ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 7ይ ክፋል

08/03/2018 13:57 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

7ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 7ይ ክፋል

ናብ ቁጠባ ቁልውላው ዝጀመርኩዎ ክቅጽል። እቲ ካልእ ተወሳኪ ኣታዊ ድማ፣ ዓርበሮቡዕ ወፊርካ ዕንጨይቲን በለስን ምሻጥ እውን ካብቲ ኣዝዩ ዝሓገዘና ኣታዊ ምንጪ እዩ ኔሩ፣ ግና እሾኽ ዘስዓቦ ጸገም ዓበቕ ተወዲእካ ኢኻ ትሓልፎ። ብፍላይ ኣብ ቤት-ምህርቲ ዝጅመረሉ ዘሕድረለይ ዝነበረ ስነ-ኣእሙራዊ ጸቕጢ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእሙረይ ዘይጠፍእ ዝኽሪ ቑልዕነተይ እዩ።

ኣብዚ ጉዕዞ፡ ኣደይ ካብ እገረይ ተፈልያ ኣይትፈልጥን፣ ኣብ ምትብባዕን ምዕንጋልን ዝተጻወተቶ ተራ ዓቢ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ፡ ተጋደልቲ እውን ንረክብ ስለዝነበርና፣ ንሜዳ ከይስለፍ ኣጥቢቓ እያ ትሕልወኒ ዝነበረት። ካብ ምፍታን እውን ዓዲ ውዒለ ኣይፈልጥን ብፍላይ ብመንገዲ ዓዲ-ቀ ንግደት፡ ግን ነብሰይ ጽሙእ ስለዝነበረ ኩሉ ጊዜ ይመልሱኒ። ክልተ ኣጋጣሚ ከዕልለኩም፡ ሓደ መርድእ ዘብጻሕኩዎ እዩ ኔሩ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ሓገዝ ሓራስ እዩ ኔሩ።

ተጋዳላይ ካላሽኑ ዓጢቑ፡ ኣነ ድማ ምስ ቡዙሓት ደቂ ገዛውትና ብኡኩባት እዩ ኔሩ ጉዕዞና፣ ተጋዳላይ ገጹ ሸፊኑ ይፈላልየና፣ ተጋሩን ኤርትራውያን እንዳበለ። ዳሓር እንዳቦይ ፍስሃየ ዶ ትፈልጥዎም? ክብል ሓተተ፣ (እንዳ የማነ ፍስሃየ፡ ንብሱ ይምሓሮ፡ ኣብርሃም ቁንጺን-ተጻዋታይ ኩዑሶ ሙዃኖም እዮም)፣ ኣነ ድማ ተቐላጢፈ እወ ኣዲኦም ክትሓርስ ሞይታ ክብል ኣርዳእክዎ፣ ወዲ ዘሊሉ ንህድሞ ኣትዩ “ክነብዕ” ረኤኽዎ፡ ሓዎም ሙዃኑ ኣይፈለጥኩን፣ ተጋዳላይ እውን ዝነብዕ ኣይመሰለንን እዩ ኔሩ!! ባዓል ኣደይ ክበልዓኒ ደለያ እሰን ጃ ፈሊጠንኦ ኔረን፣ ንየማነን ንኣብራሃምን ዳሃይ ሓዎም ኔጊረዮም ኔረ።

እታ ካልኤይቲ፡ ሓደ ኣጋጣሚ ዘይርሳዓኒ፡ ጥንስቲ ሰበይቲ ምሳና ወፊራ ነበረት። ኣብ ጉዕዞ እንከለና ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ኣደይ ድማ ብቑልጡፍ ምስተን ዝነበራ ኣዴታት ተሓጋጊዘን በዘይዝኾነ ጸገም ሰበይቲ ከሕርሳኣ ይዝከረኒ፡ እቲ ቆልዓ ድማ “ብዕድሉ” ክብላ ስም ሃበኦ። እቲ ዘገርም ኣብ ልዕሊ ጾረን ጾር ነዛ ሓራስ ሰበይቲ ተሸኪመን ንኣስመራ ክኣትዋ፡ ክንዲዚ'ስ መን ኾን ይውፈ!

እንተ ሎሚ፡ ኣብ ዓዲ፡ ብጾትና ተተጎሲሶም ክእሰሩ ትም ንብል። ኣዋልድና ኣብ ቕድሚ የዒንትና በደዊን ኣብ ሰሃራ ክጋሰስወን ቡኡ ጥራይ ይሕለፈልና ኢልካ ስቕ። ኣዝዩ ተካል ዘመን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ እሞ ድማ ጡዑም ዝብሃል ነገር ዘየለ ክንሱ።

እቲ ካልእ ኣታዊ ምንጪና ድማ ኣብ ጦር-ሰራዊት ዝዓስከርዎ ቦታ ዝተረፈ መግቢ ምልማን እውን ካብቲ ከብድና ነዕንግለሉ ዝነበርና ብልሓት እዩ ኔሩ።

እንተ ሎሚ እሞ፡ እታ ኤርትራ ረኺብናያ መግቢ መሊኡ፣ ሰላም ሓርቢቱና ንስደድ ኣለና። ወለድና ነዛ ከብድና ከዒንጉሉ ከርትት ክብሉ እንከለው።

ንሕና መንእሰያት ድማ፡ ሃገር ወይ ዜግነት ክህልወና፣ ሰላም፡ ናጽነት፣ ሓርነት፣ ዲሞክራሲ፣ ቁጣባዊ-ሓርነትን ሰብኣውነትን ከነናዲ፡ ዝማህረን ዘይተማህረን ኩሉና ብማዕረ ንስደድ። ናተይ ከርትት ቡሩህ መጻኢ ንደቀይ ክኸውን ይምነ።

ኣብ ናይ ስደት ጉዕዞይ፡ እቶም ብ Latin America ዝሓለፉ መንእሰያት፣ እቲ መምህር ናይ ዪኒቨርስቲ፣ እቲ ኣብ "ሚዕጠር" ዝብሃል ስቓዩ ዝረኣየ፡ እቲ ዕድል ሓደ ኢዩ ንኹልና።

ፈቲና ጸሊእና እቲ ፍታሕ ኣባና ኣብ ኤርትረውያን እዩ ዘሎ። እቲ እንኮ መፍትሒ ድማ ንሕና ክንጥርነፍ ብዓለም ደረጃ መራሕትና ክንመርጽ ምስ እንበቕዕ ጥራይ እዩ።

ይቕጽል ናብ 8ይ ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

VOICE OF ASSENNA: ኩሎም ኣብ ስደት ዝነብሩ ስድራቤታትን ኤርትራውያን ብሓፈሻን ብቐዳምነት ክነቕሑሉን ንምፍትሑ ክዝትዩሉን ዘለዎም ኣገዳሲ ጉዳይ (30 Nov 2017)