Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዲሞክራሲ (Democracy)

17/10/2024 05:29 AM

ዲሞክራሲ
(Democracy)

ናጽነት ደቂ ሰባት ዝሕልው

ብ’ዶ/ር ኢንጅነር ፍትዊ ክፍለ

ነዲሞክራሲ (Democracy)

እዚ መሰረታዊ ኣርእስቲ “ዲሞክራሲ” ጡዑዩን ውሁዱን ናጽነት ደቂ ሰባት ዝሕሉን፣ ሓቢርካ ክትነብር ዘጣጥሕ መስርሕ/ኣጋባብ፡ ብቕልል ዝበለ ኣጋላልጻን ሓጺር ጌርካ ምቕራቡ፣ ዓቐበት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሙሉእ ዝኾነ ፍልጠት ክህልወካ ዘይክኣል ምዃኑ ሩዱእ እኳ-እንተ ኾነ፡ ምፍታን በደል/ሓጥያት ኣይኮነን።

ያታ ኣቦታትና “ብርቱዕ ፈተና”

ሓደ በዓል ኣታኽልቲ፡ ንምጥዓም ካብ’ቲ ፍሬ ኣታኽልቱ፣ ንሓደ ዓርኩ፣ ክልተ ጽቡቓት በለስ፣ ብ-ግዙኡ ገይሩ፣ ሰደደሉ። እቲ ግዙኡ ኣብ ኢዱ ሒዝወን ከብጽሐን ክኸይድ ከሎ ም-ብልዐን ኣዋናወንኦ። ንሱ ነቲ መጺኡዎ ዝነበረ ፈተና ኪስዕሮ ኣይከኣለን እሞ፣ ሓንቲ ካብአን በልዐ። እቲ ተቐባሊ ዓርኩ፣ ሓንቲ ፍሬ ጥራይ ከም ዘይሰደደሉ ስለ ዝፈለጠ፡ ነቲ ግዙእ፣” እንታይ ኢዩ ነገሩ እዚ”፣ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ዝገበሮ በደል ተኣመነ።

እቲ ሓታቲ ገሪምዎ፣ “በል ከመይ ገበርካ?" በሎ። ንሱ ኸኣ ነታ ተሪፋ ዝነበረት በለስ ኣልዒሉ፣ ስለ ከረድኦ፣ ቀሪፉ እናበልዓ፣ “ከምዚ ኢየ ዝገበርኩ” ኢሉ ምላሽ ሃቦ።

ከም’ዚ ምግባርሲ ምስ ምንታይ ይቚጸር?

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር እዩ እቲ ነገር።

ጡቁዉን ሉዙቡን ዝመስል ትንታነ፡ ሙዝ ዝጥዕም ኣዛራርባ እና-ኣዘውተሩ ናታቶም ረብሓን ክጓነጽፍዎ ዘሎዎም ሽቶን ንምብጻሕ ዘይግበር ስልትን ጒርሕን የልቦን። ብፍላይ ብ-ዲሞክራሲ ክዛረቡ ከለዉ ን-ኸእሙኑኻ ዘይጥቀምዎ ሽርሕን ብልሓትን የለን። ካብዚ ዝነቐለ ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ብ-ሕጽር ዝበለን ብቐሊል መገዲ ክንርድኦ እንኽእሎ ኢለ ዝገመትክዎ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክገልጽ ክፍትን እየ።

ዲሞክራሲ: ደቂ ሰባት ብሓባር ንምንባር ዝጥቀሙሉ ኣጋባብ/መስርሕ ድኣምበር ተፈጥራዊ ወይ ብሰማይ ዝመጸ እዚ ወይ ስነ-ስርዓት ኣይኮነን። እዚ ኮይኑ ከሎ ከብቅዕ፡ ደቂ-ሰባት ግን ብስም ዲሞክራሲ ክገዝኡ፣ ከማሓድሩ፣ ውሳኔታት ክወስዱ... ወዘተ ክትዕዘብ፣ ክትሪኢ ከሎኻ፡ ን-ኣጋባብ ዲሞክራሲ ብ-ምጥቃም በቢ-ዓይነቱ ሽርሕን ብልሓትን ሽርክነትን እና ፈጠሩ፡ ልዕልነኦምን ኣንነትኦምን ንምርግጋጽ ፣ ን-ሓላፍነት ከም ስልጣን ክጥቀሙሉ ዝራኣዩን ዘዘውትሩን ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ ጡንቑቓት ካብ ኩሉ ፍልጠት ዝቐሰሙ በላሕቲ ክንከዉን ንግደድ።

እንታይ እዩ ዲሞክራሲ? ኣባቛቑሉኡ ከመይ ይመስል? መስርሕ ዲሞክራሲ እንታይ እዩ? ጠቕምን ጉቡኡን እንታይ ይመስል? ን-ዲሞክራሲ ቡጉቡእ ምስ ዘይትጥቀመሉ ናበይ ገጹ ይወስደካ?... ወዘተ ብዙሓት ሕቶታት ክላዓሉ ይኽእሉ እዮም። ኮይኑ ግን ንምግላጾም ማእለያ ዘይብሎም መጻሕፍቲ እኳ የሃልዉ’ምበር ብቕልል ዝበለን ሓጺርን ገይርካ ምቕራብ ነቲ ተታሓሒዝናዮ ዘሎና ስራሕ፣ ፍትሒ ንምርካብ፣ ልዕልና ሕጊ ንምውሓስ፡ ካብ ኩሉ ባይታ ዲሞክራሲ ምጥጣሕ ሓጋዚ እዩ ክብል ይደፍር።

ቃል ዲሞክራሲ ካብ ግሪኽ ዝተወስደ ቃል ኮይኑ፡ ደሞስ (démos) ህዝቢ ክኸዉን ከሎ ክራቶስ (kràtos) ክኣ ስልጣን ማለት እዩ። ናይዘን ክልተ ቃላት ደሚርካ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብሓጺሩ መልክዕ መንግስቲ ዘትሕዝ ኮይኑ፣ ስልጣን ወይ ልእላውነት ግን ናይ ህዝቢ ብምዃኑ መጠን፣ ብቐጥታ ወይ ብወከልቱ ነጻ ኮይኑ ዝመረጾም ዝካታተል ይኸዉን።

እዚ ዓይነት ኣዛራርባ ብ-ስነፍልጠት ተማራመርቲ ናይ ምዕራባውያን (Occident) ዘስፈርዎን ዝትንትንዎ ክኸዉን ከሎ፣ ብ-ናተይ ኣረዳድኣ ግን ሰባት ማሕበራዊ ናብራ ክነብሩ ዝጀመርሉ ባዕላቶም ዝሰነድዎን ዘጽደቕዎን ኣጋባብ ምሕደራ፣ ጠርኒፉ ከንብሮም ዝኽእል ሰነደ ሕጊ ወይ ዉዑል ኣብ ሞንጉኦም ዝግበርን ንዕዑ ዘተግብሩ ካብ ሞንጐም ይመርጹ ከም ዝነበሩ ይትረኽ ስለ ዝኮነ ምህዞ ምዕራባውያን ኣይብሎን።

ንኣብነት እዚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ፣ ቀደም ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ዝስመ ዝነበረ ዝተፋላለዩ ከምቲ ብዝሐ ሕብረተሰብና ዝተሞርኮሰ ሕግታት እንዳቦ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እማሓደር ምንባሩ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይሲ ዲሞክራሲ ህዝብና ይነብረሉን ይጥቀመሉን ስለ ዝነበረ ክንዝክርን መበቆልና ብሕጊ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ምዃኑ ከይንዝንግዕ ማለተይ እየ። ዋላ’ዉን እዞም ምዕራባውያን ተማራመርቲ ኣብ ጀርመን ስዊዘርላንድ ኢጣልውያን ጸሓፍቲ ኣብ መጽሓፎም ኣስፊሮሞ ኣለዉ። ካብ ዝብልዎ “ ንሕና ብ-ዛዕባ ዲሞክራሲ ምጅማሩን መልክዑን ኣጋባቡን ከነጽንዕ ክንድህስስን ክንማራመርን ከሎና፡ህዝቢ ኤርትራ ግን ይነብረሉን ዘዘውትሮን ህዝቢ ኮይኑ፡ በጋባብን ስርዓትን ዝማሓደር ስልጡን ዲሞክራሲ ዝጥቀም ህዝቢ እዩ” ክብሉ ይምስክሩ።

እቲ ንዓይ ዘታሓሳስበኒ ባህልን ልምድን ወለድና ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝወረስናዮ ኮሪዕና፣ ካብኡ ተበጊስና ንምም -ዕባሉን ምስ እዚ ክፍለ ዘመን ዝውህሃደሉ እንሓስብን እነጽንዕን፡ ናይ ዓለምና ተሞክሮ፣ብ-ስነፍልጠት፣ ተማራመርቲ ዘጽንዕዎ እናበልካ ምዝናር ናይ ስነ-ኣእምሮ ምሕጻብን መግዛእትን ክታኣታቶ ምጽዓር፡ ታሪኽካ ገዲፍካ ታሪኽ ካልኦት ህዝብታት ምንኣድን ኣልዒልካ ምርኣይ ኮይኑ ይርኣየኒ።ብዙሕ ስኽፍታት ክኣ ይፈጥረለይ። እዚ ማለት ግን ታሪኽ ካልኦት ህዝብታት ዓለምና ምፍላጥን፣ ዝካየዱ ናይዚ እዋን ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ኣዕሚቘካ ምፍላጥ/ምግንዛብ ብጣዕሚ ኣገዳሲን መሰረት ሂወተ-ፍልጠት ምዃኑ እና-ኣመንኩን እናኣደነቕኩን፡ ኮይኑ ግን ምዝማድ ምስ ባህልናን ታሪኽና ክብርነታትን፡ ብምውህሃድካ ዝግበርን፣ተደራብን ኣሓደስን ክኸውን ኣለዎ ኢለ እየ ዝሓስብን ዝርዳእን።

ካብ ኩሉ ነቶም ተማሂርና እንብል ከም ፈላጣት ተመራመርትን ገይርና ንሰውነትና እንሪኣ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ሃብታም ባህልና እቲ ብ-ህዝብና ዝካየድ ዝነበረ ማሕበራዊ ዉዑላት (social-contract) ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ምክያድ፣ ብሕጽር ዝበለ ካብ ካልኦት ምልቃሕ ዝምረጽን ከም ፈላጣት ገይሩ ዘርእየና ገይረ ተገንዚበዮ። እዛ ሓጻር ናይ ጎኒ ዘረባ (Aside) ከልዕል ዝደረኸኒ፡ መበቆልና መሰረት ሕብረተሰብና ፣ ሃብታም ባህሊን ክብርታትን ዘሎና ከዛኻኽርን ካብኡ ክነቅልን ካብ ዝብል ተበጊሰ ድኣምበር፣ ንሙሁራትና ምንቃፍ ኢለ ኣይኮንኩን። ብዝያዳ ተምክሮ ብረታዊ ቃልስናን ንሱ ዝወለዶ ገባቲ ጨኳኒ ስርዓት ዝተኸተሎ ተለቅሖ ስነ-ሓሳብ (ማርክሳዊ-ለኒናዊ) ክርሳዕ ዘይኽእል ስምብራት ኣሎና።

ኣብቲ መንቀሊ ኣርእስትና ተመሊሰ ስነ-ሞጎት ብምቕጻል፡ ዲሞክራስን ኣማዓባብሉን፣ ዲሞክራስን ሕጋውነቱን ኣብ ጉዕዞ ቃልስናን ታሪኻዊ ጕዑዞና፡ ክንደይ ምሕደረታት ዲሞክራሲ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘምን ኣለዉ፡ ብሓጺር ምርኣይን እቲ ኣውራ ኣድህቦና ግን ኣብ እዚ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ ህዝብና ኣየናይ ኣጋባብ እንተ ተኸተለ ይሓይሽ እዩ መንቀል ሓሳበይ።

ቀዳሞት ሓሰብቲ/ተማራመርቲ ብተዳጋጋሚ ዝዘመርዎ እቲ ዝበለጸ ናብራ ወዲ-ሰብ፣ ኣብ ፖለቲካ ማሕበረ-ሰቡ ናጻ ኮይኑ ክሳተፍን ክዋሳእን ምስ ዝኽእል’ዩ ይብሉ።ንሕና’ውን ኣብ እነካይዶን እንነብሮን ማሕበራዊ ሂወትና ናጽነትና ዝተሓለወ ኮይኑ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ኮይና ግዴና ከነበርክት ኮሎና፣ ካብ ኣንነትን ትምክሕትን ህልኽን፣ ኣነ ይፈልጥ ወጺእና፡ ናይ ሓባር ናጽነትን ሓርነትን ብ-ናይ ሓባር ስራሕ ከም ዝራጋገጽ ምዃኑ’ዩ ተረድኦይ።

ብዛዕባ ዲሞክራሲን ኣማዓባብልኡን፡ ኣቐዲመ ገሊጸዮ ስለ ዝነበርኩ ኣይክደግሞን እየ፡ ብሕጽር ዝበለ ግን ሓደ መልክዐ ስርዓት ኮይኑ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ናብ ህዝቢ ምዃኑ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ክንዕዞቦን ብኣትክሮ ክንርእዮን ክንርድኦን ዘሎና ግን ህዝቢ ባዕሉ ዝመረጾም፣ ንድልየቶም ባህግታቶምን ዘማልእ ክኸዉን ይግባእ። እቶም ተበለጽቲ ብ-ህዝቢ ክምረጹ ዝኽእልሉ ኣጋባብ ተኸቲሎም ዕድል ብምርካብ፡ ናይ ኦሊጋርኪ (Oligarchy) ስልጣን ናይ ውሑዳት፣ ከምኡ’ውን ኣሪስቶክራስያ (Aristocracy) ስርዓተ መንግስቲ ክተኽሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገንዚብና ጥንቃቐን ፍልጠትን ክህልወና ይግባእ።

ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ክማሓደረሉ ዘካይዶ ኣጋባብ’ዩ ዲሞክራሲ ዘብሎ፣ ኣብዚ ደጊመ ጸቒጠን ክዛረበሉ ዝደሊ፣ ህዝቢ ነቲ መሪጹ ከማሕድሮ ውክልና ዘሸክሞ፣ ብስም ህዝቢ እዩ መሪጹኒ ን-ዕኡ ክኣ መልሲ ይህብ ብምባል፣ ህዝብነት (populist) ፑፕሊስት ዝኾኑ፣ ንህዝቢ በቲ ዝደለይዎ ኣጋባብን ከምቲ እሳቶም ዝደልይዎ ምምሕዳር ከካይዱ ዝደልዩ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለ ከም ዘለዉ፡ ታሪክ ዘብርሆን ዝምስክሮን ኮይኑ፡ ንሕና ክኣ’ሞ ካብ 33 ዓመታት ዘይውሕድ ጌና ዝቕጽል ዘሎ፣ ባዕሉ ስልጣን ዝባሓተ፡ ኩሉ ንህዝቢ ዝሃቦ መብጽዓታት ዝጠለመን ዝካሓደን ንመቃልስቱ በቢ ሓደ ይኹን ብጉጅለ ዝሓየረን ዘጽነተን፡ ኣምባገነንት ማፍያ ስርዓት ምህላው ምስክርነት እዩ፡፡

እዚ ማፍያ ዱስቡጣ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅልኡን ካብ ሱሩ ሙሒኻ ኣብ ጒሓፍ ታሪኽ ንምድርባይ፣ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ሰውራ ኣብ ምክያድ ይርከብ እኳ እንተ ሃለወ፡ እዚ ኣጽናት ስርዓት ክመጸና ዝኻኣለ፣ ንቕሓትን ምርዳእ ዲሞክራስን ልዕልና ሕጊን ዘይ-ምርዳእንና ዘይምፍላጥናን እዩ ክብል ይደፍር።

ኣውራ ስልጣን ናይ ህዝቢ ክባሃል ከሎ፡ ቀዳማይ እንታይ ዓይነት መስርሒ ክህልዎ ኣለዎ ? ካልኣይ መን እዩ ህዝቢ ? ቅድሚ ነዘን ኣገደስቲ ሕቶ ምምላስ፣ ብቐዳምነት ምሕደራ በቢ-ዓይነቱ ዕማም ዘማልእ ሕግታት ዝምንጩው/ዘውጽእ ማለት ን-ሓቢርካ ምንባር ዘጣጥሕን ስርዓተ ሕጊ ዘማሓድር፣ ብሓጺሩ ናይ ሃገር ፖሎቲካ ስርሓት ዘካይድ ክብሃል ይካኣል።

ኣብ ዝሓለፈ መዋእል፡ ምሕደራ ብ-ኑጉሳውያን ወይ ዱስቡጣውያን ስርዓታት’ዩ ዝማላእ ወይ ዝትርጎም ነይሩ። ምስ ምዕባለ ሕብረተሰብ መሰሉ ክሓትት ኣብ ዝጀመረሉ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ሃገራት ካብ ባርነትን ምሕደራ ገበቲ ስርዓታት ንምውጻእ በቢ ዓይነቱ ህዝባዊ ቃልሲ ከም ተኻየደ ታሪኽ ይምስክሮ። ቡዙሓት ፈላጣት፣ ፍላስፋታት ከም በዓል ሞንተስኲ ብ-1748 ስልጣን ተቐባልነት ክረክብ ምእንቲ ኣብ ሰለስተ ክምቀል ኣለዎ። እቲ ሕጊ ዘውጽእ፣ ምምሕዳር መንገዲ ዘካይድን፣ ነዚ ዝካታተልን ብሓጺሩ ሓጋጊ፣ ፈጻሚ፣ ፈራዲ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚኦም ሰለስቲኦም ተጣቓሊሎም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ይብሃል፡፡

መሳርያ፡

• በየናይ መሳርሒ ህዝቢ ስልጣኑ የተግብር

• መን እዩ ህዝቢ

ዝብሉ ሓረጋት ንምርኣይ ዝኣክል፡ ንኽትማሓደር ውሳኔ ክትወስድ ኣሎካ፡ ህዝቢ ክውስነሉ ዘኽእል ኣጋብ ፡ ሀ) ቀጥታዊ ዲሞክራሲ፣ ብቐጥታ ህዝቢ ክውስን ክኽእል ከሎ ፣ እዚ መስርሕ ግን ኣብ ዉሑድ ህዝቢ ወይ ብረፈረዱም ዘረጋግጾም ሕጊ ዘለዎም ሃገራት እዩ ክትግበር ዝኽእል፣ ንኣብነት ሲዊሰርላንድ። ለ) ከምዚ ዓይነት ዘይኽተላ ሃገራት ክኣ ናትካ ወሳንነት ን-ወኪሉካ ዝኸይድ ከተሰክሞ ከለኻ ዘይ-ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ወይ ብተዛዋዋሪ እተማሓላልፎ መስርሕ ውክልነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም ወከልቲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ናብ ህዝቢ እዮም ዝኾኑ። ብኸመይ ኣጋባብ ትመርጾም (ቡዙሕነት፣ ተማጣጠኒ)፣ ከመይ ዝበሉ ኣብ ውድድር ይቐርቡ ዝብሉ ነገራት ብዙሕ መግለጺታት ስለ ዘሎ ህዝቢ ዝመረጾም ኢለ ክሓልፎ ይመርጽ።

መን እዩ ህዝቢ፡

መን እዩ ህዝቢ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ስፍሓት ሃገርን ኣብዝሓ ህዝብን ናይ ዲሞክራሲ ስነ-ኣራኣእያ ክላዋወጥ ይኽእል። ነዚ መልክዑ እናላዋወጠ ዝመጽእ ኣምር ህዝቢ፣ ንምርጫ ዝዋሳእን ክመርጽ ዝኽእልን፡ ኣብ ነፍሲ ክፍሊ ሃገራት ይፋላለ ይኹን እምበር፡ እቲ ዓመታቱ ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ ዝባሃል 18 ዓመት ዝገበረ ዜጋን፣ ብሕጊ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታ ድሕሪ ዉሱን ዓመታት ዝሳተፍዎን ኣውሊዕ ዘውድቕሉ/ድምጺ ዝህብሉ ወይ ዝመርጽሉን ሃገር፣ ዲሞክራሲ ኣጋባብ ዝኽተል፣ ሕግን መሰልን ዘዋሃህድ ርትዓዊ ክባሃል ይካኣል።

ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ፡ ጥራይ ስነ-ቃላዊ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅያር ወይ መተካእታ ናይ ዲሞክርሲ፡ ኑጉሳውያን ወይ ኦሎጋርኪያ ናይ ዉሑዳት ስልጣን ክኸዉን ከም ዝኽእል፣ ተገንዚብና ቱኩራትን ቱጉሃት ብምዃን ብዘይካ ዲሞክራሲ ናጽነትን ሓርነት ክውሓስ ኣይካኣልን ኢልና ክንኣምን ይግባእ።

ብዛዕባ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ጥምሮ ሓሳብ፣ ቡዙሕ ክባሃል ይካኣል እንድዩ፡ ይኹን እምበር ነዞም ተኣፈፍቲ ነገራት እትስዕሮም፡ ንቕሓትን ብቕዓትን ፍልጠትን ሃልዩካ፡ ሓላፍነትካ ምፍላጥን ካብ ዝሰነድካዮም ራኢን ዕላማን ክትበጽሖ ዘሎካ ሽቶ ኣጽኒዕካ ብምሓዝ እዮም ዝማልኡ፡፡

ውጥን/ዕላማ

ቃል ብቃሉ ዲሞክራሲ ሓባሪ ናይ መሳርሒ ን-ኣጋባብ ወይ ቅዲ ብዝተፋላለዩ ቅርጺ ወይ ንድፊ ኮይኑ ዝማላእ፡ እንታይ እዩ ውጥን ወይ ዕላማ? ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። ከም ተማራመርቲ ዝብልዎ፣ እንተ-ደኣ ናጽነትን ሲኒትን ልቦናን ዘለዎ ሂወት ምንባር፡ ኣብ ዲሞክራሲ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ክርከብ ኣይካኣልን።

ንምንታይ ኣብ ኑጉሳዊን ኦሊጋርካዊን ምሕደራ፡ ዑሱብ ሙኡዙዝ ዝበሎኻ ክትገብር’ምበር ናጽነት ሓርነት የብልካን። እዚ ስለ ዝኾነ’ዩ ናጽነት ውልቀ ሰብ/ዜጋ ኣብ ዲሞክራሲ ጥራይ እዩ ክራጋገጽ ዝኽእል ዝባሃል። ነዚ ንምብጻሕ ሰለስተ ኣብነት ክጥቀስ ይካእል፡ 1) ኣዋጅ መሰል ደቂ ሰባት ናይ 26/ሓምለ/1750 ኩለን ዲሞክራሲ ክሃንጻ ዝደልያ መሰረት ዝጥቀማሉን ናጽነት ሃገርን ናጽነት ወዲ-ሰብን ውሑስ ዝገብር ዓንቀጽ፡ 2) ቁዋማት ሃገራት ኣብ 03/ሰነ/1848 መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት መሰረቱ ናጽነትን፣ ማዕርነትን፣ ሕውነትን ዘጣመረ ክምስረት ዘተንበሀ፡ 3) ካብ 1988 ኣብ ቁዋም ብራዚል ብኑጹር ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ውሕስነት ናጽነት ደቂ ሰባት ክጽሕፍን ካልኦት ሃገራት ከም ኣብነት ክጥቀማሉ ዝተራእየ ይሕብር። ብሕጽር ዝበለ ሓደ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝባሃል፣ ብመሰረት ልዕልና ሕጊ ኣቢሉ ማዕርነት፣ ናጽነት፣ ሕውነት ዘውሕስ ክኸዉን ከሎ እዩ ክባሃል ይካኣል ። ብኣንጻሩ ንጉሳውያን፣ ኦሊጋርካውያን ስርዓታት ግን ናይ ምውሳን ካብ ህዝቢ መንዚዖም ኣብ ትሕቲ ናታቶም ትእዛዝ ውሳኔ ብሓጺሩ ጉዙእ ኮንካ ክትማሓደር እዮም ዝገብሩ።

ዲሞክራስን ናጽነትን ዝተኣሳሰራ ካብ ኮና ምርኣየን ኣጋዳሲ ይኸዉን፡

ናጽነትን ዲሞክራስን፡

ናጽነት ንኽትገልጾ ቀሊል ኣይኮነን፣ ተማራመርቲ ከም ዝብልዎ ግን፡ ኣሉታዊን ኣወንታዊ ናጽነት ኢሎም ይፋላልይዎ ። ኣሉታዊ ናጽነት ዝባሃል ተገዲድካ ወይ ብቐስቢ እተማልኦ ኮይኑ፣ ኣወንታዊ ናጽነት ብ-ቃልስኻ እትጓናጸፎ እዩ። ኣሉታዊ ናጽነት ምእንቲ ክትነብር ን-ዝገዝኡኻ ከተሐጉስ እተማልኦ መስርሕ ክኸዉን ከሎ፡ ኣወንታዊ ናጽነት፣ ናትካ ድልየትን ሕርያን ዝካየድ፡ መሰልካን ጉቡእካን እተማላኣሉ ባይታ ዘማልእ እዩ።

ውልቃዊ ናጽነት፡ ብ-ሲኒትን ስምምዕን ናይ ካልኦት ናጽነት ከይተንከፍካ፣ ሰላምን ልቦናን ተዋሃሂደን ክኸዳ ከለዋ ሩጉኡን ስጡሙን ናብራ ክሕለፍ ይካኣል። ነዚ ናይ ናጽነትን ሲኒትን ኣርእስቲ ንምዝዛም፣ ደቂ ሰባት ንኽነብሩ ስርዓተ ሕጊ ክኽተሉ ይግባእ። ዲሞክራሲ ኣምር ሓደ ስርዓተ ሕጊ፣ እተኽብረሉ ነንሕድሕድካ ተዋሃሂድካ ክትነብር ሕጊ ብምኽባር እትኻታተሉ፡ ናጽነትካ ን-ናይ ካልኦት ናጽነት ዘይ-ትንከፈሉን፣ ተኻባቢርካን ተሓላሊኻን እትነብረሉ ኣጋባብ ዝኽተል ኢለ ይርድኦ።

ክብረት (Dignity)

ኣብ ዝሓለፈ ሓረግ ብዛዕባ ናጽነት ሲኒት፣ ብሕጽር ዝበለ ናጻ ኮንካ ምርጫኻ ከተተግብር ብ-ዓቕመይ ገሊጸዮ ኣሎኹ። ወዲ-ሰብ ጉቡእን መሰሉን እዩ ነጻ ኮይኑ ሕርይኡ/ምርጭኡ ክገብር፡፤ ካልኦት ዘቕርብዎ ጽንሰ-ሓሳብ ወይ ሰነድ ብግዲ ክቕበል ዘይኮነስ በቲ እሱ ዝተረድኦ ኣጋባብ ናይ ምቕባልን ምንጻግን ተዓቕቦን መበቱ ሩጉጽ ኮይኑ፡ ናቱ ክብረት (Dignity) ሕሉው ክኸዉን ይግባእ። ካብዚ ዝነቐለ ኣብ ቁዋማት ዲሞክራስያውያን ሃገራት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ ኢለን ዘስፍርኦ። ዲሞክራሲ ሓደ ስርዓት ክብሪ ደቂ ሰባት ቅድሚት ዘቐምጥ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ሓደ ፉጡር፡ ከም ሰብ መጠን ክብርን ሓበን ሃልይዎ፣ ጾታዊ ሕብራዊ ኣታሃላልዋኡ ከምኡ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ እምነት ይሃልዎ ክብረቱ ሕሉው ክኸዉን ይግባእ። ዋላዉን ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዘይቁቡል እንተኾነ ክብረቱ ግን ዘይትንከፍን ብሕጊ ዝተራጋግጸ ክኸዉን ይግባእ።

ፍረ-ነገር (መንቲ)

ዲሞክራሲን ውሑዳንን: ዲሞክራሲ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ሓደ ስርዓት ማሕበራዊ ሂወት ዘማሕድር፣ ብነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝቖመ ህዝቢ፡ ብሓጺሩ ሕብረተሰብ/ኮሚኒቲ ኮይኖም፣ ናጽነቶም ተሓልይሎም ብሓባር ዝነብርሉ ኣጋባብ ካብ ኮነ፣ ን-ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ብወከልቶም ዝካየድ ክኸዉን ከሎ ፣ ምስ ጉዕዞ ሂወት ባህላዊ ምዕባሌታት፣ ሓደሽቲ ምህዞታን ናታቶም ተግባርነትን፡ ንማሕበራዊ ኣናባብራ ይልውጦም፣ ኣብ ዓለም ክኣ ለውጢ የርእዩ ስለ ዝኾኑ ምስ ግዜ ሕጊ፡ ኣናባብራ’ውን ምስ ኩነታት ይላዋወጥን ይምዕብልን እዮ።

እቲ ኣብዚ መስርሕ እንግንዞቦ ብዙሓት ዝሳማማዕሉ ዉሑዳት ዘይቅበልዎ ስነ-ራኢን ስነ-ሞጎትን ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

ናብራ ሂወት ናይ ሕብረተሰብ ንቕድሚት ክኸይድ ስለ ዘለዎ እቲ ናይ ዝበዝሑ ራኢ/ዕላማ ነቶም ናይ ውሑዳት ዓብሊሉ ስነ-ተግባርነቱ ከራጋግጽ ግድነት እዩ ዝኸዉን። ስለዚ ክኣ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ርእሲ እቶም ውሑዳት ስልጣኖም ከዘውትሩ ዲሞክራሲ የፍቅደሎም ኣሎ። ስለምታይ ዝብል ሕቶ ክላዓ’ውን ግዴታ ይኸዉን። ከምቲ ዝባሃል ዲሞክራሲ ናጽነትን ማዕርነትን ውህደትን ዝሕዝ ክትብል ጸኒሕካስ፡ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ውሑዳትን ፍልልይ ምስ ዝፍጠር ዲሞክርስያዊ ምርጫ ተኻይዱ፡ እቶም ብዙሓት ነቶም ዉሑዳት ይእዝዝዎም ዝብል፡ እዚስ ንገዛእ ርእሱ ተጋራጫዊ ምስ’ቲ ማዕርነት፣ሲኒት፣ ሕብረት ናጽነት ዶ ኣየስምዕን ዘሎ ? ዝብል ሕቶ ክመጸካ ባህርያዊ እዩ። እቲ ብልቦናን ዓቢ ኣእምሮ ክኽተል ዘለዎ፡ እቶም ብዙሓት ነቶም ውሑዳት እቲ እሳቶም ዝጥቀሙሉ ኣጋባብ ይኹን መስርሕ ዲሞክራሲ ክንገፎም ኣይግባእን።

ብዝካኣል መጠን ኣብ ሲኒት፣ ምውህሃድ፣ ምጽውዋር ንኽህልወካ፣ ናይ ኩሉኻ እትሳማማዓሉ ውሳኔ ዝሓልፈሉ፣ ሓቢርካ ኣድማዒ ስራሕ ክትሰርሕን ካብ ክንዲ ቡዙሓትን ውሑዳትን ኢልካ ምክፍፋል፡ ሓቢርካ (Consensus) ብሓደ ቃል ወይ ናይ ሓባር ስምምዕ ጌርካ ምስ እትወጽእ፡ ሁዱኡን ሉዙቡን ዘተ ከተካይድ እቲ ዝምረጽ። ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ኣብ ክልተ ጫፍ ምትህልላኽ ዝተሓወሶ እንተ ድኣ ተበጺሑ ግን፡ ካብ ደውታ ንምድሓንን ነቲ ናይ ሓባር ስራሕ ቀጻልነቱ ክራጋገጽ ኢልካ እትወስዶ ምርጫ ናይ ክልተ ሓሳብ ተዋዳደርቲ (The importance of having peoples' choice in democratic competition) ክግበር ትግደድ። ካብዚ ዝነቐለ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ካብቲ ውሑድ ዝረኸበ ድምጺ ከም ግዝያዊ መሳሪሒ ይውሰድ፡፤ እዚ ግን ኣብ ምክብባርን መሰል ናጽነት ምሕላውን ዝተሰረተ እዩ ክኸዉን ዘለዎን እቲ ዉሑድ ድምጺ ዝረኸበ ኣብ ደብተር ቡጉቡእ ተሰኒዱ ክዕቀብ ይግበር።

ዲሞክራሲ፡ መሰልን ግቡእን

ብርግጽ ዲሞክራሲ እዉን እንተኾነ ናጽነት ውልቀ ሰብ ይገትእ እዩ። ነዚ ምግታእ መሰል ውልቀ ሰብ ግን ጠቕሙ ነቲ ዝተጓነጽፎ ናጽነት ዝድግፍን ዘተርንዕን ክኸዉን ከሎ እዩ። ነዚ ንምርዳኡ እዩ ብዛዕባ መሰልን ግቡእን ክንዛረብ ንግደድ።

ቃል ብቓሉ መሰል ዘመልክት፡ ን-ውልቀ መሰላትካ ኩዉንን ርትዓዊን ንምዃን፣ ኽትገብሮ እትደሊ ምሕታት፣ ዘይ-ኣሉታዊ መልሲ ምርካብ ዝኣመሰለ ክኸዉን ከሎ፣ መሰል ጹኑዕ ምትእስሳር ምስ ናጽነት ኣለዎ ስለ ዝኾነ፡ ናጻ ሰብ ክትባሃል ኮሎኻ ናጻ ኮንካ እትደልዮ ክትገብርን ክትሓትትን ምስ እትኸል እዩ። መሰል ናጽነት ክህሉ እንተ ኾይኑ ንዕኡ ክዉን ዝኾነሉ ሕጊ ክህሉ ኮሎ እዩ። ስለምንታይስ ናጽነትካ ምስ ናይ እትነብረሉ ሕብረሰብ ዘይጋጮን ዘይጋራጨዉን ክኸዉን ስለ ዘለዎ።

ኣብ መሰል ምሕላው ናይ ውልቀ ሰብ ምስ ካልኦት ጉቡኣት ይዛመድ እዩ። ብሓጽሩ መሰል ናይ ሓደ ሰብ በቶም ካልኦት ብሕጊ ሕሉዉን ዝተማጣጠነ ክኸዉን ይግባእ። ብሓፈሽኡ ናጽነት ብዘይ ጉቡእ ክራጋገጽ ኣይካኣልን። ዲሞክራሲ ናጽነት እተራጋግጽ ክብሃል ከሎ፣ መሰልን ጉቡኡን ብማዕረ ክራጋገጹ ከተውሕስ ኣብ እትኽእለሉ እዩ። ኣብ ዲሞክራሲ ጉቡኣት ምኹኑያት ዝኾኑሉ ንመሰላት ሕሉዋት ዝኾኑሉ በዚ ኣቢሎም ናጽነት ሕሉው ምዃኑ ዝራጋገጹሉ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኡኹል ኣይኮነን ናጽነት ኣሎኒ ምባል ኩሉ ወዲሰብ ክረኽቦ ዘለዎ መሰላት ሕልዉ ምስ ዘይኮኑ። ብሓጺሩ ብዘይ ክብረትን(dignity) ናጽነትን፣ ዲሞክራስ ኣይምሃለወትን።

ሓላፍነት

ሓላፍነት ሓደ ተመላኢ ናይ መሰልን ጉቡኡን ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ናጽነትን ሓላፍነትን ዝታኻኻእ ስለ ዝኮነ፡

ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ብግዲ ጎቲቱ ዘምጽእ ናቱ ካልኣይ ስለ ዝኾነ።

ንጉሳውያን ኦሊጋርካውያን ስርዓታት፡ ፍሉያት ካብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘብሎም፣ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ባዕላቶም ንኽገዝኡ ዘውጽእዎ ሕግታት ክጥቀሙ ከለዉ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ግን ህዝቢ ዝተዋሳኣሉን ብወከልቱ ዝጸድቕ ሕገ መንግስቲ ክህልዎን፣ ዕድሎምን ምምሕዳሮምን ካብኦም ናብኦም ስለ ዝኸዉን ዓቢ ሓላፍነት ተሸከምቲ ይኾኑ። ኣብ ምትካል መንግስቲ ብቐጥታ ይኹን ብውክልና ተኻፈልትን ተዋሳእትን ስለ ዝኾኑ ዝያዳ ሓለፍትታውያን እዩም። እቶም ብህዝቢ ተወኪሎም ሓላፍነት ዝስከሙ ሓበን ህዝቦም ዝኾኑ፣ ክብረት ባህሎም ዝሕልዉ ኡሙናት ክኾኑ ይግቦኦም።

ኣባልነት

ኣባል ሓደ ማሕበር ወይ ውዱብ፣ ምንቅስቓስ፣ ሲቪካዊ ማሕበር፣...ወዘተ ብ-ወለንታኻ እትካፈሎ ብምዃኑ መጠን፣ ገለ እዋን ነቲ ናጽነት ውልቀ ሰብ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ተዋቓዒ/ዝጋራጮ ኮይኑ የስምዕ ይኸዉን። ናጽነት ውልቀ ሰብ ኣንጻር ካልኦት ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ምስ ካልኦት ኮይንካ ኣብ ነንሕድሕድካ ብምክብባር ናጽነት ናይ ኩሉኻ ምሕላውን በቲ እስኻ እትኽእሎ ኣበርክቶ ምሃብን ናይ ሓባር ናብራ ምምሕያሽ፣ ሲኒት፣ ፍቕርን፣ ምክብባርን ዘለዎ ማሕበራዊ ናብራ ምክያድ እዩ ዝኸዉን።

ዲምክራሲ ብዘይ ሲኒት ስምምዕ ናይ ዕላማ ራኢን ሓድነት እንተ ዘይብልካ፣ ናይ ሓባር ናብራ ከተካይድ ምስዘይካኣል ክውንነትን ተግባርነትን ክራጋገጽ ኣይካኣልን እዩ።

ኣባል ናይ ሓደ ሂወተ-ናብራ፣ ስሩዕን ውዱብን ማሕበረሰብ እንተ ሃልዩ ጥራይ’ዩ ሓድነት ሓደ ህዝቢ ዝራጋገጽ። እዚ ዓይነት ተገዳስነት ምስ ዘየለ ድማ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ እያ እትወድቕ። ካብዚ ዝነቐለ እቲ ብዙሕነት ዉሑዳት ኣባሃህላ፡ ረብሓ ናይ ዝተፋላለየ ሓሳብን ባእታትን ኮይኑ፡እንተ ደኣ ኣብ ምትህልላኽ ዘይ-ምርድዳእን በጺሑ ግን፣ ረብሓ ናይ ኩሉኻ ምርሳዕን ምውጋድን እዩ ዘስዕብ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ዝገደደን ነቲ ብጉቡእ መስርዑ ሒዙ ክኸይድ ዘለዎ ማሕበረ-ሰብ ናይ ምዝራግን ምፍንጣሕን ሳዕቤናት የኸትል ምዃኑ እዩ። ስለዚ ሓላፍነት ዝመልኦ ኣጋባብ ክንክተልን ካብ ጠቕሚ ነብሰይን፣ ወገነይ ማሕበረይ ምባል፡ ረብሓ ናይ ሓባር ዝዓቢ ካብ ኩሉ ናይ ህዝቢ ረብሓ ሊዕሊ ኩሉ ምግባር እዩ ዝምረጽን ቁኑዕን ዝብል እዩ ናተይ ተርድኦ።

ብቕዓት፣ ቅርጽን ክብረትን ኣብ መርትዖ

ኣብ ተሞክሮ ብ-ዲሞክራሲ ዝማሓደራ ሃገራት ከም ዝብልኦ፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ክባሃል ከሎ በቲ ዝመስረቶ ልዕልና ሕጊ ክማሓደር ከሎ፣ በቶም ዝሃነጾም ትካላዊ ኣሳራርሓ ዝማላእ/ዘካይድ ስለ ዝኸዉን ኣብ ጉዕዙኡ ቡዙሓት ብድሆታት ይጓነፍዎ እዮም። እቲ ናጽነት ዜጋታት ምስ ማሕበራዊ ሂወት ተዋሃሂዱን ኣብ ፍትሒ ዝተሞርኮሰ ሕጊ ተማእዚዙ ንምኻድ ቀሊል ጉዕዞ ኣይኮነን።

እቲ ቅርጺ ን-መርትዖ ዝምልስ ክኸዉን ከሎ፣ ክብሪ ክኣ ብ-ብቕዓት እዩ ዝምስከር። እቲ ቀንዲ ነገሩ መንን ብኸመይ ኣጋባብ ነዚ መቓን(Frame) ወይ ኣቃውማ መስርዐ ስእሉ የትሕዞ እዩ ዝኸዉን። እንተ ደኣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝብል ኣምር ትኽተል ኮንካ፡ እቲ መቓን ወይ ኣቃውማ ብህዝቢ እዩ ክካናወን ዘለዎ። ኣብዚ ኣጋባብ ክካየድ ከሎ፣ ብጥንቃቐ ክንካታተል ዝግባእ፣ እንተ ደኣ እቲ መቓን ወይ ኣቃውማ ካብ ህዝቢ ወጻኢዝመጽእ ኮይኑ ሳዕቤኑ ህዝቢ በቲ ካብኡ ወጻኢ ዝመጾ ኣጋባብ ክኸይድ ስጋብ ናይ ናጽነቱ ምውናን ክስእን ዝኽእል ክኸዉን ይኽእል።

እዚ ከይከውን ምእንቲ ብቕድም ባዕሉ ዘጽዶቖ ልዕልና ሕጊ ሃልይዎ በቲ እሱ ዝደልዮን ስእሊ ዝሓንጸጾ መቓን ክሰርዕን ህንጸተ ዲሞክራሲ ከራጋግጽ ዝኽእል።

ዲሞክራሲን ቁዋምን፣ ገደብ ኣብ ስልጣን ናይ ህዝቢ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መቓን/ኣሳራርዓ ህዝቢ ስልጣኑ ንምዝውታር ሕግታት ክኽተል ስለ ዘለዎ እዚ ገደብ’ዚ ቁዋም ተባሂሉ ይስመ። መሰረት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክባሃል ይካኣል። ልዕሊ ኩሉ ኣብኡ ተሞርኲሱ ዝወጽእ ሕግታት ኮይኑ ውዑል ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ዝኽተምን ሓጋጊ፣ ፈጻሚ፣ ፈራዲ ዓንዲ ማእከሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ምክትታልን ምቚጽጻርን ዘለዎ ብሕጽር ዝበለ ገደበ ስልጣናት ዝኽተል ዝተኣሳሰረ መስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ባዕሉ ቑዋሙ ከጽድቕ ከሎ ነቲ ናቱ ስልጣን ገደብ የታኣታትዉ ኣሎ። ነቶም ሰለስተ ዓንድታት ክኣ ኣብ ነንሕድሕዶም ዶብ ስርሓትን ሓላፍነትን ዉሑሳት ዘለዎ ገይሩ እዩ ዝስእሎን ዝሃንጾን።

ከምዚ ዝበለ ነንሕድሕድ ምክትታል ዝተሞርኮሰ ዲሞክራሲ ከም ራብዓይ ዓንዱ ክኣ ሚዲያ/ማዕክናት ይስታኻኸል።

ብዛዕባ ዲሞክርሲን ልዕልና ሕጊን ነዊሕ ክጻሓፍ ይካኣል እዩ። ዕላማ ናይዚ ጹሑፍ ግን ብ-ሓጺርን ሓፈሻዊ ኣፍልጦ/ተገንዝቦ ክህሉው ድኣምበር ጥልቕ ዝበለ ስነ-ፍልጠታዊ ትንታነ ኣይኮነን ነቒሉ።

ዘገድድ ኲነት ተወካልነት፡ ሰልፍታት (ፖለቲካውያን ውድባት)

ኣብ ዲሞክራሲ ምስራዕ/ምድርጃው ናይ ተወካልነት ኣራኣእያ ክህሉ፣ ጉቡእን ግድነትን ስለ ዝኾነ፡ እቶም ተማሳሳሊ ርእይቶን ዕላማን ዘለዎም ክጣራነፉ፣ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ኣብ ሽትኡ ከብጽሑ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ህዝቢ ጸገማት ንምፍታሕን ሙዑቡል ሕብረተሰብ ክህሉ ብምባል፡ ናይ ነዊሕ ጠመተ/ራኢ፣ ሰነድ/ቻርተር ከተንጽፍን፣ ሓቢርካ ክትቃለስን ስለ ዘሎካ፡ ንኹልኻ ዝጥርንፍ ውዳበ ወይ ፖለቲካዊ ስርርዕ ክህልወካ ግድነት’ዩ ዝኸዉን። እዚ ዓይነት ጥርናፈ ፖለትካዊ ውዳበ ክኣ ሰልፊ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሰልፊ፡ ን-ራኢን ዕላማን ተሞርኲሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ-ሓሳብ (Ideology) የዳልዉ። ኣብዚ ተሞርኲሶም ሓደ ንእሽቶይ ማሕበረ-ኮም/ሕብረተሰብ ስለ ዘቑሙ ንዕኦም ዘማሓድር ስርዓተ ሕጊ ብጉባኤኦም ገይሮም የጽድቑ። ናብ ሰፊሕ ህዝቢ ቀሪቦም ናይ ፕሮግራምኦም መግለጺን ዘመተን ብምግባር ሰዓብቲ ክረኽቡ ኣብ ስራሕ ይጽመዱ። እዞም ከምዚ ኢሎም ዝሰረቱ ሰልፍታት፣ ቡዙሓትን ዝተፋላለየ ስነ ሓሳብት ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ውድድር ብምእታው ካብ ህዝቢ ምርጫን ድምጺን ክረኽቡ ይጽዕሩ። ባህርያትን መስርሕ ዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ዝኽተላ፡ ኣብ ሃገራዊ ሓላፍነት ክበጽሓ ከለዋ ነቲ ብ-ህዝቢ ዝተዋህበን ውክልና ብምልኡ ከኽብራን፣ ከተግብራን መስርሕ ዲሞክራሲ ክኽተላን ትጽቢት ይግበረለን።

መርበብ (Network, Internet-Web)

ኣብዚ ሙዑቡል ክፍለ ዘመን’ዚ ቡዙሓት ዓይነታት መራኸቢ ቡዙሃን ዙውቱር ዘለወሉ እዋን፡ ደቂ ሰባት ብሁጹጽ ዝራኸቡሉ ዉዑይ ወረ ዝማሓላለፈሉ፣ ሓሳብ ን-ሓሳብ ዝላዋወጠሉ ኩሉ ዓይነት ፍልጠት እትረኽበሉን ትማሃረሉን፡ ሓቤሬታ እትረክበሉ፣ ኣኸባ፣ ኮንፈረን፣ ዋዕላ፣ ሰሚና...ወዘተ ከተካይደሉ እትኸል፣ ኮታ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ ይኹን ብሞጓዓዝያ’ውን እና ተጓዓዝካ ስርሓትካ ከተሳልጠሉ እትኽእል እዋን ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ እዉን፣ ነዚ ስጋብ እዚ እዋን’ዚ ዝማላእ/ዝካየድ ዝነበረ ኣጋባብ ውክልና ብ-ሳይበር ክግበርን ቀጥታዊ ዲሞክራሲ (direct democracy) ክትኣታቶ ተኽእሎ ከም ዘሎ ዝሳሓት ኣይመስልን። እዚ ኣጋባብ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ኣርእስቲን ስለ ዝኾነ ናይ በይኑ ምዕራፍ ዝሓትት እዩ። ብዝኾነ ሶቺአል ሚድያ ጠቕሚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እዚ ዘይብሃል ግዕዘያትን ምድናጋራትን ዝሓዘል ስለ ዝኾነ ብጥንቃቐን ንፍትሓዊ ቃልስና ዘይሃሲን ዕንቅፋት ዘይፈጥርን ጌርና ናብ ረብሓና ዝጠቅም መስርሓት ክንጥቀመሉ ግን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ግዴታን እዩ ኢለ ክሓልፎ ይመርጽ።

ህዝብን ምክትታልን / ምቅዩጽጻርን፡ ዲሞክራሲን ሕጋዊ ኣካልን

ኣብዚ ክንርድኦ ዘድልይ ምክትታል ስራሓት ሕጋዊያን ትካላት፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓንቀጽ ክሕዝ ስለ ዘለዎ ኣወንዚፍናዮ ክሓልፍ መሪጸ። ምክትታላት ኣብ ሞንጎ ሓጋጊ ፈጻሚ ፈራዲ ኣካታል ዝካየድ ብጥንቃቐን መረትዖታት ብምቕራብ ክትሓዝ ኣለዎ ኢለ ስለ ዝድርዳእ። ስለምንታይስ መሰረትን ዓንዲ ሕቖ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምዃኖም መጠን ሰፊሕን ዑሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ክህልወክ የድልን ዓቢን ርእሱ ዝኻኣለ መደብምቅርራብ ይሓትት ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ኣብ እቲ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ብምምላስ፡ ቀንዲ ሕቶ ብኸመይ ክትርጎም ይካኣል፣ ኣዋዓዕላ “ ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሎም ማዕረ እዮም “ ዝብል ሓረግ ብኸመይ ይራጋገጽ? ሓጺር መልሱ፣ ፈራዲ ኣካል ናጻን ናይ ካልኦት ኣካላት ተጽዕኖን ኢድ ተኣታዋውነት ምስ ዘይህልዎ’’ዩ ክራጋገጽ ዝኽእል። ኣብ ዝተፋላለዩ ልዕልና ሕጊ ዘዘውትሩ ሃገራት፡ በቢዓይነቱ መስርሕን ኣጋባብ ፈረድቲ ኣካል ንምዃን ዝግበር መስርሕ ይፋላለ እዩ። ነቲ ከም ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ክህልወና ዘለዎ ናጻን ብማንም ዓይነት ናይ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት፣ ተጽዕኖ ይኹን ኢድ ተኣታተውነት ክህልው ዘይብሉ ክኸዉን ኣለዎ ኢለ ክሓልፎ።

ኣጸቢቕና ክንሓስበሉን ክንማራመረሉን ዘሎና እዞም ሰለስተ ዓንድታት ዲሞክራሲ ኣብ ነንሕድሕዶም ምክትታልን ምቊጽጻርን ክህሉ ኣለዎ ኢልና ንሰለስቲኦም ካብ ሕገ-ቁዋም ከይወጹን ኣብ ግርጭት ከይኣትዉን መን እዩ ክካታተሎም ዘለዎ ዝብል ሕቶ ክመጸና ግድነት ይኸዉን።

ህዝቢ በተን ሲቪካውያን ማሕበረቱን ናጻ መድያታቱን ዝብል መልሲ ይመጸና ይኸዉን። ካብኦም ንላዕሊ ከም ሕጋዊ ኣካል/ትካል ኮይኑ፣ ቑዋምን ናይ ዝበዝሐ ህዝቢ ዋሕስ ኮይኑ ዘገልግል ትካል ክህሉ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርኣየኒ። ኣብ ገሊኤን ሃገራት ከም ጀርመን ሃገር ጥልያን ኣውስትርያ ኣልጀሪያ ባርባዶስ ... ካልኦትን ፕረሲደንት ሃገር ተባሂሉም ዝስመዮ፣ ከም ኣቃዋውማ ባይቶታት ናይ-ተን ሃገራት ዝምርኮስ፡ ናይ ሓገግቲ ኣካላት (ባይቶን፣ ላዕላዋይ ቤት ምኽሪ) ብሓባር ኮይኖም፣ ብዝላዓለ ድምጺ ካብ 75% ዘይውሕድ ኣውሊዕ/ድምጺ ዘውድቕሉ ይምረጽ። ኣብ ገሊኤን ሃገራት ናይ ኣኽብሮት መዓርግ ወይ ስልጣን ተባሂሉ ዝስመ ኑጉሳዊ ሓላፍነት ወይ ወኪል ናይ ባይቶን ህዝብን ዝስከም፡ ን-ቀዳማይ ሚንስተር ብ-ባይቶ ዝተመርጸ ዘጺድቕ፣ ዋሕስ ቁዋም ሃገር ኢሉ ዝስመ ከም ዓባይ ብርጣንያ፣ በልጂም፣ ሆላን፣ ስፓኛ፣ ካናዳ፣ አውስትራልያ ... ወዘተ ክንሰምን ክንግንዘብን ንኽእል። መደምደምታኡ ሓላው ቅዋምን ዋሕስ ህዝቢ ኮይኑ ዘገልግል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ህዝቢ ብንቕሓቱን ናጻ ምድያታቱን ሲቪካዊ ማሕበረቱን ዘካይዶ ምክትታል፣ ብ-ንሱ መሪጹ ዝወከሎም ኣባላት ፓርላማ፣ ዝምረጽ ልዕሊ ኩሉን ትካላት ዲሞክራሲ ዝኾነ፣ ዋሕስ ህዝቢ ከም ዘድሊ ይርኣየኒ።

ተግባር

እንታይ የድልዮ ህዝቢ ንክማሓደር (ስልጣን ከዘውትር)፡

ህዝቢ ዘማሓድር ኣካል ውሳኔ/ስጉምቲ ብምውሳድ እዩ ። ህዝቢ ብዘይ ህላውነት ደቂ ሰባት ክህሉ ስለ ዘይካኣል፣ ንህላውነቱ በቶም ባዕሉ ከም ህዝቢ ኢሉ ክጽዋዕ ዝኻኣል ጥርናፈ ሕብረተስብ እዩ ዝራጋገጽ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ኣርእስቲ ዝተጠቕሰ ቅርጽን መርትዖን ክኣ ይህልዎ ጥራይ ዘይኮነስ ህንጻ ሕጊን ትሕዝቶን ክኣ ንዲሞክራሲ ኣገዳስነቱ የራጋግጽ። እዚ ጥራይ ግን ኡኹል ኣይኮነን፡ እንተ-ድኣ ህዝቢ በቲ እሱ ዝሓንጸጾ ቁዋም ክማሓደር ኮይኑ፡ ኩሉ’ቲ መሰረታዊ ነገር፡ ከም መግቢ፣ ማይ፣ ጸዓት፣ ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ መሓውር ትሕተ ቅርጺ መራኸቢታት...ወዘተ ክረክብ ዘይኪኢሉ፡ መሰልን ጉቡኡን ብትኽክልን ዝተማዓራረየ ኣጋባብ ክካየድ ዘይተኻኢሉ፡ተዋሳኢ ዕድሉ ክኸዉንን ናጽነቱ ክሕሎ ዘይተኻኢሉ፣ ኣጋባብ ዲሞክራሲ ተጣሒሱ/ተጋሂሱን ተመንጢሉን ማለት እዩ።ህዝቢ ኣብ ግዜ ምርጫ ድምጺ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዝተኸሎ ቁዋማዊ መስርሕ ከም ዓይኒ ብለን ክሕልዋን ክካታተሎን፣ ነቶም ወከልቱ ኮይኖም ኣብ ባይቶታት ዝኸዱ፣ ንዑኡ’ውን ገምጋም ስርሖም ክህብዎ ምስ ዘይኽእሉ፡ እንደገና ከይምረጹ ክገብር ዘየኽእል ባሕርያትን፣ ብ-ናጻ ምድይታቱ ጌሩ ክውከስዎም/ክዋጥርዎም ከም ዘለዎም ክግበር ክካኣል ኣለዎ።

ባህርያት ደቂ ሰባት፡ ን-ሓደ ህዝቢ ኣገልገልቱ ክኾኑ፣ በቕዕነቶም ንምጽናዕ፣ ብኸመይ ኣብ ዲሞክራሲ ኣጋባብ ይዋስኡ ይሳተፉ ንምፍላጥን፡ ምስ ስኒትን ውህደትን ምክብባር ዝዓሰላ ስድራ-ቤት ከተናጻጽሮ ይካኣል። እዛ ስድራ’ዚኣ ሱጡሙን ጹፉፍን ናብራ ሂወት ክህልዋ-ምእንቲ ዝተዋሃሃደ ትልሚ/ፕሮግራም፡ ስዓት ምትንሳእ፣ ቁርሲ፣ ኩሉ መዓልታዊ ሂወት ስጋብ ግዜ ድቃስ በጋባብ ክካየድ እያ እትጽዕር። ሲኒት፣ ውህደት፣ሓላፍነትን ምርድዳእን ካብ ኩሉ ኣብ ነንሕድሕድ ጥምረት ክህሉ ከሎ ከም ፍቕሪ ዝመልኣ ስድራ እትጽዋዕ። ኣብ ትልሚ ወይ ፕሮግራም ዝተሞርኮሰ ንዕኡ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ እትትርጒሞ ሂወት እታ ስድራ ዝተማልአ ዝገብሮ። ስለዚ ሓደ ፍትሓዉን ዲሞክራስያውን ሕብረተሰብ ከም ኣብነት ናይ ሓንቲ ልእምቲ ፍቕሪ ዝሰሰና ስድራቤት ገይርና ክንወስዶ ንኽእል።

ውዕል / መብጽዓ

ሓደ ህዝቢ እቶም ደቂ ሰባት ኣካሉ ዝኾኑ፣ ንኽማሓደሩ ግዴተኦም ውዕል ወይ መብጽዓ ክኣትዉ ከለዉ እዩ። ዘማልእዎ ስርሓት ዝተፋለየን ብምቅሊት ዝካየድ፣ ኣብ ቡዙሓት ክፍልታት ዝተሰረተን ተሳታፍነት ናይ ብዙሃን ምስ ዝህሉ፡ ኣብ ርእሲ ስጡሙን ዱልዱል መስርሕ፣ ተግባራዊን ዲሞክራስያውነት ዘማለአ ምዃኑ’ዉን ይራጋገጽ። ምኽንያቱስ ብዙሓት ዝተሳተፍዎ መስርሕን መሳልልን ክእለተን ብቕዓታትን ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ።

እታ ቀዳመይቲ ድርኽነት ኣብ ምርጫ ምውሳእን ምክፋልን እያ እትኸዉን። እቲ ሲዒቡ ዝመጽእ ነቶም ዝወከልካዮም ምክትታል፣ ዝሓልፉ ሕግታት ብደንቢ ምርዳእ፣ እንተ-ድኣ ካብ’ቲ ዝበዝሐ ረብሓ ህዝቢ ዝርሓቑ ኮይኖም፣ ናትካ ተቋውሞ እተስማዓሉ መስርሕ ምጥቃም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምግባር ድሃይካ ምስማዕ። ናጻ ሚድያት ከቃልሕኦ ምግባር ስርሓት ክትታሓሓዞ ይግባእ፡ እዚ ዝራጋገጽ ብተሳታፍነትን ተገዳስነት ህዝቢ’ዩ ዝራጋገጽ።

ትህኪትን ፍርሕን ወይ ምጅጃው

እንተ-ድኣ ዲሞክራሲ ክሰርሕ ኮይኑ፡ እቶም ሕብረተሰብ ዝሰረቱ ዜጋታት ዓበይቲ ኡኹላት፣ ኑቑሓት ክኾኑን ኣብ ነንሕድሕዶም ዝፋለጡ ዝዋኻኸሱ ክኾኑ ይግባእ።

ነቶም ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ነጻ ኮይኖም ዝፍጠሩ፡ ብዝሓድሮም ትህኪትን ፍርሕን፣ ከም ህጻናት ኮይኖም ዝዓብዩን ዘይበሰሉን ንቕሓት ዘይድልቡ ክኾኑ ይገብሮም። ካብዚ ዝነቐለ ብቐሊሉ፣ ተበለጽትን ዓመጽትን ከም ሓለይቲን ተኻላኸልቲን መሲሎም፣ ክውንንዎም/ክገዝእዎም ይኽእሉ። ልክዕ ከምዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሽግር። ትህኪትን ፍርሕን ካብ ምጅጃው ዝውሰዳ ኮይነን እተን ጠንቂ ዲሞክራሲ ከይሰርሕ ዝዕንቅፋ ተባሂለን ክጽዋዓ ይኽእላ። ኣብ ፍርሕን ትህኪትን ዝነቐለ ነቲ ናትካን ዝግባኣካን ስልጣን ብኻልኦት ክብሓት ተፍቅደሎም ኣሎኻ ማለት እዩ።

ትህኪት ሓላፍነት ወሲድካ ንኸይትሰርሕ ዓንቃጺት እያ። ፍርሓት ክኣ ነቲ ቁኑዕን ክኸዉን ዘለዎ መሪጽካ ከይትሰርሕ እትዕንቅጽ እያ። ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ን-ተፈጥራዊ ናጽነቱ ንምሕላው ቁሩብ ዝኸዉን፡ ገለን ኡኹላት/ቡሱላት ገለን ክኣ ዕሸላት ንናጽነቶም ክሕልዉ ዘይኽእሉ እዩ ዝቐዉም ሓደ ሕብረተሰብ። እቶም ንቑሓትን ቡሱላትን ነቶም ዕሸላት ወይ ዘይነቕሑ ብተዳጋጋሚ ከረድእዎም ኣብ ጎኖም/ጸግዖም ኮይኖም ጎደና ብስለት ክሕብርዎምን ክድግፍዎምን ይግባእ።

እቶም ዕሸላት ሂወቶም ኣብ ዲሞክራሲ ናይ ምቕባል እምበር ናይ ምሃብ ባህርያት የብሎምን። ዲምክራሲ ክኣ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዜጋታታ ክትኻላኻሎምን ኣፍልጦን ብስለትን ክሰንቁ ክትገብር ኣለዋ። ከም ሓንቲ ስድራቤት እቲ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብሓብን ምትእስሳርን ክህሉ ይግባእ።

ኣብ ምምሕደር ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ፣ ግዴታ ዘይኮነስ ሕልናዊ ዕግበትን ክብሪ ህዝብኻ ልዕሊ ኩሉ ምርኣይን ኮይኑ፣ ኣብ ሂወትካ ጹቡቕ ታሪኽ ክትገድፍ’ውን መሰረት እዩ። እዚ ንምክንዋን/ምትግባር እዩ ብስለት ንቕሓት ዘድሊ፡ እዚ ክኣ ኣብ ዓለመ-ትምህርቲን ዓውደ ፍልጠትን ሓቤረታን ክትዋሳእ ክትከዉን ኮሎኻ እዩ ዝጥረ።

ትምህርቲ / ኣታዓባብያ (Upbringing)

ዋላ ሓደ ፈላጥ ኮይኑ ዝውለድ ሰብ የለን። ውልድ ምስ በልካ ዋላ ሓንቲ ነገር ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን፤ ብዘይካ ከተስተንፍስን ጡብ ኣደኻ ክትድህስስን ። ካብዚ ንንዮው ክትማሃር እትጅምር፣ ክትሰምዕ፣ ክትሪኢ፣ ክትትንክፍ ትህቅንን ትላመድን። ምዕዛብ፣ ምስማዕ ምውሳእ ይጅመር፡ ስጋብ ዕድመ ኣዳም ማለት ዓቢኻ ኣኺልካ ብስለት እተጥሪ፣ ካብ ስድራኻን ከባባቢኻን እትሳተፎም ሕብረተሰብካ እና ተመሃርካ ትጉብዝ። ኣብ መብዛሕቱ ክፍለ ዓለም 18 ዓመት ምስ በጻሕካ ዓቢ/እኹል(Adult) ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ንኽትማሃር እምባኣር ካባኻ ዝፈልጡ ሰባት ፍልጠቶም ከካፍሉኻ/ከቕሙሱኻ ከለዉ እዩ። ትምህርቲ ጥራይ እኹል ኣይኮነን ምስኡ ምራላዊ ውይ ኤትካዊ ባህሊ ክህልወካ ክግበር ኣለዎ። ንምንታይስ ትምህርትን ሞራልን/ ኤትክን ተኣሳሲረን ክኸዳ ከላው እየን ቡቝዑን ቡሱሉን እኹል ከብላኻ ዘኽእላ። እዜን ክኣ ካብ ትምህርቲ፣ ስዳራ-ቤት፣ ከባቢኻን ሕብረተሰብካን እትቐስመን ስነ ፍልጠት እየን። እዚ ዝጠቐስናዮም ስነ-ፍልጠት ሕማቕን ጹቡቑን ከፍልጠካ መሰረታዊ ፈልሲ ዕብየት ይኸዉን።

ትምህርቲን፣ ባህርያትን ፣ናጽነትን፡ ማለት ዲሞክራሲ ንምሓዝ፣ ትግሃት ድልየት ትብዓት ቆራጽነት ኣገድስቲ ባእታት እዮም። ካብዚ ዝነቐለ ትምህርቲ መሰረት ፍልጠት ስለ ዝኾነ፣ ናጻን ንኹሉ ብ-ማዕረ ዝሳተፍሉ ክኸውን ይግባእ። ብትምህርቲ ተኾስዂሱ ዝዓቢ ዜጋ፣ ንቑሑን ቡሱሉን ሕብረተሰብ እተሃንጸ ኣጥሪኻ፣ ስልጣን ህዝቢ ኣብ ኢዱ ዓትዒቱ ዝሕዘሉ ምስናድ እዩ ዘድሊን ዝግባእን።

መደምደምታ ዲሞክራሲ ጡጡሕ ክኸዉን ህዝቢ ክምሃርን ፍልጠት ክቐስምን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ ተዛራቢ ሰማዒን ኣንባብን ዝኾነሉ ባይታ ክጥረ ከሎ’ዩ ፍትሒ ዝነግስ ውህደት ሲኒት ማሕበራዊ ምዕባለ ዝጓናጸፍ።

ሓቢሬታ / ዜና

ሓቤሬታ ከም ትምህርቲ መሰረታዊን ኣገዳሲ እዩ ኣብ ዲሞክራሲ። ሓቤሬታ ንምፍላጥ ዝመርሕ ጎደና እዩ ዝብሃል። ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብካ ዝካየድ ዘሎ ብኸመይ ኣጋባብ ይካየድ ኣሎ፡ ስለምንታይ ንምንታይ ዝዓለመ ኣላሊኻ፣ ግዕዝያቱ ክትኣሊ ቁኑዕ ነገራቱ ክትመሚ መን ሓላፍነት ይስከም ከተለሊ፡ ዘድሊ ኣራሚ ስጉምቲ ክትወስድ ዝሕግዝ ዝሕብርን ኣገዳሲ መስርሐ ዕዮ እዩ።

እንተ ድኣ ብጉቡእ ሓቤሬታ/ዜና ዘይረኺብካ ተዓፊኑ ዝሓልፍ ነገራት ሃልዩ፣ ጉድኣቱ ኣብ ዲሞክራሲ ዓቢ እዩ። ሓቤሬታ ምስ ዝጎድል ዲሞክራሲ ጎዲሉ ማለት እዩ።

እቶም ውክልና ክረኽቡ ዝዋዳደሩ ትካላት ፕሮግራሞም ብ-ኑጹር ክትፈልጥ ዘይ-ምክኣል፡ ብ-ኸመይ ኣበይን ንረብሓ ህዝቢ ክውክሉ ይኽእሉ ክትፈልጥ ኣይካኣልን። ስለዚ’ዩ ብዝተነጸርን ክርዳእ ዝካኣል ሓቤሬታ ክህሉ ይግባእ ዝባሃል። ብ-ተሳታፍነት ህዝቢ ክኣ፣ ስልጣኑ በቶም ተረዲኡ ውክልና ዝሃቦም ይራጋገጽ።

እተን ሓቤሬታ ዝህባ ማዕክናት ናጻን ዘይ ወገናውያን ክኾና ከለዋ፡ ህዝቢ ሩጉጹን ቁኑዑን ሓቤሬታ ክረክብ ይኽእል። እተን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝዋሳኣ ማዕክናት’ውን እንተኾና፣ብሕጊ ዝራጋገጽ ባይታ፣ ንኹለን ተዋዳደርቲ ሰልፍታት/ትካላት ዘዋስአን ዘሳትፈን ሕጊ ክህሉ ይግባእ።

ኣብዚ ግዜ (ሶቻል ምድያ) ማሕበራዊያን ማዕክናት ናጻ ኮይነን ዜና ዝዝርግሓ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ትንታኔታት፣ ዘተታት ዝካየደሉ ዘመን፡ ጌና ንኹሉ ዝጠምር ስርዓተ ሕጊ ስለ ዘየለ፣ ስድነትን ዘይ-ጉቡእ ኣጋባብን እዚ ዘይብሃል ቁኑዑን ዘይ-ቁኑዑን ወረ እናዘርግሓ፡ ኣዕናዊን ካብ ማሃሪ ኣደንቋሪ፣ ሕምስምስ ዝበለ ግዕዘያት’ ውን ዝሓወሰ ክዝርገሑ እንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ኲነት ኢና እንነብር ዘሎና።

እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ፣ መልሰይ፡ ብፍላይ እተን ህዝባውያን ማሕበራት መሰልን ርትዕን ዲሞክራስን ፍትሕን ዝዕላማአን፣ ተዋሃሂደን ዝሰርሓሉ ሓበራዊ ራኢን ዕላማን ዝተኣሳሰረሉ ኣጋባብ ብምኽታል፡ ሓደ ባዕለን ዝስንድኦ ኤቲካዊ ሕገ-ፕረስ ከውጽኣ እዩ ዝምረጽ።

ናጽነት ምስ ሓቢርካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ ዘይጋራጮን፡ ጡጡሕ ባይታ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ይሕግዝ የሳላስልን እምበር በይንኻ ምህላል ኣይኮነን ናጽነትካ ዝምስክር። እንተ ድኣ ብሓቂ ንሕና ከም ንሕና ዲሞክራስያውያ ክንከዉን በቒዕና፣ ርእሰ ተኣማምነት ኣሕዲርና እቲ እንብህጎን ትርታ ህዝብና ግብራዊን ውድዓዊን ክኸዉንን ቢኢድና ክንጭብጦን እንደሊ ኮይና፡ ብትግሃትን ቅንዕናን ተበጊስናን እንተ ሰሪሕና፣ ተኽእሎ ኣሎ ክብል ይደፍር።

መደምደምታ፡ ጥምሮ ሓሳብ ዲሞክራሲ

ዲሞክራሲ ሓደ ስነ-ሓሳብ/ኣጋባብ ወይ ስነ-ስርዓት፡ ፍጹም/ሙሉእ ጉድለት ዘይብሉ መስርሕ ክብሃል ኣይካኣልን። ንምንታይስ ከም ኩሉ ብ-ደቂ ሰባት ዝተማህዘ/ዝፍጠር ኣብቲ እሳቶም ንገዛእ-ርእሶም ዘይፉጹማት ብምዃኖም መጠን ኩሉ’ቲ እሳቶም(ወድሰብ) ዝምህዞን ዝሰርሖን እናሓደረ ዝማሓየሽን ዝተዓራረይን ዝሕደስን ስለ ዝኾነ።

ዲሞክራሲ በቶም ኣንነታውያን/ሱስዓት፣ ጽምኣት ልዕልነት ዘሕደሩ፣ ክትጭወ ትኽእል። ኣብ ብቕዓት ደቂ-ሰባት ተኣማማምነት ዘይ-ምሕዳርን ፣ትህኪት፣ ፍርሓት፣...ወዘተ እዚኦምን ካልኦት ኣሉታውያን ባህርያት ን-ዲሞክራሲ እዚ ዘይባሃል ዕንቅፋት ጸገማት ብድሆታት ከጋጥሙዋ ይኸሉ እዮም። ዲሞክራሲ ብጣዕሚ ብዙሕ መዋቕር ዘለዎ ሕልኽልኽ ዝበለ ጹንኩር መስርሓት ን-ቶንኮል ዝኸፍት መዋጥር ስለ ዘለዎ፡ ብጣዕሚ ጡንቁቓት፣ ቱጉሃት፣ ኣስተውዓልቲ ካብ ኩሉ ንጉርሕን ሽርሕን በዳህቲ እንበቅዕን ዓቅሚ ፍልጠት እንውንን ክንከዉን ይግባእ። እዚ ስለ ዝኾነ ዲሞክራሲ ዓቢ ሓለዋን ብቐጻሊ ዘተን ምምርማርን ምንጽጻርን ካብ ኩሉ ሓቤረታት ምትሕልላፍ ኩሉ ግዜ ፍልጠት ምድላብ የድሊዮ እዩ ዝባሃል።

ዲሞክራሲ ካብ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ተዋሳእነትን ክላቐቕ የብሉን። ዲሞክራሲ ንምትርጓሙን ምርግጋጹን ብዙሕ ጻዕርን ጻዓትን ይሓትት እዩ።

ምስ ኩሉ ኣበርና በቢዓይነቱ ዝጓንፉና ጸገማት/ብድሆታት ዲሞክራሲ እቲ ዉሑስ ማሕበራዊ ሂወት ዘፍቅድ ናጽነት ደቂ ሰባት ዘውሕስ ኣብ ዓለምና ስጋብ እዚ እዋን’ዚ ኣማራጺ ዘይ-ብሉ መስርሐ ስርዓት ክባሃል ይካኣል።

እዚ መስርሕ ብቝዑን ኣጋባቡ ክሕዝን ክሳላሰልን ባዕልና እነውጽኦ ስርዓተ ልዕልና ሕጊ ዝኽተል ምስ እዋንን ምዕባለ-ሕብረተሰብ ዝማዓራረን ዝስታኻኸል፣ መሰልን ጉቡኡን ብኑጹር ዘቐምጥ፣ ውህደት፣ ስኒት፣ሓቢርካ ምንባር ብናይ ሓባር ስራሕ ዘራጋግጽ፣ ንምዃን ብዘይ ሕልና ምቈራጽን ትህኪትን ፍርሕን ከምኡ ኣንነትን ሰውነትካ ልዕሊ ኻልኦት ጌርካ ምርኣይን ኮታ ኩሉ ሕማቓት ኣበራት ኣወንዚፍና፡ ክብረትን ምትሕልላይን ቀንዲ መሳሪሕና ኮይነን፣ ኑቑሓትን ሩጋኣትን/ትዕግስተኛታት ካብ ኩሉ ፍልጠት ክንድልብን፣ ሓለወቲ/ዋልታ መሰልን ዲሞክራስን ፍትሕን ልዕልና ሕጊን ክንከዉን ይግባእ። በዚ ኣጋባብ እንተ ክንከይድ ኪኢልና ዲሞክራሲ ከጠጥሕን ክሳላሰልን ምእንቲ ንቕሓተ ህዝብና ክብ ንምባል ለይቲ ምስ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ብትጋሃትን ቅንዕናን ንምስራሕ ድልዋት ንኹን እዩ ምሕጽንቶይ። ናይ ፕረሲደንት ነበር ኦባማ “ ይካኣል እዩ እወ ይካኣል፡” ዝብል ጭርሖ ናትና ገርና ዕጣቕ ፍትሒ ተዓጢቕና ቃልስና ንቕድሚት ክስጉም ንጓዓዝ።

ብጠቕሲ ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም ክዛዝሞ "ነንሕድሕድካ ምንቕቓፍ ማለት፣ ነንሕድሕድካ ምትእርራም፣ ምምዕዓድ ማለት እዩ’ምበር፣ ኣብ ቅድሚ ናይ ኣሽሓት ጓኖት ኣእዛንን ኣዒንትን ቀሪብካ ምጽርራፍ ማለት ከም ዘይኮነ ፍሉጥ እዩ"።

ንጠንቀቕ፣ ንሕሰብ፣ ነስተውዕል፣ ንማራመር ክኣ ይውስኸላ።

ኣዳላዊ ዶ/ር ኢንጅነር ፍትዊ ክፍለ
13/10/2024

ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፡

ምስዚ ዝዛመዱ ጽሑፋትን ሰነዳትን ኣብዚ ተወከሱ:-

 

Larry Bartels: Democracy Erodes From the Top (Stanford CDDRL, 5 Mar 2024)


Closing Keynote by Bayo Akomolafe: Reflections on Democracy and Belonging (Othering and Belonging Institute, 15 Nov 2023)


See also more articles by
ካልኦት ብ' ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: