ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 10ይ ክፋል

18/05/2018 17:57 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

10ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 10ይ ክፋል

ካልእ ኣጋጥሚ ትንሳኤ እዪ ኔሩ እዋኑ፣ ጸልሚቱ ዓይኒ ሕዙ ብምንባሩ ቁድሳን ቡና እንዳቆለወት ኣምዕድያ ትጥምት ነበረት። ኣብ መንደቅ እንዳተጎሰሰ ዝወጽእ ተመን ትዕዘብ። ቀድሽ ነዚ ቦታ ብኣውያት ነቅነቐቶ። ኣቦይ ገረኪኤል ክረድኡ እቶም መጀመርያ ካብ ገዝኦም ዝወጹ ኣቦ እዮም ኔሮም። ቀድሽ ብኢዳ እንዳመልከተት ተመን-ተመን-ተመን ኢላ ትግዕር ነበረት።

ኣባይ ገረኪል ገዝኦም ምልስ ኢሎም ኩናቶም መዝዞም፣ ፈኸራ ጀመሩ ኣነ ገረኪል ስብህቱ፣ ገጡሙ ካብ ዝማሓሮም ዝሞቱ ዝበዝሑ እንዳበሉ ሓደ እግሮም ንቅድሚት ኣምሪሖም፣ ኣነጻጺሮም ርእሱ ኢሎም ኩናቶም ወርወሩ። ሻቡ ተመን ካብ ላዕሊ ዱብ ኢሉ ወደቐ።

ቀድሽ ኣየወ! ገረ ጥራይ እንተዝውለድ፣ ሰቡኡት ገዛውትና መጸባጽብቲ፣ ሰቡኡት ድማ ትጽውዑ ኢላ ንኩሉ ሰብኣይ ኣነኣኣሰቶ፣ ቀድሽ ጅግንነት ኣባይ ጌረ እንዳድነቐት ሽምዓዓ ሒዛ ናብ ተመን ዝወደቐሉ እንዳሰጎመት እንከላ ሽመዓ ንፍስ ኣጥፊኡላ እንደገና ንገዝኣ ተመልሰት። ኣባይ ገረኪኤል ላምባዲኖኦም ካብ ሬድዮ ባትሪ ኣውጺኦም ክሳብ ዝቅዩሩ ቁሩብ ዘንጉዑ።

ንኣቶ በየነ መባእስቶም እንዳሸምጠጡ። በየነ ዓጢነ ኣውያት እንዳሰማዕካ ከተስቅጥ እምኒ ይጽቀጥካ፣ እንታይ ከ ወሪዱካ፣ ኣውያት ንእዝኒ ሕሱም ዶ ኣይኾነን?። ሆየ ጌረ ተመን ዝወደቀሉ ቦታ በጹሑ። ዝደርበይዎ ኩናት ካብ ተሸኪልዎ ዝጸንሓ ጭቃ መንደቅ እንዳመዘዙ፣ እንደገና ተመን ምቅስቓስ ጀመረ፣ ቀድሽ እንደገና፣ ገረ -ገረ ኣይሞተን ይንቀሳቐስ ኣሎ በለት። ኣባይ ጌረ ከምፍርሕ እንዳበሉ፣ ነቲ ተመን ብኩናት ደጋ-ጊሞም ወጊኦም፣ በቲ ኩናት ድማ ኣልዓልዎ። እንተራኣይዎ ግና ተመን ዘይኾነ ማዓንጣ ናይ ኣወዳ-ኣመት ዱሙ ንላዕሊ ገጹ ዝስሕቦ ዝነበረ እዩ። ሻቡ እቲ ድሙ ዘሊሉ ሃደመ፣ ኣባይ ገሬ ርእሶም እንዳነቅነቑ ቀድሽ-ቐድሽ እንታይ ክትረክቢ ኣባላሽክኒ ሎሚ ምሸት። መስሓቅ ባዓል በየነ ዓጢነ እባ ገበርክኒ ኢሎም ኣማረሩ።

ኣባይ በየነ ካብ ገዝኦም ወጹእ እሞ፣ ኣየ ገሬ ርእሲ ምራክ፣ ተስታ ዲጋሊና (ሓንጎል ደርሆ)፣ ቅድም ቀዳድም መንደቅ ዝሓኩር ተመን ሪኢና ይኩን ሰምዒና ኣይንፈልጥን። ካልኣይ ነገር ድማ በየን ኣቢሉ ተመን ንከተማ ዝኣተወ። ቀድሽ ተእውየሉ ምክንያት ሰብኣይ ዘይምህላው ክከወን ይክእል እንተ ንስካ እሞ ካን መስሓቅ ሸራፋት ኣኪልካ።

ቀድሽ ከተእውይ ከምዘይ ጸንሔት፣ እቲ ዝገርም ነገር ናብ ኣባይ ጌረ ግምጥል ኢላ ካዕኻዕ ኢላ እንዳ ሰሓቐት። ጌረ ሓወይ እዛ ኩናት ኣብ መርዓ እንተልዩ መደበሊ ጥራይ ተጠቀመላ። ካብ ናይ ጌረ ቱታ ናይ በየነ ስቅ ትሓይሽ ኢላ እንዳሰሓቐት ንገዝኣ ኣተወት። ተመስገን ፈጣሪ ኢላ ድማ መደቐሲኣ ሓዘት።

ኣይጸንሔትን ዓራት ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ክድፋእ ጀመረ። ቀድሽ ከም ኣመላ ሕጂ እውን ኣውያታ ፈነወቶ፣ እንደገና ኣባይ ጌረ ደበኽ በሉ፣ እንታይ ተረኽበ ሕጂ ከ፣ መስሓቅ ባዓል በየነ ኾይናልኪ ከይኣክል ሕጂ ከ መን ካን ተሪፍኪ ዘይሰሓቐ በሉ ኣባይ ጌረ። ሰይጣን ኣሎ ኣብ’ዚ ገዛ ምስ ዓራተይ የልዕለኒ የብለኒ ኣሎ በለት ቀድሽ። ኣባይ ገሬ ንትሕቲ ዓራት በትሮም እንዳሰደዱ ደርሆ ቓቕ በለት። ቀድሽ ደርሆኪ እኮ እያ በሉ።

ቀድሽ ደጊማ ዘይመስል ከመይ ጌራ ደኣ ደርሆ ዓራት ሓፍ ዘበለት በለቶም። ኣባይ ጌረ ንገዝኦም ክስጉሙ ተበገሱ። ግና በታሕቲ በዚ መጺ ዘይተባህለ እግሮም ገለ ነገር ዓትዒቱ ሓዞም እሞ። ከየእውዩ በየነ ከይስሕቅ፣ ፈርሁ፣ ነብሲ ተፈራረደት።

በሊ ተላይ ቀድሽ ኣድምቅኪ ኣውያትኪ ደርጉሕዮ ወይ ሰይጣንኪ ኣእጋረይ ሒዙኒ ኣሎ በሉ ኣባይ ገረኪኤል። ክፍንጹጉዎ ድማ ተቓለሱ። ቀድሽ ኣውያታ ቐጸለቶ።

ድሕሪ ቁሩብ ግና ሰይጣን ካብ ትሕቲ ዓራት ደበክ ኢሉ ወጸ። ሰይጣን ዝተባህለ ውላዶም ፍጽም ጌረኢኪኤል እዩ ኔሩ። ኣባይ ጌረ ፈሊጠዮ እኾ እየ እዚ ርጉም ተካል ውላድ፣ በየነ ጥራይ መሲሉኒ ለካስ ወደይ እውን ኣብ ጎኒ ጸላኢ እዩ ዘሎ፣ ኢሎም ስሒቆም ንገዞም ተፋነው።

ይቕጽል ናብ 11 ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡   9ይ ክፋል (27/04/2018)፡   10ይ ክፋል (18/05/2018)፡   11 ክፋል (18/05/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Eritrean music 2018 Trhas Mehari ''wegeney'' ትርሓስ መሓሪ 'ወገነይ'