ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 9ይ ክፋል

27/04/2018 23:85 PM

ዝኽሪ እታ ዑፈይ

9ይ ክፋል

ተኻታታሊ ጽሑፋት ብ'ሞጎስ ያቆብ
Article series by Mr. Mogos Yakob.


ዝኽሪ እታ ዑፈይ


ዝኽሪ እታ ዑፈይ - 9ይ ክፋል

ሓደ እዋን ኣደይ ለተንጉስ ጥምቀት ዊዒለን ኣረቒ ጨሪመን ይመጻልኩም። እቲ እዋን ኩናት ሓንሽ ተውሊዒ ስለዝነበረ። ኣደይ ለተንጉስ ሓደ ወደን እውን ንዓሰብ ኣቢሉ ተመዲቡ ስለዝነበረ። እታ ምሽት ድማ ብወደን ተሻቒለን በቲ ድማ ኣሪቒ ስርሑ ሰሪሑ መልቐስ ጀመራ።

ኣደይ ዘውዲ ድማ መጻ እሞ፣ ከጸናንዐን ፈተና። እንተኾነ ጎረቤት ምስተኣከበ ኣደይ ዘውዲ። ኣንቱም ሰባት ዘውዲ ሰታይ ወጺኒ እምበር ካብ’ዚ ሓሊፈ ኣነ ዶ ሳርማ እግረይ መሊሰሉ ክብላ ኣማረራ።ካልእ ወዲ ገዛውትና 1ይ ዙር ይከደልኩም፣ ኣነ ድማ ኣብቲ እውን ማመልከቻ ናይ ይሕለፍ፣ ማልከቻ ረዲኤት ይዋሃበኒ ዝብል ደብዳቤታት ንቀበሌ ዝኸይድ መልኸዮ እየ ዝነበርኩ። ዳርጋ እቶም ናይቲ እዋን ኣካየድቲ ቀበሌ ብኣጸሓሕፍና መን ጽሕፎዎ ይፈልጡና ኔሮም ኢለ ይግምት።

ነዘን ሰይበቲ ኣነ ይጽሕፈለን የንብበለን ድማ፣ ድሕሪ “ናፍቆትካ ከም መግቢ ይጠምየኒ፣ ከም ጸሓይ ትዓርበኒ ምባላይ፣ እዞም ሩጉማት ጥሜት ወዲኢሙኩም ዶ ክትብል መረረ” ተደጋዲማ ክትጸሓፈለን ሓተታኒ። ከምትእዛዘይ ድማ ገበርኩ።

ወዲ ኣብ ትቅጽል መልሲ ንዴብዳቤኡ። ኣደይ መዓረይ ኣብቲ ገዛ እንታይ ዶ ዝብላዕ ኔሩ እዩ፣ ዋላ ንትቀጽ ኣብዚ ሳዋ ብውሕዱ ባኒ ፣ ምስ ሓፍስ ማይ ግና ደሓን ይወርድ ኣሎ ክብል መልሲ ሰደደለን።
ሓንቲ ጽብቅቲ ባህሊ ሰንበት ምትእክካብ የሕውት ዝብል ኔርትና ኣብ ካሻሎና፣ ካብ ኩሉ ከባቢ እዪ ዝእከብ መንእሰይ ካርታ ድማ ንጻወት ዝሳዓረ ገንዘብ ኣይወስድን እዩ ጥራይ ኣይከፍልን፣ ገንዘብ ተኣኪቡ ጨጎራ ይግዛእ ኣብ ሓደ ዓቢ ድስቲ ተንፈክፊኩ። ኣዴታት ድማ እንጀራ ይውፍያልና፣ ተወሳኪ ድማ ጽራይ ካብ እንዳ-ስምረት ይእዘዝ፣ ጨጎራካ በሊዕካ፣ ጽራይ እንዳ ሰተካ ከተዕልል ትውዕል፣ ሽዑ ዝመጽእ ዕላላት፣ ክትዕ ስፓርት፣ ማስያ (ጭርቃን) ድማ መሊኡ።

በዚ ዝዓበየ መንእሰይ ድማ በሊሑ ይወጽእ፣ መምዘኒ ብቅዓቱ ድማ፣ ልውሃት፣ ሓቂ፣ ምትሕግጋዝ፣ ሰብኣውነት፣ ትብዓት፣ ርእሰ-ምትእምምና። እንተዛረብ ቁምነገር፣ እንተዋዘየ መስቃሕ፣ እንተሳዕሰዐ ድማ መድመቂ።

ሓደ እውን ሓደ ካብቲ ገዛውትና ይምርዓወልኩም፣ ሑሉፎት በየን መጺካ ካብይ ከ ክትብገዝ መዋጥሪ ኾይኑና። እምበርከ ከም ባሂሊ ኣሽነይ-በለ-ኣሽነይ-በለ- ኢልካ እንዳደረፍካ ኢካ እንዳ ጋል ትኣትው፣ ኣብ ሜዳ ጥቃ ሓዝሓዝ ተኣኪብና እንዳደረፍና ናብ እንዳጋል ኣብ ሓደ ዳስ ኣተና። ድሕሪኡ እንታይ ተባሂሉ። ምብላዕ-ምብልዒ ዝብኢ ዓድና ይብላዓዮ ይበሃል፣ እስካ ድማ ምድካይ-ምድካዩ ጋል ገዛውተይ ትድኸዮ ኢልካ ተባሂሉ።

ይቕጽል ናብ 10ይ ክፋል

ብ'ሞጎስ ያቆብ


Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

መእተዊ (26/12/2017)፡   1ይ ክፋል (01/01/2018)፡   2ይ ክፋል (08/01/2018)፡   3ይ ክፋል (16/01/2018)፡   4ይ ክፋል (24/01/2018)፡   5ይ ክፋል (01/02/2018)፡   6ይ ክፋል (08/02/2018)፡   7ይ ክፋል (08/03/2018)፡  8ይ ክፋል (08/03/2018)፡   9ይ ክፋል (27/04/2018)፡   10ይ ክፋል (18/05/2018)፡   11 ክፋል (18/05/2018)፡  




ካልኦት ጽሑፋት ብሞጎስ ያቆብ፡ recent articles by Mogos Yakob፡-

Eritrean music 2018 Trhas Mehari ''wegeney'' ትርሓስ መሓሪ 'ወገነይ'