01/11/2019 21:10 PM
ነጸብራቕ / ስንጸት (reflection)
2ይ ክፋል
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ
ነጸብራቕ / ስንጸት (reflection) 2ይ ክፋል
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ኩቡራት የሕዋት፣ ኣብ ቀዳማይ ጹሑፍና ነጸብራቕ / ስንጸት (riflection) ብዛዕባ ደሞክራሲ፣ ደቂ ሰባት ነቲ ናቶም ክኸዉን ዝግባእ ስልጣን፡ ማለትሲ ደሞክራሲ = ስልጣን ናይ ህዝቢ፣ ብሓጺር ወይ ጹሟቕ ጥምሮ-ሓሳብ ገሊጽና ነይርና። ከምኡ ዝተፋላለየን በቢ ዓይነቶም ምሕደራ ክህልዉ ከም-ዝኽእሉ’ዉን ሓቢርና ነይርና።
እቲ ከነማሓላልፎ ዝደለና ወይ-ውን መልእኽትና፣ ቀንዲ መግለጺ ደሞክራሲ ፈሊጥና ኣብ ኩሉ ዓይነት ጥርናፈናን ምትእኽኻብናን ውድባትናን ስርዓተ ደሞክራሲ ክንጥቀም፣ ካብዚ ኣጋባብ ተሞክሮ ልምምድን ብምጥቃም፡ ነቲ ብዓቢኡ እንቃሎሶ ዞሎና ፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕጊ ሓጋዚ ጥራይ ዘይኮነስ እምነ-መሰረት እዩ’ዉን ዝኸዉን።
ካብዚ ዝነቐለ ነቲ ጀሚርናዮ ዝነበርና ሓጺር ትምህርቲ ሓዘል፣ ነጸብራቕ / ስንጸት (riflection) ብምቕጻል፣ ን ብደቂ-ሰብ ዝፍጠር ዘይንጹር / ኣዳናጋሪ ኣጋላልጻ ወጺኢና፣ እቲ ኩዉን ኮይኑ እንርእዮ ስንጸ-ሓሳብ ደሞክራሲ፡ ኣዚዩ ቀሊል / ፈኲስ ገይርና ከይንርድኦ ምእንቲ ብፍላይ፡ ብውልቀ-መላኺ፣ ኑግሳውያን፣ ተክኖክራት፣ ኣሪስቶክራት ተኦክራት፣ ወዘተ.. ዝትከሉ ስርዓትታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ትርጉም ዘይ-ደሞክራሲ ምሕደራ ገይርና እንሓስቦ ክንሁሉ ንኽእል ንኸዉን፡ እንተኾነ ከምኡ ኣይኮነን ብሽም ደሞክራሲ ዝገዝኡ ወይ ዘመሓድሩ ኣለው እዮም፡፡ ንምርድኡ ክልተ ሕቶ ነቕርብ፡ ሀ) ኣየኖት መሳሪሒ / መጋበርያ ይጥቀሙ ንኽገዝኡ / ከማሓድሩ? ለ)መን እዩ ህዝቢ? ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታ ክንምልስ ይግባእ።
ብሓፈሻ / ብርሒብ ኣዛራርባ ‘’መንግስቲ’’ ዝተፋላላዩ ዕማማት / ስርሓት ዝሓዘ ምዃኑ ምፍላጡ ኣገዳሲ ይኸዉን። እቲ ሕግታት ዘጽድቕ፣ ማለትሲ ብሓባር ዘንብረካ ግዝኣተ-ሕጊ ዝስንድ ንምምሕዳር ዝጠቕሙ ዓንቀጸ-ሕግታት ዘጽድቕ፣ ናይ ሃገር / ውድብ ቅርጻ ፖለቲካ ዘትሕዝ፡ ንስርሓት ፈጻሚ ኣካልን ናይ ዝተፋላለዩ ትካላት ዝካታተል፣ እቲ ዝዓበየ ግደ ዘለዎ፣ ኣብ ሓደ ሃገር ከምኡ ውድብ ክባሃል ይካኣል።
ታሪኽ ከም ዝምህረና እዚ ዝተፋላለየ ሓላፍነት ኣብ ሓደ ሰብ ከም ንጉስ ወይ ጨቋኒ / መላኺ / ድስቡጣዊ ክም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ከም ዝነበሩ ኣነጺሩ እዩ ዝሕብረና። ምስ ግዜ ብቓልሲ ህዝብታት መልክዑ እናለወጠ፣ መሰል ደቂ ሰባት ዝሕለወሉ ክጋሃዱ ጀሚሮም። መንግስቲ ቁቡል ክኸዉን ኣብ ሰለስተ ኣካላት ዝተኻፋፈለ ወይ ሰለስት ዓንድታት ዝተሰረተ ክኸዉን ከሎ እዩ ዝብል ሓሳብ ክዓዝዝ ጀሚሩ። ነዚ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ ዝበለ ኣብ 1748 ሓደ ሞንተስኲ (Montesquieu) ክኸዉን ከሎ ገይና ኣብ ግዜና’ዉን ዓዚዙ እንክታዓሉ ዛዕባ እዩ።
ደሞክራስያዊ መንግስቲ፡ ሓጋጊን፣ ፈጻሚን፣ ፈራዲ ኣካላት ዝሓዘ ክኸዉን ኣለዎ፣ነዚ ሰለስተ ዓንድታት እንተዘይ ሃልዮም ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክባሃል ኣይካኣልን ስለ-ዝኾነ ኢና ደጋጊምና እነስምረሉን ንጹር ገይርና ክንርእዮ ኣሎና እንብልን። እምብኣርከስ ሓደ ህዝቢ ከምኡ ኣባላት ናይ ሓደ ውድብ ቀንዲ መሰርሕ ናይ ሓደ መንግስቲ / ምምሕዳር ንሕጊ ዘጽድቕ (ሓጋጊ ኣካል)፣ ምምሕዳር ዘካይድ ኣካል (ፈጻሚ-ኣካል)፣ ተኻታታላይ ስራሓትን ንብረትን ንዋትን (ፈራዲ ኣካል ኣብ ሃገር፣ ኦዲተር ኣብ ውድባት) ብጉቡኡን ብሙዱቡን ክትርጉማ ከም ዘለወን ምስ ዝግበር ጉዑዞ ደሞክራሲ ይካናወን ኣሎ ክብሃል ዝካኣል፡፡
ብዛዕባ መሳርሕ ደሞክራሲ ሰፊሕ መግለጺ ክዋሃብ ይካኣል እንድዩ፡ በቢግዚኡ እቶም ኪኢላታት / ሰብ ሞያ ዜጋታትና ነናቶም ራኢን ትንታኔን ክህቡ እና-ዓደምና፣ ፍልጠትና ክዓብን ብጉቡእ ክህነጽን ከም ዘድልየና ዝስሓት ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልስና ዘጥረናዮ ናይ ልቃሕ ስነ-ሓሳብ፣ ነቲ ባህልን ልምድን እምነትን፣ ናብራ ሂወትን፣ እንዳባ ግዝኣተ-ሕጊን ህዝብና ሰይሩ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዞሎና ድስቡጣዊ ስርዓተ ጉጅለ ህግደፍ ዘሳጋገረናን፤ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ፍልጠት ድንቁርና፣ ክንዲ ትምህርቲ ዕስክርና፣ ኮታ ወተሃደራዊ ባህርን ባህልን ንምሓዝ ሳዋ ኢሉ ዝማሃዘ ስርዓት ብቐሊል መገዲ ኩሉ መስርሕን ኣጋባብን ደሞክራሲ ክትርድኦን ክትፈልጦን ዘይካኣል ምዃኑ ብሩህ ክኸዉን ይግባእ።
ጥልቕ ዝበለ ርእሰ ነቐፈታ ክንገብር እንተኺኢልና እቶም ኣብ ኩሉ ዉዱባት ደምበ ፍትሒ እንዋሳእ ዘበልና፣ ብሓቂ-ዶ ንደሞክራሲ ተረዲኢና ፍትሕን ግዝኣተ-ሕጊን ኣብ እንገብሮ ውድባታትና ነዘውትር? እዛ ሕቶ እዚኣ ንሰውነትና ክንሓታ ኮሎና፤ ብሓቂ ከምቲ ዝግብኦን ክኸዉን ዘለዎን ኣይጥቀማሉን እየን ዝብል መልሲ እዩ ዞሎና። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ኩለን ውድባት ባይቶ፣ ፈጻሚ-ኣካል ተቋጻጻሪት ዝብል ቅርጻ ትሪኢ ኢኻ። ነዚ ዓይነት ቅርጺ ንምብጻሕ ብጉባኤ ኣቢለን ከም ዝሓልፋኦን፣ ኣብ መሰረት ውዳበኤን ካብታ ንኡስ ጨንፈር ጀሚርካ ኣብ ጨንፈር ዞባ ስጋብ ዓለምለኻዊ ውዳበ’ዉን መስርዑ ሒዙ ዝመጽእ ኣጋባብ ይኽተል፡፡
እዚ ዓይነት ኣጋባብ ኣማጻጽኣ ኣብ ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ኣሳራርሓ ክባሃል ይካኣል ይኸዉን፤ኮይኑ ግን ብወገና (formaliy) ወግዓውነት ደኣምበር እቲ ናይ በሓቂ ሕጋውነት ከብሎ ኣይካኣልን፣ ምኽንያቱ ኣብ ጉባኤታቱ እቶም ሰለስተ ኣካልት ሓጋጊ-ኣካል ካቡኡ ፈጻሚ ኣካል፣ ኦዲተር (ተካታተሊ ስርሓትን ንብረትን) ዝሓዘ ቅርጺ ሒዙን ስርሓቱ ብደምቢ ኣነጺሩ ስለ ዘይወጸእ ዝብል ግምት ኢና በጺሕና፡፡
ስለምንታይ ካብቲ መሰረት ሒዝካ ስጋብ እቲ ዝላዓለ ጉባኤ ውድባት እቲ ልክዕ / ቀንዲ ዓንዲን ኣጋባብ / መስርሕ ደሞክራሲ ስለ ዘይጥቀሙ ወይ ዘይኽተሉ፡ እዚ ኩሉ ምትእኽኻብ ምፍንጣሕ ዝርአ ምስክሩ እዩ። ኣብ ደሞክራሲ ብዙሑነት ኣብ ሓድነት ዝተሰረተን ንኹሉ ዝጓነፍ ግርጭታት ብደሞክራስያዊ ኣጋባብ ዝፈትሕን፣ ናይ ሓሳባት ፍልልይ መሀብተሚ እምበር ኣጸጋሚ ምስ ዘይሓስብን፣ ኣብ ምኽእኣል ምርድዳእን እንካን ሃባን ዝርዳእ እቲ ዋና መስርሕ ደሞክራሲ ዝርዳእ ክኸእዉን ይግባእ። እቲ ዝገርመካ እቶም ክታሓላለዉ ዘለዎም ኣካላት መሪሕነት ሓጋጊ ፈጻሚ ኦዲተር በቲ ጉቡእ መስርሕን ኑጹር ኣጋባብ ስለ ዘይቆሙን ስርሓቶም ንጹር ዘይምዃኑን ዘስዓቦ ኩነት ኮይኑ ይርኣየና፡፡
ዝተሓላለወ ኣጋባብ መስርሕ ዲሞክራሲ (balance) ሚዛናት ምዕሩይ መደብን ስራሓትን ክካየድ ከሎ እምበር እቲ ሓጋጊ ፈጻሚን እተሳማምዕሉ ንዕኦምን ስርሓቶም ዝካታተል ምስ ዝመርጹ መስርሑ ዝሳሓተ / ዘይሓዘን ክኸዉን ዘይቡሉን እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ብቐሊል ክፍታሕ ዝኽእል ግርጭት ናብ ግጭት ተለዊጡ ምፍልላይ ዘየድሊ ህልኽ ብምእታው ኣብ ነንሕድሕድካ ብምክሳስ ኣነ እየ ቁኑዕ ኣነባ ክንብል ኣብ ዘይውጽእ ህልኽን ሞጎታዊ ውግእ ሕድሕድ ተጸሚድካ ንውልቀ መላኺ ከይፈለጥካ መሳራሒ ትኸዉን።
እቲ ዝኸፍአ ነቲ ጸገም ንስኻ ክነስኻ ኣብ ውሽጥና እዚ ከዳዕን እከይን ዱስቡጣዊ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፣ ኣብ ሞንጎና ኣትዩ ፋሕ የብለና እናበልካ ምዝማር’ዩ ዝገርመካ። ስለዚ እቲ ቀንድን መሰረት ጉድለት ንሕና ተሰኪምናዮ ዝመጻእና ስንጸ-ሓሳብ ወይ ዝቐመስናዮ ዘይባህልና ናይ ባዕዲ ኮሚኒስታዊ ስነ-ሓሳብ፣ ዘጥረናዮ ቅርሕንትን ጽልእን ጌና ኣብ ደምና ሰሪጾም ፈውሲ ዘይረኸብናሎም ዓበይቲ ሕማማት እዮም።
እዚ ናይ ደምበ ፍትሒ ካብ ብረታዊ፣ ናብ ደሞክራስያዊ ቃልሱ ዝቐጸለሉ፡ ዕድሚኡ፣ ካብቲ ድስቡጣዊ ስርዓት ስልጣን ምስ ሓዘ ክኸዉን ከሎ፣ እዚ ዘይኑቡር ውልቀ መላኺ፣ ነቲ ህዝቢ ብደሙን ዓጽሙን ከስኪሱ ዘምጽኦ ናጽነት ብረፈረንድም 99.8% ዘራጋገጾ ክነሱ፣ ኣብ ዘየድሊ መንቀራቕሮ ብምእታው፣ነቲ ካብ ንእስነቱ ዝሓልሞ ዝነበር፡ ንምትግባር ድልየት ህዝቢ ጠዉዩ ወይ ካብ መስመር ዝወጸ ኣጋባብ ብምኽታል እዚ እንርእዩ ዝጸናሕና ዞሎናን ተዋስኦ ተዓዚብናን ንዕዘብ ኣሎና፡፡ ብወገን ንፍትሕን ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን እንቃለስ ኣካላት ባእታታት ናይ ሓባር ባይታ ክህልወናን፣ ብሓደ ቃል ብምዝራብ ተስማዕነት ኣብ ባይቶታት ዓለም ክነርክብ ዘይበዋዕና፣ ገይና እቲ መሰረታዊ ዘራሓሐቐና ግብርታት ክንስዕሮ ዘይምኽኣልናን፣ ቀዳምነታት ክንሰርዕ ዘይምግባርናን ብሓጺር ኣዛራርባ ንገዛእ ርእስና ደሞክራስያውያን ፍትሓውያን ክንኸዉን ዘይምብቃዕና ዘራጋግጽ ጥራይ ዘይኮነ ለውጢ ካብ ሰውነትና ከም ትጅምር’ዉን ዝተቐበልናዮ ኣምር ኮይኑ ኣይስማዓናን፡፡
ኩቡራት የብሕዋት ፍትሒ፣ ሰላም፣ውህደት፣ ምኽኻኣል፣ ሕድገት ወዘተ… ኣብ ገዛኻ እየን ዝጅምራ፤ ዝብል ራኢ ኣሎና። ስለዚ ኣ-ኣብ ውድብና ምንቅስቓስና ሰልፍና፣ ንጀምር ንምቅርራብ ዝጠቅም ነድፊ ነውጽእን ሓቢርና ንምስራሕ ቁሩባት ንኹን፣ ፖለቲካ በቲ ጉቡእ ትርጉሙ ንሓዞ፣ እናበልና ናብ ዝመጽእ የራኽበና።
ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር
ኣቕረብቲ፡-
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን
ቢዙ ቡቱኞሊ
ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፡
ዝሓለፈ ክፋላት ንምንባብ፥
1ይ ክፋል፡
2ይ ክፋል፡
See also more articles by
ካልኦት ብ' ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
- recent Articles by ፍትዊ ክፍለ (Ftui Kifle)
- ይኣክል’ዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ ?
- ፈትልታት ይቕወዳ ገመድ ይኾና
- ሕድርን ምሕጽንታን ኣቦታትና ንኸተል
- ንሕና’ውን ከነሰንፍ (ክንዕወት) ንኽእል ኢና
- ነጸብራቕ / ስንጸት(reflection) ሰላማዊ ሰልፊ ጊነቭራ
- ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡- ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ክፋል ሳልሳይ ክፋል
- ዕለት 25 March - ዓለምለኻዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ባርነት
- ሸከም ወይ ጾር ዝኾነ ጋሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
- ሰላም ክነሰይ፣ ፍትሒ መሪጸ
- ሰላምን ውህደትን
- ሃገራዊ ልእላውነት፣ ህዝባዊ ሓድነት
ATV: ሓባራዊ ዘተ፥ ስምረት ክልተ ውድባት - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሃገራዊ ድሕነት (ሕድርን) - ፍራንክፈርት (ጀርመን)
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።