህዝብና ንዝጠልቦም ጉዳያት ትግባረ ምኽሪ ብጽሑፍ ምብርካት እዩ።

ንሕና መን ኢና? ንሕና ንውድባትን ሰልፍታትን ዘይንውክል ወለንታውያን ኤርትራውያን ኢና።

ግደ ክኢላታትን ምኩራትን ንህንጸት ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት
ብምሉእ ትሕትና ቖፎ ሓሳባት ንመንግስቲ ኣብ ስደት፡ ንክኢላታትን ምኩራትን ኣብ ምዕዋት ምሳና ክማኸሩን ክነጥፉን ይዕድም። ዝለ’ዚ ንክኢላታትን ሰበ ተሞክሮ ዝኸውን ኣካል ክቐውም እዩ።

መሕሰቢ፡ ኣብ ክንዲ ኣ(ውራጃ)ታት ወረጃ መሪጽና ኣሎና

ንመንግስቲ ኣብ ስደት ንቃለስ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ስቶክሆልም 14 ታሕሳስ 2021

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Mr. Saleh Ghadi Johar
Seminar about Government in Exile.


SETIT: Press Conference Regarding Eritrean Government In Exile.

ቻርት ብዛዕባ መስርሕ ምቛም መንግስቲ ኣብ ስደት Accesseed on 17 April 2021, Facebook. Source: https://fb.watch/4Yb3z636Qa/


ERISAT: መቓልሕ|ሙቓም መንግስቲ ኣብ ደገ ተግባራዊ ድዩ? ተኽእሎን ብድሆታትን እንታይ እዮም? ኣቶ ሳሚኤል ኣማሃ ኣባል ሓይሊ ዕማም
Part-1 (12 May 2021):

ERISAT: መቓልሕ|ሙቓም መንግስቲ ኣብ ደገ ተግባራዊ ድዩ? ተኽእሎን ብድሆታትን እንታይ እዮም? ኣቶ ሳሚኤል ኣማሃ ኣባል ሓይሊ ዕማም
Part-2 (16 May 2021):


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: