ኣንቲ ወላዲተይ

08/03/2018 14:35 PM

ኣንቲ ወላዲተይ

ግጥሚ ብ'ሞጎስ ያቆብ
Poem by Mr. Mogos Yakob.


ኣንቲ ወላዲተይ


ኣንቲ ወላዲተይ

ኣንቲ ወላዲተይ!
ኣንቲ ለዋህ መጽዋቲት
ሓዚልኪ መዕበይት
ኩሉ መንቅብ ከዋሊት
እወ እስኺ መድሃኒት
እስኺ ንደቅኺ ኣላይት!

ኣንቲ ኣደይ ወላዲተይ!
12 ወሊድኪ፣ 1- ዘይብልኪ
ዝጥወር ዝሕግዝ ኣብ እርጋንኪ
ሙርኩስ ዝኸውን ደገፍኪ
ዘደዓዕስ ንጓሂኺ!

ኣንቲ ኣደይ ወላዲተይ!
ትንፋስኪ ኔሩ ትንፋሰይ
ኣንቲ ኣደይ ዓንዲ ቤተይ
ኣንቲ ኣደይ ንስኺ ክብረተይ
ኣንቲ ኣደይ መብራህቲ የዒተንይ
ኣንቲ ኣደይ ዘንጊ ሕቐይ
ኣንቲ ኣደይ ዓንዲ እምነተይ
ኣንቲ ኣደይ መጻኢ ተስፋይ
ኣንቲ ኣደይ ጎኒ ፍቕረይ
ኣንቲ ኣደይ ማህደር ሚስጢረይ
ኣንቲ ኣደይ ማእከል ባህሊ ሂወተይ

ኣንቲ ኣደይ ወላዲተይ!

ዝጓዘመ መሲሉኒ ዳሃይ ሰላምኪ
ካብ’ቲ ጫካ ዝተዳህየ ዝሰመረልኪ
ጸላምኪ በሲዑ ዝወለዐ ብርሃንኪ
ተስፋ ሰብኣዊ ሓርነት ዘቓለሐ
ስቓይኪ ወዲኡ ዘብቐዐ
ዝያዳ ዶ ጎድንኺ ተወቕዐ!?

ወጽዓኺ እንዳረኤኹ
ሓዘንኪ በዒንተይ እንዳ መስከርኩ
ፈሪሄ ኣደይ ቦቑቢቐ
ነዛ ሂወተይ በቒቐ
ሓሚቐ ተመንጢለ ሰላመይ
እወ ጠሊመ ነቲ ቦኽረይ

ኣንቲ ኣደይ፣ ጃጂየ
ጉዑዝ ኾይነ ሞይተ
ሰኒፈ ኣርሒቐ ሃዲመ።

ኣንቲ ኣደይ፣ ኾይነ ሓሪቐ ዘይነዳሪ
ኾይነ ፍራህ ቆዛሚ መማረሪ
ኾይነ ጠላም የዕንቲ መዕውሪ

ትርግታ ልበይ ዲም ዲም ይብለኒ
እሳቐ እሳሐግ የዕነኒ

የዕንተይ ደም ይሰርብ ኣደይ ስለኺ
ስለ እቶም ጀጋኑ ዝመጽወተት ከርስኺ
ስለኺ ኣደይ ቀያሕቲ ዘሕለፍኪ ስለ ርስትኺ

ልበይ ይቃጸል ዲም ዲም ይብል ኣጥቢቑ
ሓንጎል ኣይውስን ኣይርእይ ኣጽቂጡ

ኣንቲ ለዋህ ኣደይ!
ጠሊመ ሕድሪ ሓወይ
ዝጥዕመኒ መሲሉኒ ንበይነይ
ሰሲዐ ከርሰይ የዕብየ
ዓዲ ሃገር ኣርሒቐ ሃዲመ
ዝድብሶ መሲሉኒ ጓሂኺ
ሓንቲ ሙርኪስ እኳ ዘይገደፍኩልኪ!

መዓስ እሞ ኣነስ ጢዑሙኒ
ሽግር፣ ጭንቀት መከራ ኸቢቡኒ
ለካስ እኽሊ ኣብ ዓውዱ
ወዲ ሰብ ክብረቱ ኣብ ዓዱ
እዩ ኔሩ እቲ ሓቁ ቑም ነገሩ

ኣቱም ትኣስሩ ፣ እዳውኩም እሰሩ
ነቲ ውጹዕ ግዳ ዘይትርህርህሉ
መታን ጸላምና ክርሁ
ፈጣሪ ገጹ ክምልሰልና
ዘይንሓድግ ህልኽ ሕድሕድና
ዘይንፋቐር ግዳ ከም ደቂ ሃገር ኩልና
ክርሁ እቲ ደልሃመት ጸልማትና
ክንኣቱ ብሰላም ቤትና

ኽትዕልል እታ ወላዲት
ከብቅዕ ዘመን ክሕደት
ኣደ ክትድበስ ሓዘና
ኣብታይ ክዕንድራ ኣብ ገደናና
ሽሻይና መሊኡ ክርህው
መኣድና መሊኡ ክካዓው።
ዝተበታተነ ዜጋ ክኣትው ቤቱ

በሉ ንፋቐር ንሕና ብንሕና
መከራ፡ ስቓይ ስደት ከብቅዓልና
ኸነኽብር ዋጋ እቲ ኩቡር ደም ሰማእታትና
ንጠመር ብሓደ ክንመልስ መሰልና

ሞጎስ ያቆብ

March – 8 - 2018


Share with friends:



ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

እታ ዑፈይ:-
መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡  


Adey weladitey ኣደይ ወላዲተይ!