ተጻርዶ (Resistance)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

11/07/2020 20:21 PM

ተጻርዶ (Resistance)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ተጻርዶ (Resistance)

ተጻርዶ (Resistance)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ነቶም ሂወቶም ሰዊኦም መንነትናን ሃገርናን ዘስረከቡና ሰማእታትና፣ በቢ ዘለናዮ ሉዑል ተዘክሮን ምስክርን ኣብ ርእሲ ምቅራብ፣ነቲ ዝሃቡና ሕድሪ ዳግመ ቃል-ኪዳን እነሐድሰሉ እዉን ኮይኑ፣ነቲ ብገዛእቲ ተሓሪምዎ ዝነበረ ፍትሕን ዲሞክራስን፣ግዝኣተ ሕጊን፡ ብዝገደደ በዚ ማፍያዊ ዱስቡጣዊ ጃንዳ ህግደፍ ተነፊግዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ነቲ ብደሙ ኣፍሲሱ ዓጽሙ ከስኪሱ ዘምጽኣ፣ነጻ ዝኮነት ሃገረ ኤርትራ፣ኣብ ሓደጋ የእትዋ ስለ ዘሎ፤ ሃገረይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል ዑጡቕ ቃልሱን ተጻርዶኡ (Resistance) ክቕጽል ግዴታኡ ብምዃን፣ብግብሪ ከርእዮን ከተግብሮን ህርድግ ይብል ኣሎ።

እዚ ሕጂ ተበጺሕዎ ዘሎ ህዝባዊ ምጥርናፍ ማዕብል ይኣክል ነዚ ካብ ነዊሕ ተፋልልዩ በቢ-መገዱ ክኸይድ ዝጸንሐ ውድባት፣ምንቅስቓሳት ተዋሃሂዱ ክሰርሕ ድሪኺት ገይርሉ ክባሃል ይካኣል እምበር፤ካብ ሕሉፍ ታሪኸን ተሞኲሩ ወሲደን ክኾና ትጽቢት ይግበረለን፡፡

ስጋብ እዚ ዝሓለፈ እዋን፣ነቲ ከም መስርሕ ኮይኑ ናብ ናጽነት ዘብጽሓና፣ጉዕዞ ሃገራዊ ኣዋዳድባና ከም መንነት ኮይኑ፣ኣብ ክንዲ ንመስርሕ ለውጢ ዝሕግዝ፣ዓጋቲን ነንሕድሕዱ ዘራሓሕቕን ኣብ ታሪኽ ቀይዱ ሒዙና ዝጸንሐ ኩነት’ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝርሓቕና ኣይመስለናን፡፡

ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ጉድለታት ናይ ውድባትን፣ምንቅሳሳትን፣ሲቪካዊ ህዝባውያን ማሕበራት፣ምንዳይ ወይ ሃያሳ ምቕራብን ዘይኮነስ፣ንዘሎን ዝመጽእን ክኸዉን ዝግብኦ ወይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ወኸሳ ወይ ሓሳብ ከነቕርብ ኢና ክንፍትን፡፡

ንዝሓለፈ ሓድነታዊ መስርሕ ምድጋም ዘይኮነስ እዋንን ኲነትን ዝጠልቦ ሙዑቡል ኣጋባብ ክንጥቀም ይግባእ። ሙዑቡል ኣጋባብ ማለት እንታይ ማለት እዩ ? ብወገና ዉዑል፣ ኑጹር ዝኾነ ሰነድ፡ኣብ ቅድሚ ሞንጎኛ ካብ ኩሉ ናጻን ጽልዋ ናይተን ዝኽትማ ውድባት ዘይብሉ፣ናይ ሕጊ ኪኢላታት ኩሎም ዝቕበልዎም ምስክርነት ክፍረም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንተግባርነቱ ዝካታተል ብኺኢላታት ዝቖመት ኦዲተር (ኮሚሽን) ክትህሉን፣ናጻ ዝኮና ምድያታት ብምክትታል ኩነታት ምዕባለን ዘቃላዓሉ ምስ ዝህሉ ነቲ ጎዲሉ ዘሎ ተኣማምነት ፈውሱ ምዃኑ ቁኑዕ-ውን ንብል።

ናብ ሙሉእ ሃገራዊን ዲሞክራስያውን ጽላል ንምብጻሕ፣ንኩሉ’ቲ ክዕንቅፍ ዝኽእል ጸገማት ኣልጊስካ፣መስርሕ ሓድነትን ፍትሕን ከነማልእ ምስ ንኽእል እዩ።

ፕታጎራ (Pythagoras) ከም ዝበሎ፡ሓደ ደሞክራሲያዊ ሊበራል ከማልኦ ዘለዎ ስርሓት፣ነቲ ንዑኡ ዝመረጾ ምትእኽኻብ ክእለተ ምምሕዳር ዘይኮነስ፣ነቲ ዕላማን ራኢን ህዝቡ ዝበጽሓሉ መስርሕን ብቕዓትን ናጽነትን ዝውንን’ዩ ዝብል ዓይነት ተንቲኑ ነይሩ። ብወገና ኩሉ ዓይነት ውድብ ምንቅስቓስ ከም መስርሕ፣ነቲ ናይ ህዝቡ ዕላማን ራኢን ምዕዋት ጻዕርታት ከካይድ ዝግባእ ኢና ንብል፡፡

በርትራንድ ራሰል (Bertrand Russel)፣ኣብ ማሕበራዊ ውድባት እንታይ እዩ ጹቡቑን ሕማቕን ከብሎ ዝኽእል? እዚ ዓይኖት ሕቶ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ኣብ ዘመናት በቢ ዓይነቱ መልሲ ክዋሃቦ ከሎ ኣብ ዝተፋላለየ ስነ ሓሳባት ዝተሞርኮሰ እዩ ነይሩ፡፡

ራሰል ክገልጽ ከሎ፣ከም ኣጸጋሚ ቀዳማይ ቦታ ዘትሕዞ፡ቅድመ ፍርዲ (prejudice) ወይ ጠውቒ ክኸዉን ከሎ፤ ምስ ጉጅለኻ ኮንካ፣ንኻልኦት ዘይምቅራብን፣ዘይ ምክብባርን ባዕላዊ ግምትን ፍርድ ምሃብን እቲ ቀዊዱ ሒዙና ዘሎ ምዃኑ ንኹሉ ሩዱእ እዩ፡፡ ኪኖ ውድብካ ጠሚትካ ከም ሃገራዊ ተቓራሪብካ ምስ እትሰርሕ፣ ብቕዓትካ ከተሪኢ ምኽኣል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ መስርሕ ፖለቲካ እንካን ሃባን ክትጥቀም ምስ እትኽእል ዕዉት ስራሕ ክባሃል ዝካኣል ንብል።

ኩላትና ከም እንርድኦ እቲ ናይ ኩሉ ሕልሚ ወይ ዳግመ ምትርናዕን ምጽጋንን ቀሊል ከምዘይኮነ እንርድኦ’ኳ እንተኾነ፡ድልየትን ሕልሚ ህዝብና ሕድሪ ሰማእታትናን ክትርጎም ሓድጊ ከነዘውትርን ክንጽዕርን ከም ዞሎና ኣጸቢቕና እንፈልጦ ኮይኑ ኣብ ምትግባሩ ግን ዘይበጻሕናዮ ጉዳይ እዩ፡፡

ናጽነት ናይ ዜጋትና ክህሉ፣ልእላውነት ሃገርና ክሕሎ፣ሓድነት ህዝብና ክድልድል፣ኣብ ሲኒት ዝተሞርኮሰ ራኢታትና እነፍሰሉ ባይታ ምጥጣሕ ጥራይ ዘይኮነስ ሓላፍነት ከም ዘሎና ከይረሳዕና ኩሉ መስርሕ ፍትሕን ዲሞክራስን ክንጥቀም ግዴታና እዩ።

ፈላጣት ከምዝምህሩና እተን ሰለስተ ዓንድታት ዲሞክራሲ፡ሓጋጊ ኣካል፣ፈጻሚ ኣካል፣ ፈራዲ ኣካል፣ ብኑጹርን ክንሰርሓለንን ሚዛናት ክስታኻከል ምስ-ዝኽእሉን፣ከሙኡ ነጻ ምድያታትን ህዝባውያን ማሕበራት ሰብ ሞያን ብጉቡእ ክሰርሓ ምስ ዝካኣል ጥራይ እዩ ጎደና ጐዕዞ ዲሞክራሲ ዝካናወን ይብሉና፡፡

ከሙኡ ፖለቲካውያን ተንተንቲ፣ ፍትሕን ዲሞክራሲን ምህኑን ዘይሙሉኡን ዝከዉን፡እንተ ደኣ ሓጋጊ ኣካል ሕግታት ዘይነድፍ ኮይኑ፣ፈጻሚ ኣካል ን-እተዋህቦ ስራሕ ዘየማልእ ኮይኑ፣ፈራዲ ኣካል ክኣ፣ካብ ቅዋም ዝወጸ ሕጊ ከይህሉን፣ነቲ ብባይቶ ዝጸደቐ ሕግታት ቁንዕነቱ ዘራጋግጽን ጉድለት ኣለዎ ኢሉ ምስ ዝግምት ንምምሕያሹ ናብ ባይቶ ንድሕሪት ክመልሶ መሰል ከምዘለዎ፣ ከምኡ ንፈጻሚ ኣካልዉን ነቲ ብባይቶ ዘጽደቐሉ ፕሮግራምን ባጀትን ጥሒሱ ከይከይድን ብሕጊ ቅዋም ተቐይዱ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዝካታተል ፣ነቶም ካብ ሕጊ ዝወጹ ገበን ዝገብሩ ብመሰረት ሕጊ ዘይፈርድ ኮይኑ፣ ሙሉኡን ዱልዱሉን ዲሞክራሲ ክባሃል ኣይካኣልን ይብሉና፡፡

እዚ ዓይነት ኣሳራርሓ ድሮ ፣ ኣብዚ ንኹሉ ክጥርንፍ ዘሎዎ ጽላል ደምበ ፍትሒ ክታኣታቶን ክስራሓሉን ዝጅምር፡ነታ ድሕር’ዚ ማፍያዊ ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስ ምውዳቑ ኣዚዩ ሓጋዚን መበገሲ ክኸዉን ይኽእል ዝብል እምነት ኣሎና፡፡ ካብዚ ዝነቐለ’ዩ እቲ ቀንዲ ቅድመ ፍርዲ ወይ ጠውቂ ኣልጊስና፣ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ምውድዳብ ይኣክል ዝሕይለሉ ሙሉእ ናይ ኪኢላታት ክትሓባብርዎን ዝዕደምን፣ ነቲ ማእከሉ ህዝቢ ዝብል ራኢ ተዓዊቱ ኩሉ ዓይነት ውደባታት ኣብ ከርሱ ኮይነን ዝሰርሓሉ ሙዑቡሉን ሉዑሉን ጠርናፍን መደበ ዕዮ ከካይድ ከም ዝኽእል ንምግባሩ ግደታ ናይ ኩሉ ተቓላሳይ ፍትሒ ክኸውዩን ይግባእ።

ነዚ ውድባት ተዋሃሂድካ ምስራሕን እተፋላለያ ሓይሊ ዕማማት ሃልየን ንዕአን ዘዋሃህድ ጠቕላሊ ሽማግለ ክህልወን ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ውዕላትን ብኣትክሮን ተገዳስነት ክርእ ከሎ፣ዘሎ ትጽቢትን ክማላእ ዘለዎ ትምኒትን ብምዃኑ መጠን መራከቢ ቡዙሃን ኣቕልቦ ገይርሉስ ይዛተየሉ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ህሞት እዩ፡፡

እቲ በውገና እንላበዎ መሰረት ምውህሃድ ውድባት፡ብቐዳምነት ህዝቢ ማእከል ዝገበረን፣ዓቢ ግደ ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ክዋሃቦ እቲ ምልዓል ህዝቢ ዝድልድለሉን አብ ሕቁፊ ህዝቦም ኮይኖም፡ቀዳምነት እቲ ሃገራዊ ውዳበ ምዃኑ ከይረስዑ፣ንኹሉ ዘጽልል ሃገርዊ ዲሞክራስያዊ ጽላልን፡እተን ሰልስተ ዓንድታት ዲሞክራሲ ዝካናወናሉን ኩሉ ዓይነታት ህዝባውያን ማሕበራት ዝጠጣዓሉ ባይታ ክኸዉን ሕጂን ዘየዳግም ግዜ እዩ ንብል።

ሕጂዉን ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ኣዳለውቲ ጹሑፍ ፍትዊ ክፍለ ብምትሕብባር ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ናይ መንነት ፖለቲካን ጸገማት ምህናጽ / ምፍጣር
ብቑዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ።
Identity Politics and the Crisis of Creating
a Viable Eritrean National Force, for Democratic Transition in Eritrea.



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: