17/10/2019 19:23 PM
ነጸብራቕ / ስንጸት (reflection)
1ይ ክፋል
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ
ነጸብራቕ / ስንጸት (reflection) 1ይ ክፋል
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ኩቡራት የሕዋት ሎሚ ክንዛረበሉ እንደሊ ነጸብራቕ / ስንጸት (reflection) ዝብል ኣርእስቲ ኮይኑ፣ ነዚ እንጓዓዞ ዞሎና መስርሕ ቃልሲ-ፍትሒ፣ ኣብ ምውዳእ 2019 አብ ምጅማር 2020 ገጽና ንኸይድ ስለ ዞሎና፡ ገምጋማትን ስንጸትን / ነጸብራቓት ዝግበረሉ፣ ሓዲሽ መስርሕታት እትእምተሉ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓና፣ ብወገና ንምስታፍ ዝዓለመ እዩ።
ከም ምርዳእና ኣገዳስነት ናይ ሓደ ዲሞክራሲ፣ ሓደ ምትእስሳር ዜጋታት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ስራሕ ንምክያድ ዝህነጽ ህዝባዊ ውዳበ ኮይኑ ኩሉ ዝሳተፎን ንጡፉት ዜጋታቱ ኣላልዩ ዘዋስእ፣ ዕላምኡ ዘነጸረ ራኢኡ ብሩህ ኮይኑ ኣብ ሽትኡ ክበጽሕ ዝጽዕር ምትእኽኻብ ምዃኑ እንዝክርኖ ይመስለና፡፡
ንምዝካሩ እታ ቃል ደሞክራሲ ብናይ ግሪኽ ቋንቋ፡ ደሞስ ህዝቢ ካቶስ ስልጣን፣ ኮይኖም ናዘይዘን ክልተ ቃላት ተደሚረን ስልጣን ናይ ህዝቢ ይገልጻ፤ ብሕጽር ዝበለ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኾይኑ ብቐጥታ ይኹን ብውክልና ዝራጋገጽ ኣጋባብ ይኽተል፡፡
መልክዕ መንግስቲ፣ ነቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዝብሃል ብቐጥታ ንሱ ዝመርጾ ወይም ብነጻ ድልየቱን ንውልቀ ሰብ ይኹን ወይ ብውድብ መልክዕ ክውክልዎ ዝኽእሉ መሪጹ ብዝልኣኾም ይካናወን፡፡
ከመይ ዘመሰሉ ምሕደራ(ተቓራረብቲ ክንብሎም እንኽእል፡ ‘መዓስ መን ይእዝዝ’)፣ መልስታት ስልጣን ብህዝቢ ዝውነን፣ ውይም ብኦሊጋርኪ(ውሑዳት ወይ ንኣሽቱ ጉጅለ ስልጣን ዝትሓዝ)፣ ከምኡ ብሞኳንንቲ (aristocracy) ኣሪክሮስክራስያ (ስርዓተ-ቡሉጻት)፣ ወይም ስልጣን ውልቀ መላኺ፣ ተክኖክራሲ (ብተክኒካዊ / ኪኢላታት ዝማሓደሩ)፣ ትዮክራሲያዊ መንግስቲ (ብሽም እምነት ዝማሓደር ስርዓት) ዘኣመሰሉ ከም ዘለዉ ንምዝካር ምስቲ እንደልዮ ደሞክራሲ ስርዓት ምንጽጻር ክጠቕመና ይኽእል።
"ህላውነት ደሞክራሲ ወናኒ ስልጣን ህዝቢ ምስ ዝኸዉን እጥራይ እዩ"። ኩሉ እቲ ካልእ ስርዓታት ዘይደሞክራሲያዊ ኮይኑ፣ ብወገና ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ክንርድኦን ምስ እንኽእል ሽቶ ፍትሓዊ ቃልስታት ክዕወት ይኽእል።
አዚ ዝተጠቕሰ ኣጋባብ ምሕደራ ኣብ ኩሉ ዓይነታት ኣዋዳድባ’ዉን ክህሉ ስለ ዝኽእል፣ ብኑጹርን ጡንቁቑን መስርሕ ደሞክራሲ ክንጓዓዝ እዩ ዝምረጽ፡፡
ነዚ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ግጅለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒና ከነውጽኦ እንተ ደኣ ኮይና፣ ንሕና ብቐዳምነውት ደሞክራስያውያን ፍትሓውያን ክንከዉን ይግባእ።
# ልእላውነት ብናይ ኩሉ ድልየትን ቃልስን ዝራጋገጽ ስለ ዝኾነ፣ ብማንም ዓይነት ክጓነ ወይ ክጎድል ክሓቅቕ ኣይክእልን፤ ዋና ልእላውነት እቶም ናይ ሓባር ቃልሲ ኣካይዶም ዘጓነጽፍዎ ብምዃኑ መጠን፣ ብዘይካኣቶም ካልኦት ክውክልዎ / ምስለንነት / ባእላነት የብሉን ይብል ዓቢ ፍላስፋ ጃን-ጃኰስ ሮሱው (Jean-Jacques Rousseau)፡፡
እቲ ምርጫ ካብዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንጠቕምኻ ምምላእ፣ ገለ እዋን ካብ ባህርያት ደቂ ሰባት ዝነቐለ ኮይኑ፣ ስልጣን ንምሓዙን በቢ ዓይነቱ ስልትን ስትራተጅን ከም ዝጥቀሙ ንኹላትና ብሩህ ኮይኑ፡ እቲ ንመሰል ደቂሰባት እትረኽበሉ፣ ብስርዓተ ሕጊ እተምሓደር፣ ፍትሒ ዝነግሰሉ፣ ብቑዋም ዝማሓደር ደሞክራስያዊ ባይታን ሃገርን ውድብ’ውን ከይተረፈ ዘጣቓልል ምዃኑ መጠን፣ ብንቕሓት ክንዋሳእ እዩ ዝምረጽን ዝድለን፡፡ ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ኩሎም ሕግታትን ውጥናትን፣ ንመሰረታዊ መተክላት ናይ ህዝባዊ ውዕል ወይ ሃገራዊ ቅዋም ብዘይ-ጻረር መገዲ በቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ወኪል፣ መንግስቲ ይጸድቁ፤ እቶም ሕግታት ፖሊሲታትን ድማ ንድሌት፣ ክብርን ረብሓን ህዝቢ ከንጻባርቕ ይግባእ፡፡
ደጊሙ ክጥቀስ ዘለዎ፣ህዝቢ ከቢሩ ወናኒ ምዕባሌኡ ክኸዉን እንተ ኾይኑ መሰረታውያን ናጽነታት የድልይዎ፤ እዞም ናጽነታት እንተዘየለዉ ኣብ ሃገር ይኹን ውድብ፣ ፍትሕን ምዕባለን ክህሉ ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ ጥራይ ምዃኑ ታሪኽናን ታሪኽ ህዝብታት ዓለምን ይነግረና፡፡
ብዓይኒ ሓቂ ንምርኣይ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ እንተ ገምጊምናዮ ኣዚዩ ጎሊሑ ክርኣየና ይኽእል። ነቲ ኣብ ደምበ ፍትሒ’ከ ባህርያት ደሞክራሲን ፍትሕን ብምልኡ ይማላእ ኣሎ’ዶ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ ክይኑ ይስምዓና።
እዝን ረቂቕ ስልቲ ውልቀ መላኺ ዘርኢ አብ ዝመጽእ ነጸብራቕ / ስንጸት ክንርእዩ ክንፍትን ኢና፡፡
ኮይኑ ግን ምሕሳብ ምስትውዓል ምምርማር ከድልየና እዩ፡፡
ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራርበር!
ኣቕረብቲ፡-
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን
ቢዙ ቡቱኞሊ
ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፡
ዝሓለፈ ክፋላት ንምንባብ፥
1ይ ክፋል፡
2ይ ክፋል፡
See also more articles by
ካልኦት ብ' ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
- recent Articles by ፍትዊ ክፍለ (Ftui Kifle)
- ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ?
- ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና
- ሕድርን ምሕጽንታን ኣቦታትና ንኸተል
- ንሕና’ውን ከነሰንፍ (ክንዕወት) ንኽእል ኢና
- ነጸብራቕ / ስንጸት(reflection) ሰላማዊ ሰልፊ ጊነቭራ
- ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡- ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ክፋል ሳልሳይ ክፋል
- ዕለት 25 March - ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ባርነት
- ሸከም ወይ ጾር ዝኾነ ጋሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
- ሰላም ክነሰይ፣ ፍትሒ መሪጸ
- ሰላምን ውህደትን
- ሃገራዊ ልእላውነት፣ ህዝባዊ ሓድነት
ATV: ሓባራዊ ዘተ፥ ስምረት ክልተ ውድባት - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሃገራዊ ድሕነት (ሕድርን) - ፍራንክፈርት (ጀርመን)
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።