ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 11 ክፋል

18/05/2018 17:57 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ
ምትካል ዳስ መርዓ ገዛውትና፣

11 ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 11 ክፋል

ምትካል ዳስ መርዓ ገዛውትና፣

ገዛውትና ምስ ቅርጺ መሬት ቦታ የለን እተን፣ ንእሽቶ ሜዳ ኣብ ማእከል ሓንሳእ ሓውሲ oval ባዶ ቦታ ኩሉ ጊዜ ትሑዛት እየን እንተላይ ማሕበር ቁስዱ-ገርግስ ገዛ ማንዳሓበሻ ኩሉ ኣቁሑት ትሑዝ እዩ ማማልከቻ ቀልጢፉካ ክኣትው ኣለዎ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ዳስ-ዲዛይነርስ (designers) ከከም ማዕረጎም እዩም ዝመጹካ።

ጎብዝ ገዛማንዳ ጃ ሰዓት ኣርባዕተ ውጋሕታ ተሰሊፋ ኣላ፣ ገሊኣ መደቀሲ ዝጸበባ፣ ገልኣ ደገ ዝሓደረት፣ ተኣካኪባ ኣብ ምስራሕ ዳስ ተዊፊራ ኣላ ጎበዝ። ጉድጋድ ምሸት ዓርቢ እዩ ተኾዒቱ ዝሓድር፣ እቶም ሙኩራት Constraction Engineers ኣበይ ይኾዓት ኣቐዲሙ ተዋሂቡ መምሪሒ ኣሎ።

ብዝተውህበና መምርሒ መሰረት ኩሉ ሁርኩት ጎበዝ ጀሚሩ ኣሎ ስሩሑ ካብ ዓርቢ ምሸት ሙኾኑ እዩ። Operation manager ብኣባይ ኣስራለቃ እንዳተመርሔ ክግስግስ ዘርፈደ ዕዮ። ግን ከም ባዓል ፊትኣውራሪ፣ ግራዝማች፣ ቀኘዝማች፣ ሸቃን፣ ቮርንቮርስ ዘለዎም ማዕረግ ኣርፊዶም ይመጹ እሞ። በትሮም እንዳወጣውጡ፣ ኣንታ ኣርፊድና ደቃስ እምበር ጸቂጢኒ ይብሉካ።

ኣባይ ኣስራለቃ ከመይ ዳስ ወርቂ ዶ ይብሉ።ኣሰላልፋ ትካል ክግምገም ይጅምር (institutional audit) ኣዲት ይግበር። ግራዝማች ርኢቶ ናይ ብጻይዮም ቀነዝማች ድሕሪ ምስማዕ፣ ንሸቃ ይዳሃዩ እሞ፣ ስለስቲኦም ድማ ሕሹክ ይብሉ። ግራዝማች ብ’ኣስራ-ኣለቃ ከምዝተመርሔ ምስፈለጡ፣ ኣስራለቃ ተከሰተ ሓወይ እቲ ጸገም ማይ-ኩዓ ናይዛ ዳስ ኣይጠዓየን ተበላሹ ኣሎ ይብሉ።ኣስራለቃ ይቁጡዑ በሉ መልእዎ እቲ ስራሕ ኣነ ክከይድ ያላ እስቲ “ስዋ” ጥራይ ኣባና ናይ መንገዲ ላም እውን ክንዕድግ ኣለና ኢሎም ገለ ኣጉባዝ ሕዞም ይብገሱ።

ማይ-ኩዓ ክዕረይ ጎበዝ ዳስ እንደገና፣ ብትእዛዝ ዓበይቲ ይፈርስ/ ቴንዳ ይግምጠል። ሰርጌንቲ ይመጹ ዝላዓለ ማዕረግ ሙኾኑ እዩ መስለኒ። ኣበርኩቶኦም ስለዘይተመስከረ። ሰርጌንተ ውዑይ ዝበሉ ሰብኣይ ብሙኾኖም ኩሉ ጥንቅቅ ኢሉ እዩ ዝሕዞም።ቁልጡፍ ውሴና ዝወስዱ ኣብ ጣልይን ዕስክርና ዝለመድዎ ክትሰምዔም ጥራይ እዩ እቲ ምርጫ።

ሰርጌንተ ብወገኖም ዓዲ፣ ዓዲ ቆሉዑ ኾይና፣ ኣፈ-ደገ ብድሕሪት ገርካ፣ ተዓዳሚ በየን ክዋትው ትደሊዎ ኣለኩም ክብሉ የማርሩ፣ እንዳገና ጎብዝ ነዚ ሓድሽ ትእዛዝ ንምትግባር። ብክንደይ ጸገም፣ክሳድ ኣጉባዝ ዝጎዕጸጸ ተንዳ ይእለይ። ባዓል ግራዝማች ድማ ብወገኖም ጊደኦም ይኹሩዩ እሞ ሰርጌንተ ጸሓይ ምስ በረቀ መጺካ ኣይበጽብጸና፣ ሰርጌንተ ርእቶኦም ዝቅበለሎም ስለዝሰኣኑ፣ ኩሉ ጊዜ ምስ ባዓል ግራዝማች ዘለዎ ስራሕ ህውከት ኢሎም ስዋ ጥራይ ሃብና ምላሹ ኢሎም ባው ኢሎም ምስቶም ንዕዳጋ ከብቲ ዝብገሱ ይጽምበርዎም፣ እቲ ዘገርም ድማ ዝኾረየ ካብ ስራሕ ኣይቦኩርን ጥራይ ጉጅለ ይቅይር።

ዕድመ ብጹሑፍ ኣይኾነን ገዛውትና ዝዕደም፣ ነጎዳ ዝጥዕም ድምጺ ዘለዎም ኣባታት ገዛውትና ገዛ-ገዛ እንዳኸዱ ዝዕደማ ቀበሌታት ድማ ማይ-ሂወት፣ ጸሓይ በሪቂ ከምኡ እውን ኣማን እየን። ዕደመ ዝእውጁ ድማ፣ እማባየ ሃይለ፣ ጊለ ኣለሙ፣ ኣባይ ወልደማርያም (ባዓል ፈረስ)፣ ኣባይ ገርዝጊሄር። መደብ ስራሕ ዕደመ ይኩን፣ መርድእ ስራሕ ናይዞም ኣባታት እዩ ኔሩ። ኩሉ ገዛውቲ ድማ ከም-ዓቅሙ የበርክት ኣብቲ ማሕበራዊ ሂወት። ካህናት ድማ ኣባይ (ቀሺ ያቆብ)፣ ከምኡ እውን ኣባይ ቀሺ ገብሪሂወትን፣ ቀሺ ሙሴ ኣገልጉሎቶም ይህቡ ነበሩ።

ሓደ እውን ኣነን ምስግና እምባየ ሃይለ (ወዲ እዞም መርድእ ዘርድእ ወላዲ) ብሓደ ንከተማ እንዳዕለልና ንከደልኩም። መብራት ሓይሊንኪኤል ትረኽበና ካብተን ኣዝየዝ ብጭርቃን (ማስያ) ትፍለጥ ጎል ገዛውትና እያ። ንክልቴና ምስ ረኣየት ብሓደ “በስማኣም ትብል” እንታይኮን ተረኪቡ ኢልና ሰምበድና። ወዲ መእውይ (ወዲ እምባየ)፣ ወዲ መራሒ ሬሳ ደኣ መን ኣራኸበኩም ስራሕ ኣቦታትኩም ክትቅበሉ ኢላ ሰሓቀትና።

ይቕጽል ናብ 12 ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡   9ይ ክፋል (27/04/2018)፡   10ይ ክፋል (18/05/2018)፡   11 ክፋል (18/05/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Eritrean music 2018 Trhas Mehari ''wegeney'' ትርሓስ መሓሪ 'ወገነይ'