ጽገናውነት (Reformism)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/06/2020 19:46 PM

ጽገናውነት (Reformism)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ጽገናውነት (Reformism)

ጽገናውነት (Reformism)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኩም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣ ካብዚ ንዓለም ዝህውጻ ዘሎ ሕማም ተላገብ ኮቪድ-19 ብዘይ ገለ ጸገም ተጋላጊልኩም ክትህሉዉ ልዑል ትምኒትና እና-ኣቕረብና ነቶም ዝተለኽፉ የሕዋትና ቁልጡፍን ምሉእ ጥዕና ክረኽቡ፣ ነቶም ነዛ በዳሂት እዋን ክሰግርዋ ዘይካኣሉ ክኣ መንግስተ ሰማይ ይቀበሎም እናበልና፣ ንስድርኦም ጽንዓትን ደበስን ክረኽቡ ናይ ልባውን ሕውነታዊን ምቅርራብና ነቕርብ።

ናይ ሎሚ ኣርእስትና፡ ጽገናውነት (Reformism); ብካልኦት ተሓድሶነት ኢሉ ዝገልጽ፣ ብወገና ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ህዝብና፡ ኣብ ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘይምክያድን፣ ኣበየናይ እዋን ብኸመይ መገዲ፣ በዓል መን’ከ ተሓድሶን ልዑልን ስልጡን (Reformation) ጽገና ካብኡ ብዝበለጸ ዳግመ ድኮና የድሊ፣ ዘይበጻሕናዮን ኣብ ግብሪ ዘይነርእዮ ዘሎና ኮይኑ ስለ ዝስማዓና እዩ፡፡

እቲ ነዛ ቃል ጽገናውነት ምስቲ ማፍያዊ-ዱስቡጣዊ ስርዓት ስለ-እነዛምዳ፣ እዚ ዱብስጣዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ተማሕዩ፣ ኣብ ቦቱኡ ስርዓተ ሕግን ፍትሓዊን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ካብ ኮነ፡ ዋላ ሓንቲ ዘቃራርብ ዝናጻጸር የብሉን።

ብስነ-ፍልጠታዊ ኣራኣእያ ን-ጽገና ካብኡ ሓሊፉ ዳግመ ውደባ ክንግንዞቦ ደሊና ግን እዘን ደሞክራስያውያን ሃገራት፡ በዚ ዓይነት ኣጋባብ ካብ መዋእል ዝተጠቕማሉ መስርሕ ምዃኑ ታሪኽ ብደምቢ ይምህረና እዩ። ስለዚ ውድባትና ይኹና ሲቪካዊያን ሞያውያን ማሕበራትን፣ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ኩለን፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብመስርሕ ጽገናውነት ክጓዓዛ ነይርወንን ኣለወንን ዝብል ራኢ ኣሎና፡፡

ንምግላጹ ዝኣክል፡ “ ስጋብ ክንደይ ዝኣክል ተሓድስነት፣ ንሓደ ፖለቲካዊ ስርዒት ኣብ ውሽጡ ለውጢ ብኸመይ ክድረኽ ይካኣል?’’ ዝብል ሕቶ፡ ክምለስ ዘሎዎ’ዩ ዝብል ሓሳብ ኢና ነቒልና፡፡

ከም እንፈልጦ፡ ክብሪ ናይ ናጽነት ናይ ዲሞክራስን፡ ብሓይሊ ናይ ህዝቢ ክራጋገጽ ከሎ፡ ክውነታቱ ተግባራዊ ይኸዉን ይብሉ ናይ ፖለቲካን ታሪኽን ተንተንቲ። እቲ ኣርካን (nobile) ሰውራ ፈረንሳ፣ ነቲ ናይ ገበትቲን ድስቡጣውያን ውልቀ-መላኺታትን፡ ኣብ ፍርሒ ንህዝቦም ዘንብሩ፣ ብንጹር የብርህዎ እዮም።

ፍላስፋታት ከም በዓል ለቪ ትሮትዚኪ (Lev Trotzkij) ዝኣምሰሉ፡ ናይ ብሓይሊ ዝካየድ ሰውራ ቅንዕነቱ ክገልጹ ከለዉ “ውጺኢት ናይቲ ብሓይሊ ዝካየድ ህዝባዊ ናዕቢ፣ እሱ ዝተኽሎ ህዝባዊ ስልጣን ምስክር ይኸዉን" ማለት`ሲ ስነሓሳብ ናይ ህዝባዊ ናዕቢ፣ እቲ ንዕኡ ከተካይድ ዝገደደካ ሕልናዊ ግደታ ስለ ዝኾነ፡ መመኽነይታ ኣየድልዮን እዩ፡ ይብሉ። እቶም ንሕስያ ዘይብሎም ጨካናት ስርዓታት፣ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማፍያዊ-ደስቡጣዊ ስርዓት ዝተኸልዎ ራኢ "ኩሉ ዝውንን ኣብ ኢዶም ጨቢጦም፣ ነቲ ንሱ ቢሒቱ ዝሓዞ ስልጣን መግለጺ ንምርካብ ይጽዕሩን ምኽንያት ንምርካብ ሉዑል ሃገራውነት ይጥቀሙን"።

ኣብዚ ክልተ ዓይነት ኣጋባብ ዝኽተል ስርዓተ ምሕደራን፣ ካብኡ ሓሊፉ ናይ ሊበራውነት፣ በቢቑሩብ ብህዝብን ሪሂጸ-በላዕ ዝቐርብ ጠለባት ምምሕያሽ ከታኣታቱ ተገዲዱስ ንስርዓቱ ዑቁን ተሃድሶ ከምዝተገብረ ቡዙሕ ተጻሒፉን ይጽሓፍ ስለ ዘሎን፡ ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ንምግባር ናብ ኣንበብቲ እናማሓላለፍና፡ ነቲ ዘምጽኣና ጉዳይ ኩነታት ደምበ ፍትሒ ኢና ከነድህብ።

ሉድዊግ ቮን ሚስ (Ludwig Von Miss)፣ ዓለማዊ (secular) ዝኮነ ኣብ 1881-1973 ከምዚ ይብል፡ “ዲሞክራሲ ካብቲ ካልእ ዓይነት ስርዓታት ምሩጽ ዝገብሮ፣ብኣራኣእያ ስነ ሓሳብ ዘይኮነስ ጉቡእን ጠቓምን መሰርሕ ስለ ዝውንን፡ ንዝፍጠር ግርጭት ስለ ዘጽብብን ካብ ግርጭት ናብ ግጭት ከይሳጋገር ዝዓግት ብምዃኑን እዩ።” ቀጺሉ ይብል ሉድዊግ “ዲሞክራሲ፣ እቲ ፖለቲካዊ ውዳበ ነቲ ከማሓድሩዎ ዘለዎ ህዝቢ፣ ኣብ ነንሕድሕድ ውግእ ከይእቶ ምእንቲን፣ ብሲኒትን ተዋሃሂዶም ክነብሩ ዘኽእል ስነሓሳብ ትካለ-ዋኒን ከጣጥሓሎም ምስ ዝክእል’ዩ” ይብል፡፡

እዚ ዓይነት መስርሕን ግብርን ምእንቲ ክካየድ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋስኣ ውድባት ብፍላይ፣ ሲቪካዉያን ሞያውያን ማሕበራት፣ ህዝባውያን ምንቅስቃሳት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክሕደሳ፡ ኣብ ግዜ ዝጠልቦ’ዉን ዳግመ ውዳበ ክገብራ፡ ይግበአን፡፡

ከም ትዕዝብትና፣ ካብ ዘበናት እቲ ኣጸቢቑ፣ ብስነ-ሞጎት ዝርአን ማሕበራዊ ጉዳያት ብኸመይ ይዋሃሃድ? ኣብ ደምበ ፖለቲካ-ቁጠባን ማሕበራዊን ዘሎ ራኢ፣ክህሉ ዘለዎ ዝምድናን፡ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ። ከምኡ ኣብ ሞንጎ ናጽነትን ማዕርነትን

ናጽነት፡ ቀዳምነት ረብሓ/ጠቕሚ ናይ ውልቀ ሰብ ስለ ዝሰርዕ፤ ማዕርነት፡ ዝምድና ኣብ ደቂሰባት ዝተሞርኮሰ ናይ ሓባር ረብሓ ዘማልእ ስለ ዝኮነ። ክልቲኡ እዚ ዓይነት ራኢ እቲ ዝልዓለን ዝኸበረን ክኸዉን ከሎ፣ ሓደ ኣብቲ ርእሲ ሓደ እንተ ዓብሊሉ ግን ሳዕበኑ ኣብ ክንዲ ጠቓሚ ጉድኣቱ’ዩ ዝበዝሕ። ስለዚ ማእከላዊ፣ ናጽነትን ማዕርነትን ኣዋሃሂዱ ዝኸይድ መስርሕ ንምርካብ ኣብ ፍልጠትን ምዕባለን ዝተሞርኮሰ፣ እዋን ብእዋን ጽገና ኣገዳስን ምሕዳስ ከም ዘድልን ፍሉጥ ኮይኑ፡ ጥጡሕን ምዑሩይን ማሕበረሰብ ንኽህሉ ዝትንትኑ ሊቃውንቲ ብዙሓት እዮም። ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለዋና ውድባት ይኹና ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ብዘይ-ኣፋላላይ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ምሕዳስ ይኹን ጽገና ኣብ ውሽጠን ክትሪኢ ኣጸጋሚ እዩ እንተ በልና፡ ካብ ሓቂ ዝወጻእና ኣይመስለናን።

እንታይ’ዩ ዓጊቱ ሒዝወን ዘሎ? ኢልካ ክትማራመር ክትፍትን ከለኻ፣ እቲ ማሕለኻታት ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ዝተፈጥረ መቑሓት ኣሲሩ ሒዙና ከም ዘሎ ጎሊሑ ይርኣየካ። ታሪኽን ጉዕዞን ሓርነታዊ ቃልስና ብሓጺር ክትገልጾ፡ ኣብ ዘየድሊን ዘየውጽእን ስንጭሮታት ከእትወና ስለ ዝኽእል፡ ካብዚ ዓይነት ትንታነ ተቖጢብና፡ ንውድብ ከም መንነት ከም ንቖጽሮን፡ እቲ ኑሱ ዝወለዶ ስርዓተ ማፍያዊ-ዱስቡጣዊ ክትከል ምኽኣሉን፣ ንህዝብና ን-29 ዓመታት ጆሆ ሒዙ፣ድልየቱን በቲ ንሱ ዝኣመቶ ኣጋባብ ክንከይድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ እንዛተየሉ ዛዕባታት ንሱ ስለ ዝሰርዓልና፣ ኣብቲ ነዚ ሓሳድ፣ ገባቲ፣ ውልቀ-መላኺ ብጉቡእ ከነለልዮን ኩሉ ግዜ ብእኡ ክንዛረብ፤ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዞሎና ናይ ቤትና ዕዮን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክነሐድስን፡ ድልየት ህዝብና ከነማልእን፣ ንቕሓቱ ዝድልበሉ ክንገብርን፡ ናይ ቃልሱ ወናኒ ንሱ ምዃኑን፣ ለውጢ ባዕሉ ከምጽኦን፣ ዋና ስልጣን ብምዃኑ መጠን፣ ንህዝባውያን ውድባቱ፡ ከም ፖለቲካዉያን ውድባት፡ሲቪካውያንን ሞያውያንን ማሕበራት፡ ኣብ ውሽጢ ከርሱ ኮይነን ቃልሰን ከካይዳ ከም ዝበቕዓ ክገብር ዘይምኽኣሉ፡ እቲ ናይ በሃራት/ኣርካናት (élite) ስራሕ በዂሩ ከምዘሎ ይርኣየካ፡፡

ግብርታት ጠበያት፣ ናይዚ ማፍያ-ዱስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስ፡ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ዝኣልሞ ዝነበረ ተንኮልን ካብ እዋን ናብ እዋን ዝቃያየር ባህርያቱ ከም ነፋሒቶ ቆርበቱ እናቓያየረ፣ ናይ መበቆሉ ራኢ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ዘካየዶ ስልትን ስትራተጂን ኩሉ ግዜ እኳ ንዛተየሉን ንጽሕፍን እንተኾና፣ ፈሊጥናዮ ክነስና፣ በቲ ንሱ ዘውጽኦ ኣጀንዳ ክንዛረብ ግዜና ከነሕልፎ ኮሎና፡ ስነ ኣእምራዊ ሕማም፣ብሲንድሮም ኢሳያስ፡ ዝተታሓዝና ኮይኑ’ዩ ዝሕሰብ። ምኽንያቱ ኣብዚ 29 ዓመት፡ ናይ ሓብር መኣዲ ቃልሲን ንኹላትና ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል ሃሉዩና ፣ ሓደ መስመር ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝተጠርነፈ ይኹን ዘይጡርኑፍ ንለውጢ ዝደሊ ህዝብና ክንገብር ዘይምኻኣልና፡ ኩሉ እዋን ዝዝረበሉን ዝጥለብን ግንከ ኣብ ግብሪ ዘይተራእየን እዩ። ኮይኑ ግን እታ እንኮ መርሆ/መገዲ፡ ሓቢርካ ምቅላስን፣ ናይ ሓባር ውዳበ ምዃኑ ክርዳኣና ኣለዎ፡፡

ዶር. ገብረመስቀል ገብረማርያም ካብቲ በቢእዋኑ ዝህቦ ኣስተምህሮ ጠለቡ ኩሉ ግዜ ሓቢርካ ምስራሕን ኩለን ተጠርኒፈን ዘለዋ ውድባት በቢዓይነቱ ነናቱ ልፍንቲ እናገበረ፡ ካብ ከተማ ናብ ሃገር፡ ናብ ዞባ፡ ካብኡ ናብ ዓለምለኽ ብልፍንቲ መልክዕ ዝምድናታተን ከጠንኽራ፤ ኣብ መጠረሽታ እተን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ከም ይኣክል ልክዕ ከምቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብከተማታት ናብ ሃገራትን ዞባን ስጋብ ዓለምለኽን ብናይ ምውህሃድ ዝዓይነቱ ኣጋባብ፣ ኑኹሉ ዜጋታትና ዝጥርንፍ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝጠመተ፣ መሰረታቱ ከተማ ኣጋባብ ገይሩ ምስ ዝካየድ፡ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ክባሃል ይካኣል። እቲ ናይ ይኣክል ምንቕስቓስ ዝላዓለ ዓለምለኻዊ ሽማግለ ምስ በጽሐ፡ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ጽላል ኩሎም ብወከልቶም ማእከሉ ህዝቢ ዝገበረ ምእንቲ ክኸዉን፡ እቲ ናይ ይኣክል፡ ዋና ሜዳ መቃለሲ ክኽውን፡ እቲ ዝምረጽ ምኾነ። እቶም ካብ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ጽላል ዝወጹ ሽማግለታት ብኽእለቶምን ብብቕዓቶምን ዝተለለዩ፡ ብፍላይ ክኣ ውፉያትን ንስራሕ ቁሩባትን ክኾኑ ይግባእ፤ ብዝያዳ ግን፡ ነጻ ዝኾነት መርማሪት-ጸብጻብ auditor ክትህሉ ውሕስነት ዘለዎ ስራሕ ክካየድ ይካኣል። ኣብዚ ሎሚ ቅነ ዶር. ገብረመስቀል ገብረማርያም ዝሃቦ ፖለቲካዊ ትምህርቲ እዚ ውልቀ መላኽነት ግዚኡ ኣብቂዑ ስልጣኑ ኣብ ምስግጋር ይኸይድ ዞሎ ይመስል፤ እቲ ክህሉ ዝኽእል መሓውር ኣብ ሰለስተ ክኸዉን ከም ዝኽእል ኣብሪሁ።

ምስግጋር፡ ንወዲ ኢሳያስ ወይ ካልእ ኢሳያስ ዝኣምኖ ንገበናቱ ዝኽውለሉን መን ከምኡ! ዝብል ተኽእሎ ከም-ዘሎ፣ ወዲ ኢሳያስ (ኣብርሃም) ደድሕሪ ኣቡኡ ብምኻድን ተረኣይነት ክህልዎ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ እንዕዞቦ ዞሎና ህሞት እዩ።

ካልኣይ መሓውር፡ በቲ ተወዲቡ ዘሎ ወተሃደር ዕልዋ ክገብር ይኽእል፣ብሰንኪ እዚ 2018 ጀሚሩ ዝገብሮ ዘሎ ውዑላት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሕጅስ ይኣክል ልእላውነትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን፣ ካብ ዝብል ስልጣን ኣብ ኢዶም ክጭብጡ ይኽእሉ። እዚ ዓይነት ለውጢ፡ ናበየናይ ገጹ ክኸይድ ከም ዝኽእል ስለዘይፍለጥ ውሕስነት ዘይብሉ ኮይኑ፡ መንን ናበይን ዝብል ወኸሳ ዘምጽእ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ለውጢ ስሩዕን፡ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ዝግበር ቃልሲ መገዲ ክኽፍትን፡ ኣብ ውጺኢቱ ግን ኣታኣማማኒ ክኸውን ብሓቂ ዘስግእ ህሞት እዩ። እዚ ዓይነት መድረኽ ውጺኢቱ ኣወንታዊ ክኸዉን፡ እዚ ኣብ ደገ ዘሎ ደምበ ፍትሒ፡ ዱልዱል ውደባን ጹኑዕ ምትእትእስሳር ምስቲ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ዘሎ ጥርኑፍ ወተሃደርን ፍትሓውያን ተቓለስቲን፡ ጹኑዕ ዝምድናን ርክብን ምስዝህልዎ ጥራይ እዩ፡ ዝተራጋገጸ ምስግጋር ክህሉ ዝኽእል።

• እታ እንኮ ዘይተጣራጥር ሳልሳይቲ መሓውር፣ ዲሞክራስያዊት ምስግጋር እያ። እዚ ዓይነት ሰውራዊ ለውጢ ንኸመጽእ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ሃገር ተጠርኒፎም ዘለዉ ባእታትና እተን ብስውር ዝሰርሓ ዘለዋ ምንቅስቓሳትን፣ እዘን ኣብ ዲያስፖራ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘካይድኦ ልፍንታዊ መሳልል ማእከል ዝገበረ፡ ነተን ብልፍንቲ ኣጋባብ ናይ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ዝተጠርነፋን፣ ብከምኡ ኣጋባብ ሞያውያንን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዘካናወነኦ፡ ናይ ዝምድናታት ሽማግለ ሃልይወን፡ ኣብ ድያስፖራን ባይቶታት ዓለማትን፡ ጥርዓንን ጠለብን ህዝብና ዘብጽሑ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ክኣ ዱልዱል ርክብ ገይሩ ንዝውሰድ ስጉምቲ ናይ ሓባር ዝኾነሉ ዝስራሕ ኣጋባብ ክካየድ ከሎ እዩ፡ ሩጉጽን እርኑብን ምስግጋር፣ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ዝካየደሉ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዝሳጋገረሉ፡ ደሞክራስያዊን ፍትሓዉን ስርዓት ክትከል ዝከኣል። እዚ ዓይነት ኣጋባብን መስርሕን፡ ናትና ሓሳብ ውን ከምኡ ኮይኑ፡ ቁኑዕ ኢዩ` ውን ንብል።

ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝዋሳእ፡ ሓድነት ናይ ኒሕ/ሓቦ (morale) ክህለወናን፣ ሕብረት፣ ጥምረት፣ ቀንዲ ባህርያትና ክኾና ኣለወን፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት፡ በቲ እንደልዮን ዝስማዓናን ከነኽብራን ክንዝክራን ቀኒና። እዛ ክብረትናን መንነትናን ዜግነትናን፣ ልእላውነት ሃገር ዝተጓናጸፍናላ መዓልቲ፣ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ-ኣፋላላይ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ዝነበረ፡ ሓቢሩ ብሓጎስን ዕልልታን ዝተቐበላ፡ ሓድነቱ ዝርኣየላ፡ ድሕሪ እቲ ብሙሉእ ድምጹ ዘስመረላ፣ ተስፍኡን ድልየቱን ናብ ሓርነትን ነቲ ተቖጽዩ ዝነበረ ብሰንኪ ጉብጣን ስርዓተ ኢትዮጵያ፡ ናብ ሃገራዊ ዕርቂ፣ ብህዝቢ ዝተወከሉ ሃገራዊ ባይቶን ካብኡ ዝወጸ ፈጻሚ ኣካልን፡ ናጻ ዝኾነ ፈራዲ ኣካል፡ ብነጻ ዝዋስኣ ህዝባውያን፣ ሲቪካውያን፣ ሞያውያን ማሕበራት፡ ዝቖመሉ፣ ተዓቢሱ ዝነበረ ኣፍ ዝኽፈተሉ፣ ናጻ ፕረስ ሃልዩ ብዘይ ሰጋእ-መጋእ ርእይትኡን ሓሳቡን ዝገልጸሉ፡ ኮታ ጎደና ደሞክራሲ እንጓዓዘሉ ዝነበረ ባህግና፡ በዚ ገባቲ፣ኣግላሊ፣ ሓሳድ ማፍያዊ-ደስቡጣ ስርዓተ ኢሳያስ ተጨውዩ`ስ፡ ህዝብና ኣብዚ ኩሉና እንፈልጦ ናብራ ክነብር ተገዲዱ።

ነዚ ኩነታት ህዝብና ንምድሓን ስልጣን ናብ’ቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝብና ንምምላስ ሕጂ’ዉን ይካኣል እወ ይካኣል! እንተ ድኣ ኩሉ ግዜ 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት፡ ኣብነት ሓድነትና፣ ኣብ ቅድሜና ጌርና ሃገራዊ ስሚዕትና ብሉዑልን ልዙብን ኣጋባብ ከነካይዶ ኪኢልና፡ ኒሕ ሓድነት (morale) ናይ ኣቦታትና ዘውረሱና ኣሐዲስና፡ ኣብ ምርግጋጽ ሓድነት ህዝብን ውድባቱን፡ ዓጋቲ የብሉን፡፡

ሓደ ዓቢ ፖለቲከኛ ፒየትሮ ነኒ ዝባሃል፡ “ፖለቲካ ኣብ ስነ-ሓሳባዊ ራኢ እምበር ኣብ ስሚዒት ዝተሞርኮሰ ክኸዉን ኣይግባእን፤” ወሲኹ ይብል “ኩሉ’ቲ ንፍትሒ ዝቃለስ ኣብ መጠረሽታ ኣብ ሓደ መኣዲ ክመጽእን፣ ናይ ሓባር ቃልሲ ከካይድን ግደታኡ እዩ።” ይብል።

ብወገንና ’ዉን ፋልና፡ እዚ ደምበ ፍትሒ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕን ኣብ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል በጺሑ፤ ብሓደ ኣካል ዝዋሃሃድን ድምጹ ዘስምዓሉን ክንርኢን፡ ከምታ መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት፡ ብሓደ ድምጺ ልእላውነትና ቅድም፣ ንሓርነትና ብጥምረት ንሰርሕ፡ ዝብል ትምኒትና ትምኒት ዝበዝሐ ህዝብና ምዃኑ ኣይንጣራጠርን። ስለዝ’ዩ ኩላትና ናይ ገዛ ዕዮና ንግበር እንብል፡፡

ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራማር ንባራበር

ኣቕረብቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ኤርትራ ኣብ ናይ ቅልውላው እዋን፡ ትንታነ ብዛዕባ ንፈ ላማይ ምስግጋር ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ።
Eritrean at a Critical Juncture: An Analysis of the Struggle for a First Political Power Transition in Eritrea.
Dr Gebre Gebremariam ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም
(1ይ ክፋል ክሳብ 4ይ ክፋል)

1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡   4ይ ክፋል፡  


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: